ጾመ ረመዳን፡ ፆም ንጥዕና ፅቡቕ ድዩ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ እዋን ፆመ ረመዳን ሚልዮናት ሰዓብቲ እምነት እስልምና ን 30 መዓልታት ይፆሙ።
ፆመ ረመዳን ካብ ሎመዓልቲ [13/04/2021] ጀሚሩ'ሎ። ጾም ግን ንጥዕና ፅቡቕ ድዩ? ን 30 መዓልታት ኣብ እትፆሙሉ እዋን ኣብ ሰብነትኩም እንታይ ክፍጠር ይኽእል?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፈታኒ ግዜ - ቀዳሞት መዓልታት
ካብታ ንመወዳስታ ግዜ መግቢ ዝበላዕኩምላ ሸሞንተ ሰዓታት ክሳብ ዝመልእ ሰብነትኩም ናብቲ 'ናይ ፆም ስምዒት' ክኣቱ ኣይክእልን።
እዚ ግዜ መኣዛታት መግቢ እናተፃረዩ ናብ ዝድለ ቦታ ዝበፅሑሉ'ዩ።
ቁሩብ ፀኒሑ ሰብነትና ሓይሊ ንምርካብ ኣብ ፀላም ከብድን ጭዋዳታትን ካብ ዝተኣከበ ግሉኮስ (ሽኮር) ክወስድ ይፅበ።
ኣብ እዋን ፆም እቲ ግሉኮስ ምስተወደአ፡ ፍልፍል ሓይሊ ሰብነትና ዝኸውን ስብሒ'ዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሰብነት ስብሒ ከቓፅል ክጅምር ከሎ፡ ክብደት ንምንካይ፣ መጠን ኮለስትሮል ንምቁፅፃርን ንሕማም ሽኮር ዝህሉ ተሳጣሕነት ንምንካይን ይሕግዝ።
ይኹን ዳኣ'ምበር ምንካይ መጠን ሽኮር ኣብ ደም፡ ንድኻምን ድንዛዘን የቃልዕ።
ሕማም ርእሲ፣ ፀረውረውን ዕውልውልን ምባል፣ ከምኡ'ውን ፀገም ምስትንፋስ ከጋጥሙ ይኽእሉ።
እዚ ዝኸውን ደረጃ ጥምየት ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ክበፅሕ ከሎ እዩ።
ሰብነትኩም ካብ ሓያል ፅምኢ (ድረቀት) ተኸላኸሉ - ካብ 3ይ - 7ይ መዓልቲ
ፆም ኣብ እትጅምሩሉ እዋን ስብሒ እናመኸኸ ናብቲ ኣብ ደም ዝህልዉ ሽኮር ይቕየር።
ኣብ እዋን ፆም መጠን እትወስድዎ ፈሳሲ ነገራት እንተነኪኹም፡ ኣብቶም ዝብልዓሎም ሰዓታት ክትትክእዎም ይግባእ። እንተዘይኮይኑ ድርቀት የኸትል።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
መግብታትኩም፡ ዝኣክል መጠን 'ጉልበት' ዘመንጭዉ ከም ካርቦ ሃይድሬትን ገለ ዓይነታት ስብሕን ክሕዙ ኣለዎም።
ዝተመጣጠኑ መግብታት (ፕሮቲን፣ ጨውን ማይን) ክሕዙ ይግባእ።
ምልምማድ - ካብ 8 ክሳብ 15 መዓልታት
ኣብዚ ሳልሳይ ደረጃ ሰብነትኩም ምስቲ ፆም ስለዝለማመድ ገለ ምምሕያሻት እትርእዩሉ'ዩ።
ዶክተር ራዚን ማህሩፍ (ዩኒቨርሲቲ ካምብሪጅ) ተወሰኽቲ ረብሓታት ከምዘለው ይሕብሩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
"ኣብ ስሩዕ መነባብሮና ብዙሕ ካሎሪ ንወስድ ኢና፤ እዚ ድማ ሰብነትና ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ከየቀላጥፍ ይገብሮ። ንገዛእ ርእሱ ከይፅግንን ከይከላኸልን ምግባር እቲ ሓደ'ዩ"
ስለዝኾነ ፆም ነቲ ክንወስዶ ዝፀናሕና ዝለዓለ መጠን ካሎሪ ክንክይ ስለዝገብሮ፡ ሰብነትና ንገዛእ ርእሱ ክፅግንን ከሕዊን ካብ ምግባሩ ብተወሳኺ፡ ንረኽስታት ክቃለስ የኽእሎ።
ምእላይ (ምውጋድ) መርዚ ካብ 16 ክሳብ 30 መዓልቲ
ኣብ መፋርቕ ፆም ረመዳን ሰብነት ንኹሉ ኩነታት ብምሉእ ይለማመዶ።
መዓናጡ፣ ኩሊትን ቆርበትን ንምምራዝ ናይ ምምክልኻል ወይ ድማ ናይ ምውጋድ ዓቕሚ ይህልዎም።

ምንጪ ስእሊ, Dr Razeen Mahroof
"ኣካል ናብ ዝለዓለ ዓቕሙ ስለዝምለስ፡ ናይ መዝካርን ምስትውዓልን ዓቕሚ ይብርኽ፤ ተወሳኺ ጉልበት ምርካብ ይከኣል" ይብሉ ዶክተር ማህሩፍ።
እሞዳኣ፡ ፆም ንጥዕና ፅቡቕ'ዶ ጠንቂ?
ዶክተር ማህሩፍ 'እወ' ንጥዕና ፅቡቕ ብምባል ቅድመ ኩነት የቕምጡ።
"ፆም ንጥዕና ፅቡቕ'ዩ፤ ምኽንያቱ እንታይን መዓዝን ክንበልዕ ኣብ ዝብል ክነትኩር ይሕግዘና'ዩ። ይኹንዳኣ'ምበር ንሓደ ወርሒ ዝፀንሕ ፆም ክኸውን ኣለዎ፤ ብተኸታተልቲ መዓልታት ንነዊሕ እዋን ዝቐፀለ ፆም ግን ዝምከር ኣይኮነን" ይብሉ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ነዊሕ እዋን ዝፀንሕ ፆም ክብደት ንምንካይ ዝጠቅም ፅቡቕ ኣማራፂ ኣይኮነን፤ ምኽንያቱ ሰብነትና ንስብሒ ናብ ጭዋዳ እምበር ናብ ጉልበት ኣይቕየርን። እዚ ድማ ጥዕናዊ ኣይኮነን፤ እዚ'ውን ሰብነት ናብ ናይ ምጥማይ ስምዒት ይኣቱ ከምዘሎ የመልክት"
ብዘይካ ረመዳን፡ ብሓንሳን ንኣዋርሕ ብዘይምቁራፅ ካብ ምፃም ፅቡቕ ኣመጋግባ እናተኸተልካ ኣብ ሰሙን ክልተ መዓልታት ክትፀውም ምኽኣል ይምዕዱ።
ፆመ ረመዳን ፅቡቕ ከምዝሰርሕ ከረድኡ ከለው "በብመዓልቱ ጉልበት ንኽትካእ ይሕግዝ፡ እዚ ካኣ ኣገደስቲ ዝኾኑ ጭዋዳታት ከየቃፀልካ ክብደት ንምንካይ ይሕግዝ" ይብሉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







