ብርሒ ጸጕሪ ርእሲን ጾምን እንታይ ምትእስሳር ኣለዎ?

ምንጪ ስእሊ, Boy_Anupong
በብእዋኑ እናዕረፍካ ወይ እናረሓሓቕካ ዝግበር ጾም፡ [Intermittent fasting] ክብደት ሰብነት ንምንካይ ክሕግዝ ከምዝኽእል ሓቂ እዩ።
ይዅን እምበር እዚ ኣብ መዓልቲ መግቢ ዝብልዓሉ ዝድርት ስርዓት ኣመጋግባ ንዕብየት ጸጕሪ ርእሲ እውን ክንኪ ከምዝኽእል መጽናዕትታት ይሕብሩ ኣለዉ።
ኣብ ዠጂያንግ ቻይና ጕጅለ ተመራመርቲ ዩኒቨርሲቲ ዌስትሌክ ኣብ ኣናጹ ዘካየድዎ ሓድሽ ፈተነ ነዚ ሓሳብ ዝድግፍ እዩ።
እቶም በብእዋኑ እናዕረፉ ክጾሙ ዝተገብሩ ኣናጹ ኣብ ጥዕና ስርዓተ ምትበላ (metabolic health) ምምሕያሽ ከርእዩ እንከለዉ፡ ኣብ መንጐ እቲ ቀይዲ በተኽ ቅዲ ኣመጋግባን ምንካይ ጸጕርን እውን ምትእስሳር ከምዘሎ ድማ እቲ ፈተነ ኣረጋጊጹ።
እዚ መስርሕ ብተመሳሳሊ ኣብ ደቂ ሰባት እወን ክኽሰት ተኽእሎ ኣሎ።
እንተዀነ ደቂ ሰባት ኣዝዩ ዝሕቱል ስርዓት ምትበላን ዝተፈለየ ቅዲ ዕብየት ጸጕርን ስለዘለዎም፡ እቲ ጽልዋ ክንድቲ ከቢድ ክኸውን ተኽእሎ የብሉን።
"በብእዋኑ እናዕረፍካ ምስ ብዙሕ ረብሓታት ዝተኣሳሰር ስለዝዀነ፡ ሰባት ካብ ልምዲ ክሳብ ዝርሕቑ ፍርሒ ክነሕድረሎም ኣይንደልን። ገለ ዘይተሓሰበ ሳዕቤን ክህልዎ ከም ዝኽእል ምፍላጥ ግን ኣገዳሲ'ዩ" ይብል ላዕለዋይ ደራስን ተመራማሪ መበቆል ዋህዮታትን ዶክተር ቢንግ ዣንግ ካብ ዩኒቨርሲቲ ዌስትሌክ።
ግዜ ጾም ምስ ከም ቀረብ ደም፡ ጭዋዳታትን ምምሕያሽ ምትበላን ዝኣመሰሉ ጥዕናዊ ረብሓታትን ዝተፈላለየ ምትእስሳር ከምዘለዎ ተረጋጊጹ እዩ።
ይዅን እምበር፡ ብዛዕባ ኣብ ጸጕሪ ዘለዎ ጽልዋ ብሓቂ ብዙሕ ዝፍለጥ ነገር የለን።
ዣንግን ጕጅለኡን ብዛዕባ እዚ ዝያዳ ንምፍላጥ ጻዕሪ ኣካይዶም። ዝተላጽዩን ድሕሪኡ ድማ በብእዋኑ እናዕረፉ ክጾሙ ዝተገብሩን ኣናጹ እንታይ ዓይነት ዳግማይ ዕብየት ጸጕሪ ከምዘለዎም መርሚሮም።
ገለ ካብቶም ኣናጹ ንቡር ኣመጋግባ ክኽተሉ እንከለዉ፡ እቶም ካልኦት ግን ን8 ሰዓታት፡ ቀጺሉ ድማ ን16 ሰዓታት ክጾሙ ተገይሮም።
እቶም ንቡር ኣመጋግባ ዝተኸተሉ ኣናጹ ድሕሪ 30 መዓልታት ጸጕሮም ዳግማይ ክበቁል እንከሎ፡ ኣብቶም ዝጾሙ ጕጅለ ግን ድሕሪ 96 መዓልታት ጥራይ እዩ ከፊላዊ ዕብየት ጸጕሪ ተራእዩ።
ስለምንታይ ከምዚ ክኸውን ክኢሉ?
እቲ ዝሕቱል ዕብየት ጸጕሪ፡ ኣብ ዋህዮታት መበቆል ጽሕጊ ጸጕሪ ዝፍጠር ጸቕጢ ዘስዓቦ ከምዝዀነ እቶም ተመራመርቲ ኣረጋጊጾም ኣለዉ።
ብመሰረቱ እቶም ዝጾሙ ኣናጹ ኣመጋግባኦም ካብ ግሉኮስ ናብ ስብሒ ድሕሪ ምቕያሩ ዝፍጠር ጸቕጢ ክጻወሩ ኣይክእሉን።
ጽሕጊ ጸጕሪ ኣብ መንጐ ንጡፍን ዘይንጡፍን ምዕራፋት ይለዋወጡ እዮም፤ ጸጕሪ ዝበቁል ወይ ዝዓቢ ድማ ንጡፋት ምስ ዝዀኑ እዩ።
ኣብቲ ቍጽጽር ዝተገብረሉ ጕጅለ ኣናጹ፡ እቶም ጽሕጊ ጸጕሪ ድሕሪ ኣስታት 20 መዓልቲ ንጡፋት ኰይኖም፡ ብድሕሪ'ውን ንጡፋት ኰይኖም ጸኒሖም።
ይዅን እምበር ኣብቶም እናዕረፉ ክጾሙ ዝተገብሩ ጕጅለ ኣናጹ፡ ብሰንኪ ነዊሕ ግዜ ጾም፡ እቶም ጽሕጊ ጸጕሪ ሞይቶም።
እቲ ጕጅለ ተመራመርቲ፡ ድሕሪ'ቲ ኣብ ኣናጹ ዝተገብረ መጽናዕቲ ኣብ ደቂ ሰባት ንእሽቶ ክሊኒካዊ ፈተነ ኣካይዱ።
እቲ ፈተነ 49 ጥዑያት ኣባጽሕ ዘሳተፈ ነይሩ። እቲ ርኽበት ድማ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ን18 ሰዓታት ምጻም ዘጠቓልል ዝተገደበ ኣመጋግባ፡ ዕብየት ጸጕሪ እቶም ተሳተፍቲ ብማእከላይ ገምጋም ብ18 ሚእታዊት ከምዝነከየ ኣመልኪቱ።
ይዅን እምበር እዚ መጽናዕቲ ንእሽቶ ቅምሶ ወይ ናሙና ዘሳተፈን ሓጺር ናይ ፈተነ ግዜን ጥራይ ዝነበሮ ከምዝዀነ ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ። ኣብ ዝዓበየ ናሙና ዝተፈላለየ ውጽኢት ክርአ ከምዝኽእል ድማ ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት ይግምቱ።
"ብዝሒ ህዝቢ ደቂ ሰባት ኣዝዩ ዝፈላለ ስለዝዀነ፡ እቲ ውጽኢት እውን ኣብ ዝተፈላለዩ ሰባት ዝተፈላለየ ክኸውን ተኽእሎ ኣሎ" ይብል ዣንግ።
"ኣናጹ ምስ ደቂ ሰባት ክነጻጸሩ እንከለዉ'ውን ኣዝዩ ልዑል መጠን ስርዓተ ምትበላ (metabolic rate) ኣለዎም፤ ስለዚ ጾምን ምቅይያር ምትበላን ኣብ ልዕሊ ኣናጹ ዝያዳ ከቢድ ጽልዋ ኣለዎ።"
እቲ ጕጅለ ኣብ ልዕሊ እቲ መጽናዕቲ ብቐጻሊ ክትትል ከካይድ እዩ።
ምስ ሆስፒታላት ብምትሕብባር፡ ጾም ኣብ ቆርበትን ካልኦት ስርዓታት ኣካላትን ንዝርከቡ ካልኦት ዓይነታት ዋህዮታት ብኸመይ ከምዝጸልዎም ክምርምር ድማ መደብ ኣለዎ።
ሓደ ካብቲ ቀንዲ ኣተኵሮ ኣብ መንጐ ጾምን ፍጥነት ምሕዋይ ቁስልን ዘሎ ምትእስሳር ምልላይ'ዩ ክኸውን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







