ውድብ ጥዕና ዓለም ኮሮናቫይረስ ዘይክጠፍእ ይኽእል'ዩ ክብል ኣጠንቂቑ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ትካል ጥዕና ዓለም ኮሮናቫይረስ "ዘይክጠፍእ ይኽእል'ዩ" ክብል ኣጠንቂቑ።
ኣብ ትካል ጥዕና ዓለም፡ ዳይሬክተር ህጹጽ ጉዳያት ዶክተር ማይክ ርያን ትማሊ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እዚ ቫይረስ ኣብዚ እዋን ክጠፍእ እዩ ብዝብል ዝወሃቡ ዘለው ግምታት ዝምልከት ምላሽ ክህብ ከሎ እዩ ከምዚ ኢሉ።
ዋላ'ውን ክታበት እንተተረኸበ፡ ዝርግሐ እቲ ቫይረስ ኣብ ምቁጽጻር ግን "ሰፊሕ ጻዕሪ" ከም ዘድሊ ኣመልኪቱ።
ኣብ መላእ ዓለም ብምኽንያት እዚ ቫይረስ ኣስታት 300 ሽሕ ሰባት ክሞቱ እንከለው፤ ልዕሊ 4.3 ሚልዮን ሰባት ድማ በቲ ቫይረስ ተለኺፎም እዮም።
ዶክተር ርያን፡ "እዚ ቫይረስ ካልእ ኣብ ውሽጢ ሕብረተሰብና ዝጸንሕ ነባሪ ሕማም ክኸውን ስለ ዝኽእል ዘይክጠፍእ ይኽእል'ዩ። ኤችኣይቪ ኣይጠፍአን፤ ግን ንዕኡ ንምክልኻል ዘኽእሉ ሜላታት ኣለውና። ስለ ዝኾነ፡ እዚ ቫይረስ በዚ እዋን ክጠፍእ እዩ ኢሉ ትንቢት ንዝዛረብ ኣይትእመኑዎ" ኢሉ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ልዕሊ 100 ክታበታት ኣብ መስርሕ ምዕባለ ኣለው። ይኹን'ምበር፡ ዋላ'ውን ክታበት ተረኺቡ ዘይጠፍኡ ከም ንፍዮ ዝበሉ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ኣለው እዮም ኢሉ ትካል ጥዕና ዓለም።
ዳይሬክተር ጀነራል ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ሕጂ'ውን ነዚ ቫይረስ ንምቁጽጻር ጻዕሪ ከድሊ እዩ ኢሉ።
"ምውሳኽን ምንካይን ዝርገሐ ናይዚ ለበዳ ኣብ ኢድና እዩ ዘሎ፤ ዝርግሐ ናይዚ ቫይረስ ጠጠው ንምባል ድማ ኩላትና እጃምና ከነወፊ ኣለና" ኢሉ።
ኣብ ቀረባ፡ ውድብ ሕቡራት መንግስታት፡ ትሑትን ሕጽረት ሕክምና ጥዕና ኣእምሮን ኣብ ዘለወን ሃገራት፡ ኮሮናቫይረስ ጭንቀትን ሕማማት ኣእምሮን የስዕብ ኣሎ ክብል ኣጠንቂቑ ነይሩ።
ስለ ዝኾነ ድማ፡ መንግስታት ነዚ ቫይረስ ኣብ ምቁጽጻር ኣብ ዝገብሩዎ ስራሕ፡ ጥዕና ኣኣእምሮ'ውን ኣብ ግምት ክኣቱ ኣለዎም ኢሉ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







