ካብ ኮሮናቫይረስ ንምክልኻል ስልክና ብኸመይ ክነጽርዮ ይግባእ?

ስማርትፎን ስልክ ሲፀዳ

ትካል ጥዕና ዓለም፡ ኮሮናቫይረስ ንነብስና ክንከላኸሎ እንኽእል ሕማም ምዃኑ 'ኳ እንተገለጸ፡ ስግኣት ዓለም ዝኾነ ለበዳ ምዃኑ ግን ገሊጹ'ዩ።

ብተደጋጋሚ ኢድካ ምሕጻብ፣ ገጽካ ደጋጊምካ ዘይምትንካፍ፣ ኣብ እትስዕለሉ ወይ እተሀንጥሰሉ እዋን ኣፍካን ኣፍንጫኻን ብሶፍት ወይ ብኢድካ ምሽፋን ገለ ካብ መከላኸሊ መገዲታት'ዮም።

ኣብ ገዛ ይኹን ኣብ እትሰርሐሉ ቦታ ዘለው ብተደጋጋሚ ምትንኻፍ ኢድ ዝበዝሖም ነገራት'ውን በብግዝኡ ምጽራይ ኣገዳሲ'ዩ።

ይኹን'ምበር ነናሻዕ እትጥቀመሉ ስልኪ ከመይ ክተጽርዮ ትኽእል? እዚ ትኹረት ክግበረሉ ዝግባእ ጉዳይ'ዩ።

ስልክኹም ኣብ ጂባኹም ወይ ኣብ ቦርሳኹም ሒዝኩም ናብ ሽቓቕ ወይ ካልእ ቦታ ምንቅስቓስኩም ኣይተርፍን።

ኣብ ስልክኹም ክህሉ ዝኽእል ባክቴሪያ ግን ክንደየናይ ክኸውን ከም ዝኽእል ገሚትኩም ትፈልጡ'ዶ? ካብ ኮሮና ናጻ ምዃኑኸ ክንደየናይ ርግጸኛታት ኢኹም?

ስርዓት ጥዕና ኣሜሪካ ዝቆጻጸር ሲዲሲ (CDC)፡ ኣብ እንህንጥሰሉ ወይ እንስዕለሉ እዋን ካብ ሰብነትና ዝወጽኡ ተሃዋስያን፡ ኣብ ደገ ወጺኦም ንሰዓታት ብህይወት ከም ዝጸንሑ ይሕብር።

ስለዚ፡ ርስሓት ዘለዎም ነገራት ኩሎም ክነጽርዮም ይምዕድ። ኣብ ሞንጎ ምጽራይን ካብቲ ቫይረስ ናጻ ምግባርን ኣፈላላይ ከም ዘሎ'ውን እቲ ትካል የዘኻኽር።

መጀመርታ እቲ ርስሓት ክጸሪ ኣለዎ፤ ቐጺሉ ካብቲ ቫይረስ ናጻ ክትገብሮ ይግባእ።

ስልክና ንምጽራይ 70 ሚእታዊት ኣልኮል ዘለዎ መጽረዪ ነገር፣ ቀሊል ሳሙናን ማይን ምጥቃም ይምከር፤ በረኪና ግን ፈጺሙ ዝተኸልከለ'ዩ።

ዶክተር ሌና ሲሪክ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኮሌጅ ለንደን ማይክሮባዮሎጂስት እያ። ንሳ ከም እትብሎ፡ ስልክኻ ንምጽራይ ካብ ቻርጀር ምንቃል፣ መሸፈኒ እንተሃልዩዎ'ውን እቲ መሸፈኒ ምልጋስ ክቕድሙ ዝግብኦም ኣገባባት'ዮም።

ኣፍረይቲ ኩባኒያታት ስልኪ፡ ስልክና ንምጽራይ ኬሚካላት፣ ኢድና እነጽርየሎም ነገራትን ሓርፋፍ ነገር ንምጽራይ ዝውዕሉ ዋይፐራትን ምጥቃም ክንጥቀም ኣይምዕዱን።

ናይዚ ምኽንያት፡ ናይቲ ስልኪ ስክሪን ይጎድኦ'ዩ ዝብል'ዩ።

እንታይ ድኣ፡ ብቐሊሉ ብማይን ሳሙናን ዝጠልቀየ ካብ ጡጥ ዝፈረየ ጨርቂ ክንጥቀም ከም ዘለና ዶክተር ሌና ትምዕድ።

ስልክኹም ኣብ እተጽርይሉ እዋን ግን፡ ዝኾነ ዓይነት ፈሳሲ ናብ ውሽጢ ከይልሑኽ ክትጥንቀቑ ይግባእ።

ስልክኹም ምስ ኣጽረኹም ድማ፤ ኢድኩም ብማይን ሳሙናን ብልጭ ኣቢልኩም ክትሕጸቡ ኣለኩም።