እናዕረፍካ ጾምን ጥቕሚታቱን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
በብእዋኑ - እናረሓሓቅካ ዝግበር ጾም፡ [Intermittent fasting] ዘለዎ ጥቕሚ ኣዝዩ እናገነነ ብምምጽኡ ኣብዚ እዋን ሃብታማትን ፍሉጣትን ሰባት ብብዝሒ ከዘውትርዎ ይረኣዩ ኣለው። እዚ ድማ ክብደት ሰብነት ብምጕዳሉን ጥዕናዊ ረብሓታት ብምሃቡን እዩ።
ጾም፡ ኣካላትና ንኽጽገን ካብኡ ሓሊፉ'ውን ዕድመና ከናውሕን ከም ዝኽእል ተስፋ ዝህብ መርትዖታት'ኳ እንተሃለወ፡ ክብደት ሰብነትና ንምንካይ ዝበለጸ ኣገባብ ዘይክኸውን ስለዝኽእል ግን፡ ክኢላታት ኣመጋግባ፡ ቅድሚ መግቢ ምቍራጽና ጥንቃቐ ክንገብር ይመኽሩ።
መብዛሕትኡ ግዜ ጾም ከም መንፈሳዊ ስርዓትን ልምድን ዝርአ’ኳ እንተዀነ ካልእ ረብሓታት’ውን ኣሎዎ።
እዚ እናዕረፍካ ብተደጋጋሚ ዝግበር ጾም፡ ካብ መግቢ ጠቅሊልካ ምሕራም ዘይኮነስ፡ መቓን ግዜ ኣመጋግባኻ ምቕያር'ዩ።
እዚ ድማ ንጥዕናና ጽቡቕ ክኸውን ከም ዝኽእል ዘረድእ ሓሳባት ብተደጋጋሚ ይግለጽ እዩ። በዚ ይዅን በቲ፡ እቲ ክንገብሮ ዝግባኣናን ዘይግባኣናን ምስ እንፈልጥ፡ ጾም ብርግጽ መንፈሳውን ጥዕናውን ረብሓ ኣለዎ።
እዚ ኣረሓሒቅኻ ግን ከኣ ብተደጋጋሚ ዝግበር ጾም፡ ሓደ ካብቶም ብዙሓት ዓይነታት ጾም ኰይኑ፡ ካብታ ኣብታ መዓልቲ ንመወዳእታ ግዜ ዝተመገብካላ ክሳብ 'ታ እትቕጽል መግቢ ትወስደላ ግዜ ነዊሕ ክፍተት ብምግዳፍ፡ ምምጋብ ናብ ሓጺር ግዜ ኣብ መዓልቲ ዝቕይር ዓይነት ቅዲ ኣመጋግባ እዩ።
ከም ልሙድ፡ ጸወምቲ ብዘይ መግቢ፡ 16 ሰዓታት ክፍተት ክገድፉን ኣብ ናይ ሸሞንተ ሰዓታት ፍልልይ ክበልዑ ይፍትኑ። እዚ ድማ ከም ምቍጽጻር ምውሳኽ ክብደት ወይ መቀነሲ ሚዛን ክውሰድ ይረኣይ'ኳ እንተዀነ፡ ብዙሓት ሰብ ሞያ ግን ኣይድግፍዎን እዮም።
ምኽንያቱ ካሎሪ ትቕንስ፣ እንተዀነ ኣብ ዙርያ’ቲ ኣብ ኣካላትካ እተተኣታትዎ ኣገዳሲ ናይ ባህሪ ለውጢ ኣይትመሃርን ኢኻ።
ጥዕና ዘለዎ ኣመጋግባ እንታይ ይመስል ከይተመሃርካ፡ ከም ውጥንካ ሚዛንካ እንተ ኣጕዲልካዮ፡ ጾም ኣብ እተቋርጸሉ ግን መሊስካ ኢኻ ክብደት ትውስኽ።
ጥሜት ዝስምዓካ እንተዀይኑ ንጽባሒቱ ካብ መጠን ንላዕሊ ክትበልዕ ስለትኽእል፡ ክብደት ሰብነት ምጕዳል ንዝደልዩ ሰባት፡ እዚ ንዛረበሉ ዘሎና ኣረሓሒቕካ ምብላዕ/ምጻም ቅኑዕ ኣገባብ ዘይክኸውን ይኽእል እዩ።
ጾም ምስ ኣውቶፋጂ ዝበሃል መስርሕ ዝተኣሳሰር ኰይኑ፡ ክህልዎ ብዝኽእል ጥዕናዊ ረብሓታት ኣቓልቦ ብዙሓት ይስሕብ ኣሎ።
ኣውቶፋጂ፡ ኣካላትና ኣብ ውሽጢ ዋህዮታቱ ንዘሎ ኣቃውማታት ዳግማይ ከሕድሶ ዝጅምረሉ መስርሕ ኰይኑ፡ ንከም ዲኤንኤ ዝኽዘነሉ ኑክሊየስ፡ ዋህዮታትና ንጸዓት ዝጥቀምሉ ከሚካል ዝሰርሕ ማይቶኮንድርያ፡ ከምኡ’ውን ካብ ዋህዮታትና ጓሓፍ ዘወግዱ ላይሶዞማት ዘጠቓልል እዩ።
ከምኡ ኣብ ዝገብረሉ ድማ፡ ነቶም ዝሞቱ ዋህዮታታት ብምእላይ፡ ሓድሽ ንጥረ ነገር ስለዘማዕብል ነቶም ዕድመ ዘናውሑ ንዋህዮታት ዝከላኸሉ ፕሮቲናት ንምስራሕ ክውዕል ይኽእል።
ንመብዛሕትና ኣውቶፋጂ ኣብ ድቃስና ዝኽሰት ኰይኑ፡ ብኣካላዊ ምንቅስቓስን ጥሜትን እውን ዝመጽእ እዩ። እቶም ዛጊት ኣብ እንስሳታት ዝተገብሩ ካልኦት መጽናዕትታት ድማ ኣውቶፋጂ ምስ ምምሕያሽ ዝኽሪ ስርዓተ ምክልኻል እንስሳታት ከም ዘተኣሳስርዎ ይሕብሩ።
ብተወሳኺ ኣውቶፋጂ ጥዕና ዋህዮታት ንምዕቃብ ኣገዳሲ ብምዃኑ እውን መንሽሮ ኣብ ምውጋድ ክህልዎ ብዝኽእል ተራ ዓቢ ተገዳስነት ፈጢሩ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እዚ ዅሉ ረብሓታት ካብ ሃለወ፡ ብኸመይ ንጹም?
ብመሰረቱ ንኽትጸውም፡ ነቲ ናይ ጥሜት ስምዒት ከተጕድሎ ኣለካ። ጥሜት ዝስምዓና ካብ ከስዐና ዝወጽእ ሆርሞን ግረሊን ኣብ ሀይፖታላመስ NPYን AgRPን ዝበሃሉ ካልኦት ክልተ ሆርሞናት ንኽፈርዩ ምስ ዝድርኽ እዩ።
እዞም ሰለስተ ሆርሞናት ስምዒት ጥሜት ክፈጥሩ እንከለዉ፡ ንዕኦም ዝዓብጥዎም ግን ብዙሓት እዮም። ገለ ካብኣቶም "ሆርሞናት ጽጋብ" ተባሂሎም ይጽዋዑ። ሓደ ካብኦም ከኣ ሌፕቲን ዝበሃል ኰይኑ፡ ብመሰረቱ ንኣካላት "ኣብዚ ከተቃጽሎ እትኽእል ስብሒ ኣሎ" ዝብል መልእኽቲ ብምሕላፍ ንግረሊን (ማለት ንስምዒት ጥሜት) ካብ ምፍራይ ይዓብጦ።
ንኣብነት ኬቶሲስ (ስርዓተ ምሕቃቕ መግቢ ኰይኑ፡ ኣካላትና ብ ክንዲ ግሉኮዝ ነቲ ኣብ ሰብነትና ዝተኸዘነ ስብሒ ዘቃጽለሉ’ዩ) ድሕሪ ምብላዕካ ብውሑዱ፡ ካብ 12 ክሳብ 24 ሰዓታት ኣብ ዘሎ ግዜ ስለ ዝፍጠር፡ ካብ ሰዓት 6 ክሳብ 8ን ፈረቃን ምሸት እንተተደሪርካ፡ እቲ ናይ ምምጋብ ኵነት ኣብ መንጐ ሰዓት 9 ክሳብ 11ን ፈረቃን ኣብ ዘሎ ግዜ ምስተዛዘመ፡ ኬቶሲስን ኣውቶፋጂን ድማ ኣብ ወጋሕታ ሰዓት 6 ክሳብ 8ን ፈረቃን ንንግሆኡ ክኽሰት ይኽእል።
መብዛሕትኦም ሰባት ግን ድሕሪ ድራር ምቍር መግቢ ወይ ሽኮር ዘለዎ መስተታትን ቢራን ስለዝወስዱ፡ ነዚ ዝበልናዮ መስርሕ ምሕቃቕ መግቢ ብ 3 ሰዓታት የናውሖ።
ስለዚ እቲ ዝበለጸ ብመደብን ብንቕሓትን መዓስን እንታይን ከምትምገብ ኣለካ ኣጽኒዕካ ምጻም እዩ።
እዚ ኣብ ፈለማ ኣዝዩ ዝኸብድ እኳ እንተዀነ፡ ማይ እናሰተኻ ንዝተወስነ ስምንታት ምጽናሕ፡ ኣካላትና እናለመዶ ስለዝኸይድ ቀሊል እዩ ዝኸውን።
ብሓፈሻ በብእዋኑ ዝግበር ጾም፡ ብዘይካዚ ልዕል ኢሉ ዝተጠቕሰ ጥቅምታት፡ ኣካላትና ገዛእ ርእሱ ንኽጽግንን ከሓውን ክሕግዞ ይኽእል እዩ።
እንተዀነ፡ ክብደት ሰብነት ንምጕዳል ቅኑዕ ስትራተጂ ክኸውን ከምዘይክእልን ንሚዛናዊ ኣመጋግባ መተካእታ ከምዘየልቦን ነስተውዕል።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







