ኮሮናቫይረስ፡ ዝርግሐ ለበዳ ኮቪድ-19 ማእከላይ ምብራቕ

ኮሮናቫይረስ፡ ዝርግሐ ለበዳ ኮቪድ-19 ማእከላይ ምብራቕ
መግለጺ ስእሊ, ነፋሪት መሃን

ብኢራን እትውነን መንገዲ ኣየር ማሃን፡ ዝበዝሓ መንገዲ ኣየራት ናብ ኢራን በረራ ደው ኣብ ዘበላሉ፡ ነፈርቲ ናይዛ መንገዲ ኣየር ኣብ መላእ ማእከላይ ምብራቕ በረራታት የካይዳ ስለዝነበራ፡ ኣብ ምልባዕ ኮሮናቫይረስ ዝተጻወተቶ ኣሉታዊ ተራ ቢቢሲ መረመራ ኣካይድሉ ኣሎ።

ቢቢሲ ቋንቋ ዓረብ ኣብዚ እዋን ለበዳን እገዳን እዛ መንገዲ ኣየር ዘካየደቶ ብዝሒ በረራታት ካብ 'ትራኪንግ ዳታ' (ንበረራ ነፈርቲ ዝከታተልን ዝሕብርን መተግበሪ) ከምኡ እውን ኣብ ውሽጢ እቲ መንገዲ ኣየር ካብ ዝሰርሑ ብዝረኸቦ ሓበሬታ፡ እዛ መንገዲ ኣየር ካብ መወዳእታ ወርሒ ጥሪ ክሳብ መወዳእታ ወርሒ መጋቢት ኣብ ዝነበረ ግዜ ካብን ናብን ኢራን፣ ዒራቕ፣ ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ሶርያን ኣማኢት በረራታት ከም ዘካየደት ክፈልጥ ክኢሉ።

እዛ መንገዲ ኣየር ብዘይ ፍቓድ እዘን ዝተጠቕሳ ሃገራት በረራ ከተካይድ፣ ክሊ ኣየረን ክትጥቀም ከምኡ'ውን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ እዘን ሃገራት ክትዓልብ ከም ዘይትኽእል ርዱእ እዩ።

ኢራን ናብ ቻይና ዝግበር በረራታታ ኣብ 31 ጥሪ እያ ደው ኣቢላቶ።

እታ ሃገር ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ማእከል ለበዳ ኮሮናቫይረስ ምዃና ምስ ተረጋገጸ ኸኣ ብዙሓት ሃገራት ካብን ናብን ኢራን ዝግበር በረራታት ኣብ ወርሒ ለካቲትን መጋቢትን ደው ኣቢለንኦ።

መንገዲ ኣየር ማሃን ግን ዋላ እኳ ተሳፈርትን ኣባላት በረራን ንሓደጋ ዘቃልዕ'ዩ ዝብል ነቐፌታ ይወርዳ እንተነበረ፡ በረራታት ኣየቋረጸትን።

ስክፍተኦም ዝገለጹ ኣባላት እዛ መንገዲ ኣየር'ውን 'ሱቕ እንተዘይ ኢሎም ብገበን ከም ዝሕተቱ' ዝሕብር መጠንቀቕታታት ተዋሂብዎም ሱቕ ከም ዝብሉ'ዩ ተገይሩ።

ቢቢሲ ነዚ ኣመልኪቱ ካብ መንገዲ ኣየር ማሃን ቃል ክረክብ ዘቕረቦ ሕቶ ጸማም እዝኒ እዩ ተዋሂብዎ- መልሲ ኣይሃበን።

መንገዲ ኣየር ማሃን ናይ መን እያ?

መሃን

ምንጪ ስእሊ, Rudi van Goch - Aviation Videography

መንገዲ ኣየር ማሃን ብውልቂ እትውነን መንገዲ ኣየር ኢራን እያ።

እዛ መንገዲ ኣየር፡ 55 ነፈርቲ ክህልውኣ እንከለዋ፡ ናብ 66 መዓረፎ ነፈርቲ በረራ ብምክያድ፡ ዓመታዊ ልዕሊ 5 ሚልዮን ተጓዓዝቲ ካብን ናብን ተመላልስ።

ምስ ሓይልታት ሓለዋ እስላማዊ ሰውራ ኢራን ጥቡቕ ርክብ ከም ዘለዋ'ውን ይፍለጥ።

ከም ውጽኢቱ ካብ 2011 ጀሚሩ ወተሃደራዊ ንብረትን ላዕለዎት ሓለፍቲ ሓይልታት ሓለዋ ሰውራ ተበጻጽሕ'ያ ብዝብል ምኽንያት ብኣሜሪካ ጥቡቕ ምክትታል ክግበረላ ዝተወሰነላን ምክትታል ክግበረላ ዝጸንሐትን መንገዲ ኣየር እያ።

እዛ መንገዲ ኣየር፡ ነቶም ሓይልታት ሰውራ ጥራይ ዘይኮነ ነቶም በዚ ሰውራ ኣብ ኢራን፡ ሊባኖስ ዒራቕን ካልኦት ሃገራትን ዝካየዱ ስርሒታትን'ውን ትድግፍ እያ።

ምኽሪ ሰብ ሞይ ጥዕና ዕሽሽ ተባሂሉ

መገዲ ኣየር ማሃን

ምንጪ ስእሊ, BBC Arabic

መግለጺ ስእሊ, መገዲ ኣየር ማሃን

ቢቢሲ ዓረብ ኣብ ሊባኖስን ዒራቕን ዝገበሮ መርመራ፡ ኮሮናቫይረስ ናብዘን ሃገራት በቶም ብመንገዲ ኣየር ሞሃን ዝተጓዓዙ ሰባት ከም ዝኣተወ ከረጋግጽ ክኢሉ።

ዕለት 19 ለካቲት፡ ሓደ ኢራናዊ ተመሃራይ ብመንገዲ ኣየር ማሃን ቁጽሪ በረራ W55062 ካብ ርእሰ ከተማ ታህራን ተበጊሱ ናብ ዒራቓዊት ከተማ ናጃፍ ኣቕኒዑ። እዚ ውልቀ ሰብ ኣብ 24 ለካቲት እቲ ናይ መጀመርታ ኣብ ዒራቕ ኮሮናቫይረስ ዝተረኸቦ ሰብ ኮይኑ ኣብ መዝገብ ሰፊሩ'ሎ።

ዕለት 20 ለካቲት፡ ጓል 41 ዓመት ሊባኖሳዊት ካብ ቆም (ቅዱስ ቦታ ሺዓ) ብታህራን ኣቢላ፡ ናብ በይሩት ብመንገዲ ኣየር ሞሃን ቁጽሪ በረራ W5112 ናብ ሊባኖስ ኣትያ። እዛ ሰብ እዚኣ'ውን ኣብ ሊባኖስ እታ ቀዳመይቲ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፈት ሰብ ተባሂላ ተመዝጊባ ኣላ።

ክልቲኤን እዘን ሃገራት ኣብ ልዕሊ እዛ መንገዲ ኣየር ዘለወን ቁጠዐ እኳ እንተገለጻ፡ እታ መንገዲ ኣየር ግን በረራኣ ደው ኣየበለትን።

መንግስቲ ኢራን፡ ካብን ናብን እታ ሃገር ዝግበር በረራታት ካብ 20 ለካቲት ጀሚሩ ደው ክብል ኣዋጅ ኣሕሊፉ። ቢቢሲ ዝገበሮ መርመራ ግን ድሕሪ እዚ ኣዋጅ'ውን እንተኾነ እዛ መንገዲ ኣየር፡ ካብ መንግስቲ ኢራን ብዝረኸበቶ ፍሉይ ፍቓድ 15 በረራታት ናብ ዒራቕ (ኣብ ኢራቕ ዝረክብ ቅዱስ ቦታ) ኣካይዳ።

መንግስቲ ዒራቕ ናብ ቢቢሲ ኣብ ዝለኣኾ መግለጺ፡ እቶም ድሕሪ ምእጋድ ዝተገበሩ በረራታት መስርሕ ምምላስ ካብ ሃገሮም ወጻኢ ዝነበሩ ኢራናውያን ምዃኑ ብምጥቃስ ብሲቪል ኣቬሽን ዝጸደቐ ፍቃድ ዘማልኡ ምዃኖም ሓቢሩ።

እቲ መግለጺ ብምስዓብ፡ ካብ ኢራቕ ናብ ኢራን ዝግበሩ በረራታት ከምዝቕጽሉን ካብ ኢራን ናብ ዒራቕ ዝኣትዉ ተሳፈርቲ ከምዘይህልዉን ኣብሪሁ።

ኣብ ኢራንን ኣብ ቻይናን ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ልዑል እንከሎ ዝተገበረ በርራታት

ኣብ ኢራንን ኣብ ቻይናን ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ልዑል እንከሎ'ውን መንገዲ ኣየር ሞሃን ናብ ኣርባዕተ ዓበይቲ ከተማታት ቻይና በረራታታ ተካይድ ነይራ እያ- ናብ በይጂንግ፡ ሻንግሃይ፡ ግዋንግዙን ሸንዘንንን።

ኢራን ካብ 31 ጥሪ ጀሚራ እያ ካብን ናብን ኢራን ዝግበር በረራታታ ደው ኣቢላቶ። ስለዚ መንገዲ ኣየር ሞሃን ነዚ ሕጊ እዚ ክትጥሕስ ካብ መንግስቲ ኢራን ቀጠልያ መብራህቲ ተወሊዑላ ክኸውን ኣለዎ።

መንገዲ ኣየር ሞሃን ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝዘርግሖ ስእልታት፡ እብ ሞንጎ መወዳእታ ጥርን 20 ሚያዝያን ሽዱሽተ በረራታት ከምዘካየደ ብምጥቃስ እቲ በረራ ረዲኤት ንምምጻእ ምንባሩን እቲ ኣርባዕተ በረራታት ድማ ኣብ ቻይና ዝነበሩ ኢራናውያን ናብ ሃገሮም ንምምላስ ምንባሩ ሓቢሩ።

እንተኾነ እቶም ናይ መወዳእታ ካብ ቻይና ናብ ኢራን ዝኣተዉ ኢራናውያን ዝኣተዉሉ ዕለት 5 ለካቲት ምንባሩ ኸኣ ተጠቒሱ ኣሎ።

ቢቢሲ ካብ ኣባላት እቲ መንገዲ ኣየርን 'ትራኪንግ ዳታ'ን ዝረኸቦ ሓበሬታን፡ እታ መንገዲ ኣየር ኢራን በረራታት ደው ክብል ድሕሪ ምእዋጃ ናብ ቻይና 157 ግዜ በረራ ከመዘካየደት ከረጋግጽ ክኢሉ እዩ።

ኣብ ኢራን ዝርከባ ካልኦት መንገዲ ኣየራት በረራታት ደው ከብላ እንከለዋ፡ ካብ 31 ጥሪ ክሳብ 20 ሚያዝያ ኣብ ዝነበረ ግዜ እታ እንኮ ካብ ኢራን ናብ ቻይና በረራ ተካይድ ዝነበረት መንገዲ ኣየር ሞሃን እያ።

ካብዚ ብተወሳኺ፡ እዛ መንገዲ ኣየር፡ ካብ ኢራን ናብ ካልኦት ሃገራት ዝግበር ዝነበረ በረራታት'ውን ትዓምም ነይራ እያ።

ሰብ መዚ ሶርያ ካብን ናብን እታ ሃገር ዝግበር በረራታት ደው ክብል 8 መጋቢት እዮም ኣዊጆም። እንተኾነ መንገዲ ኣየር ሞሃን ድሕሪ እዚ ኣዋጅ'ውን ናብ ሶርያ 8 ግዜ በረራታት ኣካይዳ።

መገዲ ኣየር ማሃን

ምንጪ ስእሊ, BBC Arabic

መንገዲ ኣየር ሞሃን ናብ ዱባይ 37 በረራታት፡ 19 በረራታት ናብ ቱርኪ ከምኡ'ውን 18 በረራታት ናብ ማልዥያን ታይላንድን ኣካይዳ።

እዚ ኹሉ ድማ ኢራን በረራታት ደው ክብል ድሕሪ ምእዋጃ እዩ ተኻይዱ።

ኣባላት እዚ መንገዲ ኣየር 'ቃል ከይተምሉቑ' ተባሂሎም እዮም

ኣባላት እዛ መንገዲ ኣየር ፡ መንገዲ ኣየሮም ኣብ ምልባዕ ኮቪድ-19 ዝነበራ ተራ ከይዛረቡን ቃል ከየምሉቑን ከም ዝተሓበሮም መርትዖ ናብ ቢቢሲ ኣቕሪቦም'ዮም።

ኣብ መወዳእታ ወርሒ ለካቲት፡ ልዕሊ 50 ካብ ኣባላት በረራ እዛ መንገዲ ኣየር ምልክታት ኮቪድ-19 ከም ዝተረኣዮም ካብቲ ውሽጢ እቲ መንገዲ ኣየር ዝረኸብናዮ ጽጹይ ሓበሬታ ክንፈልጥ ክኢልና ኢና።

ገለ ካብ ኣባላት እዛ መንገዲ ኣየር'ውን ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ፡ ኣብ እዋን በረራ እኹል መሳርሒታት መከላኸሊ ኮሮናቫይረስ ከም ዘይውሃቦም ከዕዘምዝሙን መረረኦን ከስምዑን ጀሚሮም።

ኣብ 27 ለካቲት ኣባላት እዛ መንገዲ ኣየር ንመጀመርታ ግዜ ካብ ቻይና በረራ ምስ ኣካየዱ ነብሶም ንኽውሽቡ እኹል ግዜ ከምዘይውሃቦም ዝገልጽ ጽሑፍ ኣብ ሻርጅ ደይሊ ኣሕቲሞም።

ኣብ 18 ሚያዝያ'ውን 1300 ኣባላት እዛ መንገዲ ኣየር ኣብ ምሕደራ እዋን ኮሮናቫይረስ ጥዑይ ኣካይዳ ከምዘይተኸተለ ኣብ ዝገልጽ ክፉት ደብዳበ ፌርመኦም ኣንቢሮም ኣብ ኣቭያ ኒውስ ከምዝሕተም ገይሮም።

እቲ ክፉት ደብዳብ ብተወሳኺ፡ መንገዲ ኣየር ሞሃን ምስ ኮሮናቫይረስ ተተሓሒዙ ነቲ ብማሕበር ዓለምለኻዊ በረራታት ክማላእ ኣለዎ ዝብሎ ቅጥዕታት ከማልእ ዘቕረብዎ ተደጋጋሚ ሕቶ ጸማም እዝኒ ከምዝተወሃቡን፡ ትካሎም ነቲ ኣብ ኢራንን ካልኦት ሃገራትን ዝተረኣየ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ምልባዕ ተራ ከምዝነበሮ ይውቀስ ምህላዉ'ውን ጠቒሶም ኣለዉ።

መንገዲ ኣየር ሞሃን ንኣባላቱ ብዛዕባ እዚ ዘካይዶ ዘሎ በረራታት ዘለዎም ሕቶ ንህዝብን ንመራኸቢ ብዙሃንን እንተ ተዛሪቦም 'ብከቢድ ገበን' ክሕተቱ ምዃኖም ዘፈራርሕ ወረቀት ሂብዎም እዩ። ቅዳሕ ናይዚ ጽሑፍ እዚ ኣብ ኢድ ቢቢሲ ኣሎ።

እተን በረራታት ደው ክብል ኣዊጀን ክንሰን መንገዲ ኣየር ሞሃን ናብ ሃገርን በረራ ከካይድ ዝፈቐዳ ሃገራት'ውን ንሕቶታት ቢቢሲ መልሲ ክህባ ፍቃደኛታት ኮይነን ኣይተረኸባን።

ኮሮና
ኮሮና