'ብርሒ ዝፍውስ፡ ሕሱርን ባህሪያውን መድሃኒት ተረኺቡ' - ተመራመርቲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ኣካላት ደቂ ሰብ ብባህርያዊ መንገዲ ዝመጽእ ሽኮር ኣብ ደቂ ተባዕትዮ ዘጋጥም ብርሒ ጸጕሪ ርእሲ ንምቅላስ ቀንዲ መንገዲ ክኸውን ከምዝኽእል ምርካቦም ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት ገሊጾም።
እዚ ብዙሕ ዘይፍለጥ 2-ዲዮክሲ-ዲ-ሪቦስ ወይ 2-deoxy-D-ribose (2dDR) ብዝብል ዝጽዋዕ ሽኮር፡ ኣብ ስነ-ህይወታዊ ኣገባብ እንስሳታትን ደቂ ሰባትን ብርክት ዝበሉ ኣስተዋጽኦታት ዘለዎ እዩ።
ሕጂ ድማ ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት ብርሒ ንምክልኻል ንዝግበር ቃልሲ ክቕይር ዘለዎ ተኽእሎ ከምዘለለዩ ይገልጹ ኣለዉ።
ኣብ መጽሔት ፍሮንቲየርስ ኢን ፋርማኮሎጂ ዝተሓትመ መጽናዕቲ ከምዘመልክቶ፡ በቲ ተፈጥሮኣዊ ሽኮር ዝግበር ሕክምና ከምቶም ካልኦት ፍቓድ ዝረኸቡ ኣገባባት ማዕረ ውጽኢታዊ ክኸውን ይኽእል’ዩ። ካብዚ ብተወሳኺ ዘይከም ካልኦት ኣገባባት ኣሉታዊ ጐድናዊ ሳዕቤናት ዘይብሉ ምዃኑ እቲ መጽናዕቲ ኣረጋጊጹ ኣሎ።
"ኣብ ደቂ ተባዕትዮ ዘጋጥም ብርሒ ልሙድ ኰይኑ፡ ብዙሕ ዝተጸልዉ ደቂ ተባዕትዮ ከምዘለዉ ይፍለጥ። ኣብዚ እዋን'ዚ ግን ንዕኡ ዝፍውሱ ክልተ ፍቓድ ዘለዎም መድሃኒታት ጥራይ እዮም ዘለዉ" ትብል ሓባራዊት ደራሲት እቲ መጽናዕቲ ፕሮፌሰር ሺላ ማክኒል።
እቲ ዘካየድዎ መጽናዕቲ ከምዝሕብሮ፡ "ምብራሕ ጸጕሪ ንምፍዋስ እቲ ተፈጥሮኣዊ ዲኦክሲ ራይቦስ ሽኮር ምጥቃም፣ ቀረብ ጽሕጊ ጸጕሪ ብምውሳኽ ንዕብየት ጸጕሪ ዘደንፍዕ ቀሊል ኣገባብ ክኸውን ይኽእል'ዩ" ክትብል ትውስኽ።
እዚ ርኽበት ብጌጋ ኣብ ምሕዋይ ቁስሊ ኣብ ዝተገብረ መጽናዕቲ ዝተጋህደ እዩ። ኣባላት እታ ጕጅለ መጽናዕቲ፡ እቲ ዓይነት ሽኮር ኣብ ዝርከቦም ከባቢታት ቅልጡፍ ዕብየት ጸጕሪ ከስተብሃሉ ክኢሎም። ቀጺሎም፡ ኣብቲ ዝተሓከመ ከባቢ ኣብ ዝርከቡ ጽሕግታት ጸጕሪ ቀጥታዊ እወታዊ ጽልዋ ክህልዎ ከምዝኽእል ክልሰ-ሓሳብ ኣቕሪቦም።
ብድሕሪ’ዚ ኣባላት እታ ጕጅለ፡ እቲ ክልሰ-ሓሳቦም ኣብ ኣናጹ ከም ዝፍተን ገይሮም። ውጽኢት እቲ ሽኮር ምስቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ካብ ዘለዉ ውሑዳት ዝተፈቐዱ ፍወሳታት ብርሒ ኣነጻጺሮምዎ።
እቲ ውጽኢት ኣዝዩ ዝድነቕ እዩ ነይሩ፡ እቲ ብሽኮር ዝግበር ሕክምና ዳግማይ ምዕባይ ጸጕሪ ኣብ ምድንፋዕ ዳርጋ ከምቶም ካልኦት ፍወሳታት ካብ 80 ክሳብ 90 ሚእታዊት ውጽኢታዊ ምዃኑ ተረጋጊጹ።
ነዚ ርኽበት ብፍላይ መሳጢ ዝገብሮ፡ ካብቶም ዝጸንሑ ሕክምናታት ዝያዳ ውሑስን ተበጻሒን ኣማራጺ ናይ ምቕራብ ዓቕሙ እዩ። እቶም ካልኦት ፍወሳታት ውጽኢታዊ'ኳ እንተዀኑ፡ ከም ቍጥዐ ቆርበት ርእሲ ዝኣመሰሉ ጐድናዊ ሳዕቤናት ከህልዎም ስለ ዝኽእል ንዅሉ ሰብ ዝምችኡ ዘይክዀኑ ተኽእሎ ኣሎ።
ብኣንጻሩ 2dDR ኣብ ኣካላትና ብተፈጥሮ ዝርአ ንጥረ ነገር ኰይኑ፡ ውሑድ ጎድናዊ ሳዕቤናትን ሰፊሕ ተግባራዊነትን ክህልዎ ይኽእል።
"እዚ ውሁድ ዲኦክሲ ራይቦስ ሽኮር ብተፈጥሮ ዝርከብ፡ ሕሱርን ርጉእን ኰይኑ፡ ብዝተፈላለዩ መትሓዚ ክቐርብ ከምዝኽእል ኣርኢና ኣለና" ክብል ካልእ ሓባራዊ ደራሲ ናይቲ መጽናዕቲ ፕሮፌሰር መሓመድ ያር ገሊጹ።
እዚ ውሁድ ሽኮር ዘለዎ ኣድማዕነት ኣብ ዕብየት ሰራውር ደም ናይ ምልዕዓል ዓቕሙ ምዃኑ እቶም ተመራመርቲ ገሊጾም። እዚ ድማ ንጥዑያት ጽሕጊ ጸጕሪ ወሳኒ እዩ። እዚ ሽኮር ናብ ቆርበት ርእሲ ዋሕዚ ደም ብምውሳኽ፡ ነቶም ዝደቀሱ ጽሕጊታት ጸጕሪ ዳግማይ ህይወት ንምሃብን ሓድሽ ዕብየት ንምድንፋዕን ክሕግዝ ይኽእል’ዩ ይብሉ።
እዚ ዘካየድዎ መጽናዕቲ ገና ኣብ ኣዝዩ ትሑት ደረጃ ዘሎ'ኳ እንተዀነ፡ ውጽኢቱ ግን ተስፋ ዝህብን ተወሳኺ መርመራ ዘድልዮን ምዃኑ ይጠቕሱ።
እቶም ተመራመርቲ፡ እዚ ሕክምና ነቶም ብሰንኪ ኬሞቴራፒ ጸጕሮም ዝስእኑ ተሓከምቲ’ውን ክሕግዝ ከምዝኽእል ይኣምኑ።
ይዅን’ምበር፡ እቲ ኣብ 2dDR ዝተመርኰሰ ሕክምና ንህዝቢ ቅድሚ ምቕራቡ ዝያዳ መጽናዕቲ ከምዘድሊ ክኢላታት የጠንቅቑ።
ኣብቲ መጽናዕቲ ዘይተሳተፈት ተመራማሪት ምሕዳስ ቲሹ ዶክተር ክሌር ሂጊንስ ንቢቢሲ ሳይንስ ፎከስ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ “ክልሰ-ሓሳቦም ካብቲ ምውሳኽ ዋሕዚ ደም ንዕብየት ጸጕሪ የደንፍዕ ዝብል ናይ ከተማ ኣፈ-ታሪኽ ዝምንጩ እዩ" ኢላ።
"ምብራሕ ጸጕሪ ደቂ ተባዕትዮ ንምፍዋስ ዝውዕል ማይኖክሲዲል ንዋሕዚ ደም ከደንፍዕ ይኽእል'ዩ፤ ይዅን'ምበር ኣብ ቆርበትን ጸጕርን ካልእ ሳዕቤናት'ውን ኣለዎ - ኣብ መንጐ ዋሕዚ ደምን ዕብየት ጸጕርን ዘሎ ምትእስሳር ድማ ብዘየማትእ መንገዲ ኣይተረጋገጸን" ክትብል ወሲኻ ተረድእ።
ሕጂ'ውን እንተዀነ፡ ሂጊንስ እቲ ውጽኢት ተስፋ ዘለዎ ምዃኑን፡ 2dDR ድማ ንዕብየት ጸጕርን ዋሕዚ ደምን ኣብቶም ኣናጹ ብንጹር ከምዘደንፈዐን ትገልጽ።
“ብዛዕባ’ቲ ውጽኢት ኣዝየ ቅድሚ ምሕጓሰይ ግን ኣብ ዓቐን ርጉድና ሻምብቆ ጸጕርን ዘለዎ ጽልዋ ክርኢ እደሊ፡” ኢላ።
ነቶም ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ብምብራሕ ጸጕሪ ዝተጠቕዑ ደቂ ተባዕትዮ፡ እዚ መጽናዕቲ ንእሽቶ ተስፋ ዝህብ’ዩ - ብተመጣጣኒ ዋጋ ዝሽየጥ፡ ጐናዊ ሳዕቤን ዘይብሉን ተፈጥሮኣዊ ሕክምና ክኸውን ትጽቢት ይግበር።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







