ኣብ ክልል ትግራይ፡ ኣብ መወሸቢ ማእኸል ዝሰርሑ ሰብሞያ ጥዕና፡ ብኮሮናቫይረስ ተታሒዞም

መወሸቢ ማእከል

ምንጪ ስእሊ, Assow 2020

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ዝርከብ መወሸቢ ማእኸል ማይካድራ

ኣብ ትግራይ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ኣብ ዝርከብ መወሸቢ ማእኸል ማይካድራ፡ 2 ሰብ ሞያ ጥዕና ብኮሮናቫይረስ ከምዝተለኸፉ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ሰብሞያ ጥዕና ገሊፆም።

ኣብ ማይ ካድራ ኣብ ዘሎ መወሸቢማእኸል፡ ሰብ ሞያ ጥዕና ንርእሶም ካብቲ ቫይረስ ክሕልዉ ዘኽእሎም እኹል ናውቲ ብዘይምህላዉ፡ ብሰንኪ ጽበት ቦታ ብዘጋጥም ምትሕውዋሳትን፡ ኣፀጋሚ ኩነታት ከምዝተፈጠረ እቶም ሰብሞያ ጥዕና ገሊፆም።

ብሰንኪ ሕፅረት መከላኸሊ ናውቲ፡ ኣብ ማእኸል መወሸቢ ማይካድራ ብኮቪድ-19 ከምዝተለኸፉ፡ እዞም ሰብሞያ ጥዕና ንቢቢሲ ሓቢሮም።

ሓደ ካብቶም ብኮቪድ-19 ዝተለኸፉ ሰብሞያ ጥዕና፡ "ኣብ ሓደ ክፍሊ ክሳብ ሽድሽተ ተወሸብቲ ኢና ነቐምጥ ነይርና። መወሸቢ ክፍሊ ስኢኖም፡ ኣብ ደገ ኮፍ ዝብሉ ሰባት እውን ነይሮም። ኣብ ተወሸብቲ እውን ምትንኻፋት ነይሩ እዩ" ይብል።

ሰብ ሞያ ሕክምና፡ ምስ ተወሸብቲ እንትተናኸፉ፡ ሕፅረት ናውቲ መከላኸሊ ኮሮናቫይረስ ከምዝነበረን፡ በቲ ቫይረስ ንክልከፉ ምኽንያት ክኸውን ከምዝኽእልን ገሊፁ።

"ሓንቲ መሸፈኒት ኣፍን ኣፍንጫን ንልዕሊ ክልተ ወርሒ ንጥቀመላ ነይርና" ይብል።

"[እቶም ኣመራርሓ ጥዕና] ሓደ ኤን 95 መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን (ማስክ) ንከባቢ ሰለስተ ወርሒ ንክንጥቀመሉ እዩ ትፅቢት ነይርዎም። በዚ ድማ፡ ምርመራ ካብ ዝጀመርናሉ ግዘ፡ ካብ ወርሒ መጋቢት ብኣቆፃፅራ ኢትዮጵያ፡ ዘይመኸነ [ዲስኢንፌክት እኳ ዘይተገበረ] መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ኢና ብቐጻልነት እናተጠቐምና ንሰርሕ ነይርና። ንሱ እውን፡ ሓደ መቃልዒ ምኽንያት ክኸውን ይኽእል እዩ" ኢሉ።

ድሕሪ ዝተወሰነ ግዘ፡ ነቶም ሰብ ሞያ ጥዕና፡ ቅያር መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ዋላ እኳ እንተተውሃቦም፡ ነቲ ፈለማ ዝተውሃቦም መሸፈኒ ግና ንልዕሊ ክልተ ወርሒ ክጥቀምሉ ከምዝተገደዱ ሓቢሩ።

ኣብ ማእኸል መወሸቢ ማይካድራ፡ ሕፅረት ናይ ሕክምና ጫማ፣ መከላኸሊ ክዳን (ጋውን)፣ መለክዒ ዋዒ ሰብነት እውን ከምዝነበረ ይገልጽ።

እቲ ዝጥቀምሉ መለክዒ ዋዒ እውን፡ ኣብ ድሕሪ ሰዓት ሙቐት እቲ ከባቢ ስለዝውስኽ፡ ንምጥቃሙ ኣጸጋሚ ምንባሩ፡ እቲ በዓልሞያ ጥዕና ተዛሪቡ።

ኣብቲ መወሸቢ ማእከል፡ እኹል ቀረብ ናውቲ መከላኸሊ ኮሮናቫይረስ ከም ዘየለ ንኣመራርሓ ጥዕና ናይቲ ዞባን ቢሮ ጥዕና እቲ ክልልን ዋላ እኳ እንተፍለጡ "ቀረብ የለን" ዝብል ሓበሬታ ይወሃቦም ከም ዝነበረን፡ ኣብቲ መወሸቢ ማእከል፡ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ከምዘለዉ ምስተረጋገፀ ግና፡ ብዙሕ መሳርሒ ክመፅእ ከም ዝተገበረ ገሊፁ።

ገለ ካብቶም ተወሸብቲ በቲ ቫይረስ ከም ዝተለኸፉ ምስተረጋገፀ፡ እቶም ሰብሞያ ጥዕና እውን ተመርሚሮም፡ ክልተ ካብኦም፡ ብኮሮናቫይረስ ከምዝተለኸፉ ከም ዘረጋገፀ ንቢበሲ ኣረጋጊፁ።

"ኣነ፡ ከም ሰዓል መሳሊ ነይሩኒ፡ እቶም ካልኦት ግና [ሰብ ሞያ ጥዕና ዘይኮኑ ተወሸብቲ'ውን ሓዊሱ]፡ ምልክታት እቲ ሕማም እንከየርኣዩ እዮም በቲ ቫይረስ ከም ዝተለኸፉ ተረጋጊፁ" ኢሉ።

እዞም ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ክልተ ሰብሞያ፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ከተማ ሑመራ ኣብ ዝርከብ ማእኸል መሐብሐቢ ተፈልዮም ይርከቡ።

ካብ ፈለማ፡ ከም ሓደ በዓል ሞያ ጥዕና ንሰብ ክሕብሕብ ከም ለዘዎ ኣሚኑ ስለ ዝኣተወ፡ ዝኾነ ዓይነት ውፅኢት ንምቕባል ወሲኑ ከምዝኣተወ ዝገልፅ እዚ በዓል ሞያ ጥዕና፤ እንተኾነ፡ ቢሮ ጥዕና እቲ ክልል ኮነ ሓይሊ ዕማም ምክልኻል ኮሮናቫይረስ፡ እዚ ኣጋጣሚ ኣብ ካልኦት ሰብሞያ ጥዕና ንከይድገም፡ እኹል ዝኾነ መከላኸሊ ናውቲ ከቕርብ ፀዊዑ።

"ቀዲምካ ንርእስኻ ከይሓለውኻ፡ ሰብ ክተድሕን ኣይትኽእልን። ሰብ ሞያ፡ ሙሉእ ናውቲ ክማልአሎም ይግባእ፤ ቀረብ ሒዝካ ኢኻ ሰብ ናብ ስራሕ ትልእኾ" ይብል።

ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ድማ፡ ለበዳ እቲ ቫይረስ ዝገደደ ከይላበድ ስግኣት ከምዘሎ ብምግላጽ፡ ኣብቲ ከባቢ ዕፅዋ ተኣዊጁ ጃምላዊ ምርመራ ክካየድ ከምዝግባእ ገሊፁ።

ቢሮ ሓለዋ ጥዕና እቲ ክልል እውን፡ እቶም ሰብሞያ ጥዕና፡ ብኮሮናቫይረስ ከምዝተለኸፉ፡ ንቢበሲ ኣረጋጊፁ።

ቅድም ክብል እውን፡ ኣብ መቐለ ኣብ ዝርከብ ማእኸል መወሸብን ክትትል ሕክምናን ኮሮናቫይረስ፡ ዝርከቡ ሰብሞያ ጥዕና፡ ኣብቲ ማእኸል እኹል መከላኸሊ ናውቲ ከምዘየለን፡ መንግስቲ ፍታሕ ክህቦምን ንቢቢሲ ጊሊጾም ምንባሮም ዝዝከር እዩ።

ኣብ ትግራይ፡ ዛጊድ ቁፅሪ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት 41 በፂሑ ኣሎ።

ኮሮና
Banner