ፀጋታት ቱሪዝም ትግራይ ዘላሊ ካርታ ተሓቲሙ

እቲ ሓባሪ: ትግራይ ዝሓቖፈቶ ሃብቲ ብቐሊል መንገዲ የላልይን ይመርሕን።
ኣብ ትግራይ ቅድሚ ሎሚ ዘይተሰርሐ: ንደቂ ዓድን ኣጋይሽን ከም መምርሒ ኮይኑ ዘገልግል ሓባሪ (ካርታ) ፅባሕ ኣብ ከተማ መቐለ ክምረቕ እዩ::
ኣሰናዳኢ እቲ ስራሕ: ኣይተ ዓንዶም ገብረየሱስ ሎምዓልቲ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዘካየዶ ቃለ መጠይቕ: እቲ ሓባሪ ብዙሕ ቁዉም ነገር ግን ድማ ኣብ ውሱን ቦታ ኣርኒቡ ዝሓዘ ምዃኑ ገሊፁ::
"ትግራይ ዝሓቖፈቶም ፀጋታት ቱሪዝምን ሃብትታት ተፈጥሮን ብስእሊ:ብምልክትን ብፅሑፋዊ መረዳእታን ንኹሉ ሰብ ምቕልል ኢሉ ብዝርደኦ መንገዲ ተሰናዲኡ'ሎ" ይብል ኣይተ ዓምዶም::
ብተመሳሳሊ በዓላት:ቁፅርታትን ፊደላትን እውን ኣብቲ ሓባሪ ተኻቲቶም ኣለዉ: ብትግርኛን እንግሊዝኛን ድማ እዩ ተሰናዲኡ::ኣይተ ዓንዶም "ካርታ ከ ምህላው ነይሩ እዩ ኮይኑ ግን ብስእሊ ተደጊፉ ዝተሰርሐ የለን" ብምባል ፈላምነት እቲ ስራሕ የረድእ::

ምንጪ ስእሊ, Amdom facebook
እቲ ተሓቲሙ ዘሎ መምርሒ ቱሪዝም: ኣብ ትግራይ ብዝርከቡ መደብር መፃሕፍቲ:ሆቴላት: ኣብያተ መሸጢ ናውቲ ገፀ በረከት: ማእኸላት መሽጢ ካርኒ ኣቢሉ ናብ ህዝቢ ንመሸጣ ክዝርጋሕ እዩ::
"ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ እውን ገምጊሙ ንስርዓተ ትምህርቲ ይጠቕመና እዩ ኢሉ መረጋገፂ ስለ ዝሃበሉ ብንካይ ዋጋ ናብ ተምሃሮ ክቐርብ እዩ" ይብል ኣይተ ዓንዶም ገብረየሱስ።
እቲ ተሓቲሙ ዘሎ ሓባሪ መምርሒ ቱሪዝም: ካብ ትግራይ ወፃኢ ዝርከቡ ሰባት ብኸመይ መንገዲ እዮም ክረኽብዎ ንዝብል ሕቶ ኣይተ ዓምዶም መልሲ ኣለዎ::
"ምስ ዝተፈላለዩ ማሕበራት ንዘራረበሉ ኣለና። ንኣብነት ዛጊድ ምስ ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣመሪካ: ኣውሮጳን ጅርመንን ተራኺብና ተዘራሪብናሉ ኢና:: ብናይ ባዕሎም መንገዲ ይኸዱ ኣለዉ እዮም" ብምባል ናብ ኩሉ ከባቢ ንምብፃሕ ይስራሕ ምህላዎም ተዛሪቡ::

ኣይተ ዓምዶም "ብዋናነት ግን ብገንዘብን ፍልጠትን ዝሕግዝ ሰብ እንተረኺብና: ኩሉ ኣብ ናይ ኢዱ ስልኪ ንኽረኽቦ ብዘኽእል ንክሰናዳእ ተሊምና ሰሪሕናዮ ኣለና: ናብ ኣገልግሎት ህዝቢ ንኽነቕርቦ ግን ተወሳኺ ዓቕምን ሓገዝን የድልየና'ሎ" እውን ኢሉ።
እቲ ሓባሪ ፀጋታት ቱሪዝም ትግራይ ፅባሕ ድሕሪ ቀትሪ ሰዓት ሸሞንተ ኣብ ከተማ መቐለ ሆቴል ዘማርያስ ተመሪቑ ንመሸጣ ክቐርብ እዩ::
ኣብቲ ፅምብል ምረቓ: ሰብ ሃብቲ: ክኢላታት ቱሪዝም: መራሕቲ መንገዲ: ሰበ ስልጣን መንግስትን ካልኦት ግዱሳት ሰባትን ንኽርከቡ ተዓዲሞም እዮም::






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







