ጋና፡ ንኣቕረብቲ ኣገልግሎት ሞባይል ኔትወርክ ሃገራ ሚልዮናት ዶላር ቀፂዓ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣብ ጋና ዝርከባ ኣርባዕተ ኣቕረብቲ ኣገልግሎት ሞባይል ኔትወርክ፡ ብድምር ሽውዓተ ሚልዮን ዶላር ኣሜሪካ ከም ዝተቐፅዓ ተገሊፁ።
እተን ትካላት ናይ ገንዘብ መቕፃዕቲ ዝተወሰነን፡ እቲ ዘድሊ ደረጃ ኣገልግሎት ከማልኣ ብዘይምኽኣለን'ዩ ተባሂሉ።
ምቁራፅ ዝተደወለ ፃውዒት ስልኪ፣ ፃውዒት ስልኪ ናብቲ ዝተደወሎ ሰብ ብቕልጡፍ ክበፅሕ ዘይምኽኣልን ፅርየት ዘይብሉ ድምፅን ካብቶም ዝቐረቡ ምኽንያታት ቅፅዓት'ዮም።
ሃገራዊ በዓል መዚ ኮሚዩኒኬሽን ጋና ብዘሕለፎ ውሳነ ዝተቐፅዓ ኣቕረብቲ ሞባይል ኔትወርክ፡ ቮዳፎን፣ ኤም ቲ ኤን፣ ግሎ ን ኣይርቴልን ዝተበሃላ እየን።
ጆይ ኦንላይን ዝተበሃለ መርበብ ሓበሬታ እታ ሃገር ከም ዝገለፆ፡ ኤይርቴል/ቲጎ እቲ ዝዓበየ ቅፅዓት ገንዘብ (2.4 ሚልዮን ዶላር) ክትኸፍል ተወሲንዋ ኣሎ።
ዓማዊል ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ፡ እቲ ዝተወሰነ መቕፃዕቲ፡ እተን ትካላት ዝሓሸ ኣገልግሎት ንከቕርባ ከም ዝገብረን ዘለዎም እምነት ገሊፆም።
በቲ ድኹም ኣገልግሎት ብዝበለፀ ዝተሃሰያ ከባብታት ገጠራት ጋና ኮይነን፡ ዝሓሸ ኔትወርክ ንምርካብ ክሳብ ናብ ኣእዋም ምድያብን ብኪሎ ሜትራት ክጓዓዙን ይግደዱ።
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







