ማዕበል ለውጢ ሞባይል ኣብ ምንቅስቓስ ገንዘብ

ምንጪ ስእሊ, ኤ ኤፍ ፒ
ኣብ እንግሊዝ ዝርከብ ትካል ዓለም-ለኸ ልምዓት (DfiD) ኣብ ኣፍሪካ ዝርከቡ ተጠቀምቲ ሞባይል ስልኪ፡ ናብ ዝደለይዎ ሰብ ግዘ ኣየር ሞባይል ከመሓላልፉ ምኽኣሎም ኣብ 2002 ኣቆፀፅራ ኣውሮፓ እዩ ተገንዚቡ። እዚ ክኸውን ዝኸኣለ ድማ ኣብቲ እዋን ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ተዳሊዉ ኣብ ዝነበረ ዓለም-ለኻዊ ዋዕላ ምርግጋፅ ዘላቒ ልምዓት እዩ።
ኣብቲ መድረኸ ካብ እንግሊዛዊ ትካል ቴሌኮም ቮዳፎን ዝተወከለ ኒክ ሃግስ ፅሑፍ ኣቕሪቡ ነይሩ። መፅናዕቱ፡ ዓበይቲ ኮርፖርሽናት ኣብ ልምዓት ድኻታት ሃገራት ኣድሂቦም ንዝሳለጡ መፅናዕቲታት ገንዘባዊ ሓገዝ ዝገብሩሉ ኩነታት ንምትብባዕ ዝዓለመ እዩ።
ትካል ዓለም-ለኸ ልምዓት ምስ ቮዳፎን ሓቢሩ ክሰርሕ እንትውስን ንሓለፍቲ ስራሕ ሃግስ ዘሕጎሰ ነይሩ። ሓሳቡ፡ ኣብ መንግስታዊ መሓውራት ዝፍፀም ግዕዝይና ምቅላስ ጥራሕ ኣይነበረን።
ብብርኪ ዓለም ኣገዳሲ ኣብ ዝኾነ ምስፍሕፋሕ መጠነ ንኡስ ፋይናንሳዊ ትካላት እውን ኣድሂቡ እዩ።
ብኣማኢት ሚልዯናት ዝግመቱ ኣብ ፀፍሒ ድኽነት ዝርከቡ ፈጠርቲ ስራሕ ካብ ባንኪ ክልቅሑ ዕድል ብዘይምርካቦም ናብ ዝሓስብዎ ከይበፅሑ ይተርፉ።
ትሑት መጠን ልቓሕ እንተዝረኽቡሞ ከብቲ፥ ሰፋይት ክዳን ማሽንን ሞተር ብሽክሊታን ክዕድጉ እንተዝኽእሉ ዓርሶም ዝውንንዎ ንግዳዊ ንጥፈታት ምፍጣር ኣይምኣበዮምን።
ሃግስ፡ ዓማዊል መጠነ ንኡስ ፋይናንሳዊ ትካላት፡ ዝወሰድዎ ልቓሕ ብሞባይል ኣቢሎም ኣብ ዝመልሱሉ ከይዲ እውን ዳህሳስ ከካይድ ድልየት ነይርዎ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, ጌቲ ኢሜጅ
ኣብ 2005 ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ሱሴ ሉኒ ዝተብሃለት መሳርሕቱ ኣብ ኬንያ ምስ ዝርከብ ትካል ቴሌኮም ሳፋሪኮም ንተመሳሳሊ ዕላማ ክትሰርሕ ተበጊሳ።
ኣብ ዝፀውዓቶ ኣኼባ ዓማዊል መጠነ ንኡስ ፋይናንሳዊ ትካላት እንትረከቡ፡ ፈለማ ብዛዕባ እቲ ብሞባይል ገንዘብ ምንቅስቓስ ዝከኣለሉ ምህዞ ኤም-ፔሳ ዘይኮነስ ሞባይል ስልኪ ከመይ ከምዝሰርሕ መብርሂ ንምሃብ እያ መሪፃ።
መሰጋገሪ ድልድል/ነጥቢ መቐይሮ
ሰባት ነቲ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ እንትጅምሩ፡ ዝተለቅሕዎ ገንዘብ ካብ ምምላስ ብዝሰገረ ንኻልኦት ረብሓታት እውን ከውዕልዎ ከምዝኽእሉ እዩ ምፍላጥ ተኻኢሉ።
ኣብ እዋን ፈተነ ሓንቲ ሰበይቲ ገንዘቡ ናብ ዝተሰረቖ በዓል ቤታ ገንዘብ ብሞባይል ልኢኻትሉ ንኣውቶብስ ከፊሉ ብሰላም ናብ ዓዱ ተመሊሱ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, ጌቲ ኢሜጅ
ካልኦት ከም ዝብልዎ እውን ኤም-ፔሳ ገንዘብካ ከይትስረቕ፥ ቅድሚ ጉዕዞኻ ድማ ናብ ሞባይልካ ትምልኦሞ ምስ በፃሕኻ ብጥሪኡ ክትውፅኦ ዝሕግዝ ቴክኖሎጂ እዩ።
ዝኾነ ዓይነት ክፍሊት ክትፍፅምን ኣብ ከተማ ዝነብሩ ሰራሕተኛታት ናብ ስድርኦም ገንዘብ ክልእኹን ይሕግዝ።
ካብ ዝጅመር ኣብ ውሽጢ ሸሞንተ ኣዋርሕ ብሚልዮን ዝግመቱ ኬንያውያን ናብቲ ግልጋሎት ተፀምቢሮም። ኣብዚ ሕዚ እዋን ድማ ኣስታት 20 ሚልዮን ተገልገልቲ ኣለዉዎ።
ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመታት ጥራሕ 10% ካብ ሓፈሻዊ ፍርያት ውሽጢ ዓዲ ኬንያ ከንቀሳቕስ ኪኢሉ እዩ። ኣብዚ ሕዚ እዋን ድማ ካብ ሓፈሻዊ ፍርያት ውሽጢ ዓዲ ኬንያ ዳርጋ ነቲ ፍርቂ የንቀሳቕስ።
ቁፅረን ብተዓፃፃፊ እናወሰኸ ዝመፃ ኣናኣሽቱ ድኳናት ኤም-ፔሳ ጥረ-ገንዘብ ንዘድለዮም ኣብ ምቕራብ ይርከባ። ካልኦት ኣማራፂታት ኣብ ድኹም ከይዲ ለውጢ እንትርከቡ ኤም-ፔሳ ግን መሰጋገሪ ድልድል/ነጥቢ መቐይሮ ክኸውን ኪኢሉ ኣሎ።

ምንጪ ስእሊ, EPA
ንዝረኸብካዮም ዝተፈላለዩ ግልጋሎታት ብዝቐለለ መንገዲ ክፍሊት ክትፍፅም ብምኽኣሉ ዝባኽን ግዜ የለን። ውሑስ ኣብ ዘይኮነ ቦታ ዝቕመጥ ገንዘብ እውን ኣይክህሉን።
ኣስታት ክልተ ቢልዮን ሰባት ተረባሕቲ እንተዘይኮኑ'ኳ ኣብ ዝሓፀረ እዋን ከምዝፅምበሩ ዘተሓትት ኣይኮነን። መዓልታዊ ኣታዊኦም ትሕቲ 1.25 ዶላር ኣሜሪካ ካብ ዝኾኑ ኬንያውያን ዳርጋ መብዛሕቲኦም ተጠቀምቲ ኮይኖም እዮም።
ብሓፈሻ እንትረአ ግን ኣብ 2014 ጥራሕ ብሞባይል ዝሳለጥ ምንቅስቓስ ገንዘብ 60% ዕዳጋ ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ክቖፃፀር ኪኢሉ እዩ። ኣብ ምዕቡላት ሃገራት ክሳብ ክንድቲ ከምዘይኮነ መረዳእታታት ይሕብሩ።
ኤም-ፔሳ ኣብ ኬንያ ከመይ ክዕወት ኪኢሉ?
እቲ ቀንዲ ምኽንያት ኣብ ስርዓት ባንኪን ኣገልግሎት ቴሌኮምን ዘለዉ ሕጊታት ኣዕሪዮም ዘይኸረሩ ምዃኖም እዩ። ሓደ መፅናዕቲ ከምዝሕብሮ መብዛሕቲኦም ኬንያውያን መራሕቲ ስድራ ንኤም-ፔሳ ዝፈትውዎ ብዝቐለለ መንገዲ ናብ ስድርኦም ክልእኹ ስለዘኽኣሎም እዩ። ካልኦት ተወሰኽቲ ምኽንያታት እውን ክለዓል ይከኣል'ዩ።
ምትእትታው ኤም-ፔሳ ኣባላት ፖሊስ ኣፍጋኒስታ 30% ካብ ደሞዞም ይስረቑ ከምዝነበሩ ኣቃሊዑ። ቅድሚ ኤም-ፔሳ ምትእትታዉ እቶም ኣባላት ፖሊስ መሃይኦም ብጥረ-ገንዘብ እዮም ዝኽፈሉ ነይሮም። ኣሕሉቕቶም ከኣ 30% ቆሪጾም ይህቡዎም።
ብኤም-ፔሳ ክኽፈሎም ምስ ጀመረ ግን ምሉእ ደሞዞም ክበጽሖም ጀሚሩ። በዚ ምኽንያት እቶም ኣባላት ፖሊስ ክሕጎሱ እንከለዉ፡ እቶም ምጥፍፋእ ዝለመዱ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ግን ሓዚኖም። ስለዚ ኤም-ፔሳ ኣብ ምክለኻል ግዕዝይና ልዑል ተራ ተጻዊቱ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, ጌቲ ኢሜጅ
ኣብ ኬንያ፡ 'ማታቱ' ብዝተባሃላ ዓይነት ታክሲ ግልጋሎት መጉዓዝያ ዝህቡ ኣካላት ካብ ኣታዊኦም ዳርጋ'ቲ ሓደ ሲሶ ብሰንኪ ስርቂን ብላዕን ከምዝስእኑ ግምታት የረድኡ።
ሕጂ ግን ብኤም-ፔሳ ብላዕ ምቕባልን ምሃብን ስለዘይከኣል፡ መራሕቲ መኪና እታ ሃገር ገንዘቦም ካብ ዝሻመይዎም ኣባለት ፖሊስ ከድሕነሎም ኪኢሉ እዩ ። ምኽንያቱ ኤም-ፔሳ ብሞባይል ስለዝሰርሕ፡ ኣብ ቤት ፍርዲ ከም መረዳእታ ክቐርብ ስለዝኽእል።
መንግስቲ ነዚ ንምቅላል ዝሓንፀፆ ትልሚ ወነንቲ ማታቱ ብሞባይል ስልኪ ዝሳለጥ ምንቅስቓስ ገንዘብ ክጥቀሙ ዝብል እዩ። ጥረ ገንዘብ እንተዘይሃልዩ ንብላዕ ዝኸውን ባይታ ስለዘይህሉ። ወነንቲ ማታቱ ነዚ ቅቡል ኣይገበሩን።
ምናልባት ምኽንያት ክኸውን ዝኽእል ግብሪ እዩ። ኣታዊኦም ኩሉ ኣብ ሞባይል ስለዝምዝገብ ካብ ምኽፋል ግብሪ ክሓብእዎ ዝከኣሎም መጠን እቶት የለን። እዚ ድማ እዩ ካልእ ዓብዩ ረብሓ ብሞባይል ዝግበር ምንቅስቓስ ገንዘብ።
ብሞባይል ዝሳለጥ ገንዘባዊ ምንቅስቓስ፡ ካብቶም ብልሽውና/ግዕዝይና ዝፍፅሙ ኣዘዝቲ ፖሊስ ክሳብ ኣታዊኦም ብምሕባእ ግብሪ ከነክዩ ዝፍተኑ ገናሕቲ መኪና ባህሪያዊ ለዊጢ ከምፅኡ ክሕግዝ ይኽእል እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







