ኣይፎን ሓደሽቲ ሞዴላት ተንቀሳቐስቲ ስልኪ ሒዙ መጺኡ

iPhone XS

ምንጪ ስእሊ, Apple

ኩባንያ ቴክኖሎጂ ኣፕል ኣይፎን ኤክስ ኤስ (iPhone XS) ኢሉ ዝሰመዮ ዘመናዊ ተንቀሳቓሲ ስልኪን ናይ ኢድ ሰዓትን ናብ ዕዳጋ ኣቕሪቡ።

ኣይፎን ኤክስኤስ ማክስ (iPhone XS Max) 6.5 ኢንች ወይ ድማ 16.5 ሴንቲ ሜትር ስፍሓት ስክሪን ዘለዎ እንትኸውን ኣይፎን ኤክስኤስ ድማ 5.8 ኢንች ስክሪን ኣለዎ።

ምስዚ ሞባይል ርክብ ዘለዎ ናይ ኢድ ሰዓት እውን ትማሊ ዕላዊ ኮይኑ ኣሎ።

ዋጋ ኣይፎን ኤክስ ኤስ (iPhone XS) ካብ ካልኦት ፍርያታት ኣይፎን ክባር ከምዝኾነ እዩ ዝግለፅ ዘሎ።

ነዚ ንምዕዳግ ካብ 749 ዩሮ (ኣስታት 26 ሽሕ ብር ) ጀሚሩ ክሳብ 1449 ዩሮ (52 ሽሕ ብር) የድልይ።2018

ዋጋ እዚ ዘመናዊ ስልኪ ዋላ ሰማይ እንተዓረገ፡ ሰባት ካብ ምዕዳግ ንድሕሪት ከምዘይብሉ ግና ሰብ ሞያ ይትንብዩ ኣለዉ።

ተጠቀምቲ እዚ ዘመናዊ ተንቀሳቃሲ ስልኪ፡ ገመድ ኣልቦ መስምዒ እዝኒ እዮም ዝጥቀሙ።

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ቻርጅ መግበሪ ሶኬት እትስኳዕ 9 ዩሮ እትሽየጥ ገመድ ብምዕዳግ፡ ምስቲ መስምዒ እዝኒ ብምርኻብ እውን ክጥቀሙ ይኽእሉ።

ስክሪን ተንቀሳቓሲ ተለፎናት

መፍረይ ኣይፎን ኩባንያ ኣፕል፡ ኣብ ዕዳጋ ዓለም 1 ትሪልየን ዶላር ብምሓዝ ልዕልነት ዝሓዘ ትካል እዩ።

ብመሸጣ ስልክታት ግና ብሳምሰንግን ብቻይናዊ ሁዋዌን ተበሊፁ ኣብ ሳልሳይ ብርኪ ይስራዕ።