ሚኒስትር ሰራሕተኛ ጃፓን፡ ኣብ ናይ ስራሕ ቦታ በሪኽ ጫማ 'ኣገዳሲ''ዩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሚኒስትር ሰራሕተኛ ጃፓን፡ ኩባንያታት፡ ደቂ ኣንስትዮ ሰራሕተኛታት በሪኽ ጫማ ንክገብራ ዘገድድ መምርሒ ኣከዳድና ከውጽኡ ይግባእ ኢሉ።
ሚኒስትር ጥዕናን ሰራሕተኛን ታኩሚ ኔሞቶ፡ እዚ መካትዒ ዝኾነ ልምዲ "ኣብ ስራሕ ቦታ ኣድላይን ግቡእን ዝኾነን ማሕበራዊ ቕቡልነት ዘለዎን'ዩ" ዝብል ርኢይቶ ሂቡ።
እቲ ሚኒሰትር፡ ትማሊ ሮቡዕ ኮሚቴ ኣባላት ፓርላማ ኣኪቡ ኣብ ዘዘራረበሉ'ዩ ነዚ ርእይትኡ ሂቡ።
ሽዑ፡ ሓደ ኣባል ሓጋጊ ኣካል ዝኾነ ውልቀሰብ፡ ከምዚ ዓይነት ሕጊ "ግዝኡ ዝሓለፎ'ዩ" ክብል ንሓሳብ እቲ ሚኒስትር ኣነኣኢስዎ።
እቲ ሚኒስትር ብሓንቲ ተዋሳኢት ብዛዕባ ዝተጀመረን ኣብ ናይ ስራሕ ቦታ ኣፈላላይ ዝፈጥርን መምርሒ ኣከዳድና ዝድግፍ ኣገባብ ክስዓር ብዛዕባ ዝሓትት ምእካብ ፌርማ ርኢይትኡ ሂቡ'ዩ።
እታ ተዋሳኢት በሪኽ ጫማ ገይራ ናብ ስራሕ ምምጽኣ ዝእዝዝ ደንቢ ክልዓል ፌርማ ምእካብ ዝጀመረት፡ ፈጸምቲ ስርዓተ ቐብሪ እቲ ደንቢ ንከኽብሩ ምስ ተኣዘዙ'ዩ ኢሉ።
እቲ ወፍሪ ድማ፡ ብደረጃ ዓለምን ሃገርን ልዑል ቅቡልነት ክትረክብ ኣኽኢሉዋ'ዩ።
እቲ ዝተኣከበ 18 ሽሕን 800ን ፌርማ፡ ናብ ቤት ዕዮ ሚኒስትር ሰራሕተኛ ዝተልኣኸ ኮይኑ፡ ደገፍቲ እዚ ሓሳብ ዝኾኑ'ውን ኣብ ትዊተር ጎስጓስ ጀሚሮም ኣለው።
መራሕቲ እዚ ጎስጓስ ከም ዝብሉዎ፡ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ናብ ስራሕ ኣብ ተመልክተሉ በሪኽ ጫማ ክትገብር እትግደደሉ ኩነታት ኣሎ።
"እዚ ጎስጓስ'ዚ ተቐባልነት ዘለዎ ተግባር ኣወጊዱ ጓል ኣንስተይቲ ዝኾነ ዓይነት ጫማ ገይራ ኣብ ስራሕ ቦታ ክትርከብ ክፈቅድ'ዩ" ኢላ መራሒት እዚ ጎስጓስ ኢሺካዋ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ፡ ሓንቲ ሰበይቲ ብግዚያውነት ኣብ ዝተቆጸረትሉ ቤት ዕዮ ፋይናንስ በሪኽ ጫማ እንተዘይገይርኪ ተባሂላ ስለ ዝተገደደት፡ ዝበጸሓ ጽዕንቶ ብመራኸብቲ ሓፋሽ ልዑል ሽፋን ብምርካቡ፡ ደቂ ኣንስትዮ ድላየን ጫማ ክገብራ ክፍቀደለን ክኢሉ'ዩ።
ኣብ 2017 ድማ ሓንቲ ግዝኣት ካናዳ ደቂ ኣንስትዮ በሪኽ ጫማ ክገብራ ዝእዝዝ ደንቢ ሰሪዛ'ያ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







