'ኣለኝታ ሆትላይን' - ጾታዊ ጥቕዓት ዝበጽሐን ደቂኣንስትዮ ዝግልገላሉ ነጻ መስመር ስልኪ

ምልክት ነጻ መስመር ስልኪ 'ኣለኝታ'

ምንጪ ስእሊ, SETAWEET/TWITTER

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ደቂኣንስትዮ ዝፍጸሙ ጥቕዓት ንምቅላዕን ግዳያት ድማ ስነልቦናውን ሕጋውን ምኽሪ ዝረኽባሉን ነጻ መስመር ስልኪ ኣገልግሎት ምሃብ ክጅመር'ዩ።

ነቲ ኣገልግሎት ንምሃብ ትሰርሕ ዘላ ምንቅስቓስ 'ሴታዊት' እቲ ነጻ መስመር ስልኪ ኣብ ቀረባ እዋን ከምዝጅመር ንቢቢሲ ሓቢራ።

ምንቅስቓስ 'ሴታዊት'፡ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጸሙ ጥቕዓትን ጾታዊ በደላትን ንምቅላስ ከምኡ ድማ ጾታዊ ማዕርነት ኣብ ምርግጋጽን ኣድሂባ ንምስራሕ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት'ያ ተጣይሻ።

ማእኸላ ኣዲስ ኣበባ ዝገበረት እዛ ምንቅስቓስ፡ ዝተፈላለዩ መድረኻት ዘተ ብምድላው ግንዛበ ኣብ ምዕባይ፤ ስልጠናታት ኣብ ምሃብን ዝመሳሰሉን ትነጥፍ።

ግዳያት ጾታዊ ግህሰት ዝኾና ደቂኣንስትዮ ዝበጽሐን ጥቕዓት ምስ ኣከዳድነአን ብምትእስሳር ከም ምኽንያት ንምቕራብ ዝግበር ጻዕሪ ግጉይ ከምዝኾነ ግንዛበ ንምፍጣር ዘኽእል ኤግዚቢሽን'ውን ኣዳልያ ነይራ።

እቲ ዓውደርእይ ግዳያት ጾታዊ ግህሰት ኣብ ልዕሊኤን ጥቕዓት ክፍጸም ከሎ ተኸዲነንኦም ዝነበሩ ክዳውንቲ ዝቐረቡሉ'ዩ።

ኤግዚቢሸን 'እንታይ ተኸዲና ነይራ?'

ምንጪ ስእሊ, SETAWEET/FB

ኣብዚ ሕዚ እዋን ድማ ነዚ ዕላማ ዝሕግዝ 'ኣለኝታ ሆትላይን' ዝተበሃለ ነጻ መስመር ስልኪ ናብ ኣገልግሎት ክተብቅዕ ምዃና መተሓባበሪት'ቲ ፕሮጀክት ጽዮን ሞላ ንቢቢሲ ተዛሪባ።

" 'ኣለኝታ ሆትላይን' ግዳያት ጾታዊ ጥቕዓት ዝኾና ዝጥቀማሉ ነጻ መስመር ስልኪ እዩ። ንሕና እንህቦ ኣገልግሎት ነጻ ስነልቦናዊ ምኽሪ፣ ሓበሬታን ናብ ዝምልከቶም ኣካላት ምልኣኽን'ዩ" ኢላ።

ኣብ ልዕሊ ደቂኣንስትዮ ዝፍጸሙ ጥቕዓት መሰረት ዝገበረ ፈላማይ ነጻ መስመር ስልኪ ከምዝኾነ ብምሕባር "እዚ ክንጅምር ዝኸኣልና ድማ ዝተፈላለዩ ሰባት ናብ ቤት ጽሕፈትና ብኣካል ብምምጻእ፣ ወይ ስልኪ ብምድዋልን ኢመይል ብምጽሓፍን 'ከምዚ ኮይነ፤ እንታይ ክገብር?' ስለዝብሉና ነዚ ክንገብር ወሲንና" ክትብል ኣረዲኣ።

ናብ ዝተፈላለዩ ኣብያተ ዕዮ ብምኽያድ መጽናዕቲ ከምዝገበራ ትዛረብ ጽዮን፡ ግዳያት ናብ ፖሊስ ክንልእኸን ዝግባእ መዓዝ'ዩ? ሕጋዊ ኣገልግሎት ንምርካብ'ከ ናበይ ክኸዳ ኣለወን? ጾታዊ ግህሰት ዝተፈጸማ ጓልኣንስተይቲ ናበይ ትኸይድ? ኣገልግሎት ምኽሪ ኸ ኣበይ ትረክብ? ዝብል ምስነጸራ ነቲ ነጻ መስመር ስልኪ ንምጅማር ከምዝተወሰነ ገሊጻ።

ኣርማ ሴታዊት

ምንጪ ስእሊ, SETAWEET/TWITTER

ግዳያት ጾታዊ ጥቕዓት ዝኾና ደቂኣንስትዮ እንታይ ክገብራን ናበይ ክኸዳን ከምዘለወን ኣፍልጦ ስለዘይነበረን፡ እዚ ኣገልግሎት ዝሓሸ ኣማራጺ ከምዝኾነን ዝሓበረት ጽዮን፡ ብፍላይ ናይ ስነልቦና ምኽሪ ንምርካብ ከምዝሕግዘን ኣረዲኣ። እቲ ኣገልግሎት ንግዜኡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምሃብ ከምዝጅመር ድማ ገሊጻ።

"እቲ ኣገልግሎት ኣብ ቀረባ እዋን ከምዝጅምር ኢና ንሓስብ። ዘድልይ ነገራት እናወዳእና ኢና። ድሕሪ ሓደ ወይ ክልተ ወርሒ ክንጅምሮ ኢና። ነኣሽቱ ዝመስሉ ወይከኣ ኣብ ማሕበረሰብና ከም ዓብዪ ነገር ዝቑጸሩ ጉዳያት ክኾኑ ይኽእሉ'ዮም" ክትብል ሓቢራ።

ኣስዒባ "እዚ ኣገልግሎት ክነስፍሖ'ኳ ንሓስብ እንተሃለና፡ ንበይንና ንሰርሖ ስራሕ ስለዘይኮነ ግን ኣገልግሎት ምኽሪ ሕግን ካልእን ዝህቡ ካልኦት ኣካላት'ውን እንተዝፍጠሩ ዝሓሸ ምኾነ" ኢላ።

ንነጻ መስመር ስልኪ - 'ኣለኝታ ሆትላይን' - ግዳያት ጥራሕ ዘይኮናስ፡ ጥቕዓት ክፍጸም ዝረኣዩ ሰባት ጥቆማ ንምሃብ ክጥቀሙሉ ከምዝግባእ፡ ኣብ ምንቅስቓስ ሴታዊት መተሓባበሪት'ቲ ፕሮጀክት ጽዮን ሞላ ኣዘኻኺራ።