ጾመ ረመዳን፡ ፆም ንጥዕና ፅቡቕ ድዩ?

ምስሊ ውሽጣዊ ኣካላት ወዲሰብ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ እዋን ፆመ ረመዳን ሚልዮናት ሰዓብቲ እምነት እስልምና ን 30 መዓልታት ይፆሙ።

ፆመ ረመዳን ካብ ሎመዓልቲ [13/04/2021] ጀሚሩ'ሎ። ጾም ግን ንጥዕና ፅቡቕ ድዩ? ን 30 መዓልታት ኣብ እትፆሙሉ እዋን ኣብ ሰብነትኩም እንታይ ክፍጠር ይኽእል?

Doughnuts

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ እዋን ፆም ሰብነትኩም ሓይሊ ንምርካብ ኣብ ፀላም ከብዲ ንዝርከብ ሽኮር ይጥቀም

ፈታኒ ግዜ - ቀዳሞት መዓልታት

ካብታ ንመወዳስታ ግዜ መግቢ ዝበላዕኩምላ ሸሞንተ ሰዓታት ክሳብ ዝመልእ ሰብነትኩም ናብቲ 'ናይ ፆም ስምዒት' ክኣቱ ኣይክእልን።

እዚ ግዜ መኣዛታት መግቢ እናተፃረዩ ናብ ዝድለ ቦታ ዝበፅሑሉ'ዩ።

ቁሩብ ፀኒሑ ሰብነትና ሓይሊ ንምርካብ ኣብ ፀላም ከብድን ጭዋዳታትን ካብ ዝተኣከበ ግሉኮስ (ሽኮር) ክወስድ ይፅበ።

ኣብ እዋን ፆም እቲ ግሉኮስ ምስተወደአ፡ ፍልፍል ሓይሊ ሰብነትና ዝኸውን ስብሒ'ዩ።

ዝጠመዮ ሰብኣይ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ፈላሞት መዓልታት ፆመ ረመዳን ፈተንቲ ወይ ድማ ከበድቲ ዝኾኑ፡ ሰብነት ንነዊሕ ሰዓታት ጥሜት ኪኢሉ ንምፅናሕ ኣብ ዝገብሮ ልምምድ'ዩ

ሰብነት ስብሒ ከቓፅል ክጅምር ከሎ፡ ክብደት ንምንካይ፣ መጠን ኮለስትሮል ንምቁፅፃርን ንሕማም ሽኮር ዝህሉ ተሳጣሕነት ንምንካይን ይሕግዝ።

ይኹን ዳኣ'ምበር ምንካይ መጠን ሽኮር ኣብ ደም፡ ንድኻምን ድንዛዘን የቃልዕ።

ሕማም ርእሲ፣ ፀረውረውን ዕውልውልን ምባል፣ ከምኡ'ውን ፀገም ምስትንፋስ ከጋጥሙ ይኽእሉ።

እዚ ዝኸውን ደረጃ ጥምየት ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ክበፅሕ ከሎ እዩ።

ሰብነትኩም ካብ ሓል ፅምኢ (ድረቀት) ተኸላኸሉ - ካብ 3ይ - 7ይ መዓልቲ

ፆም ኣብ እትጅምሩሉ እዋን ስብሒ እናመኸኸ ናብቲ ኣብ ደም ዝህልዉ ሽኮር ይቕየር።

ኣብ እዋን ፆም መጠን እትወስድዎ ፈሳሲ ነገራት እንተነኪኹም፡ ኣብቶም ዝብልዓሎም ሰዓታት ክትትክእዎም ይግባእ። እንተዘይኮይኑ ድርቀት የኸትል።

ማይ ዝሰቲ ሰብኣይ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ እዋን ፆም ተወሳኺ መጠን ማይ ምስታይ የድልይ

መግብታትኩም፡ ዝኣክል መጠን 'ጉልበት' ዘመንጭዉ ከም ካርቦ ሃይድሬትን ገለ ዓይነታት ስብሕን ክሕዙ ኣለዎም።

ዝተመጣጠኑ መግብታት (ፕሮቲን፣ ጨውን ማይን) ክሕዙ ይግባእ።

ምልምማድ - ካብ 8 ክሳብ 15 መዓልታት

ኣብዚ ሳልሳይ ደረጃ ሰብነትኩም ምስቲ ፆም ስለዝለማመድ ገለ ምምሕያሻት እትርእዩሉ'ዩ።

ዶክተር ራዚን ማህሩፍ (ዩኒቨርሲቲ ካምብሪጅ) ተወሰኽቲ ረብሓታት ከምዘለው ይሕብሩ።

መግቢ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ተወሳኺ ካሎሪ ምምጋብ፡ ሰብነትና ንገዛእ ርእሲ ካብ ምፅጋንን ረኽስታት ካብ ምክልኻልን ይዕቅቦ

"ኣብ ስሩዕ መነባብሮና ብዙሕ ካሎሪ ንወስድ ኢና፤ እዚ ድማ ሰብነትና ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ከየቀላጥፍ ይገብሮ። ንገዛእ ርእሱ ከይፅግንን ከይከላኸልን ምግባር እቲ ሓደ'ዩ"

ስለዝኾነ ፆም ነቲ ክንወስዶ ዝፀናሕና ዝለዓለ መጠን ካሎሪ ክንክይ ስለዝገብሮ፡ ሰብነትና ንገዛእ ርእሱ ክፅግንን ከሕዊን ካብ ምግባሩ ብተወሳኺ፡ ንረኽስታት ክቃለስ የኽእሎ።

ምእላይ (ምውጋድ) መርዚ ካብ 16 ክሳብ 30 መዓልቲ

ኣብ መፋርቕ ፆም ረመዳን ሰብነት ንኹሉ ኩነታት ብምሉእ ይለማመዶ።

መዓናጡ፣ ኩሊትን ቆርበትን ንምምራዝ ናይ ምምክልኻል ወይ ድማ ናይ ምውጋድ ዓቕሚ ይህልዎም።

ዶክተር ራዚን ማህሩፍ

ምንጪ ስእሊ, Dr Razeen Mahroof

መግለጺ ስእሊ, ዶክተር ራዚን ማህሩፍ፡ ንነዊሕ እዋን ዝፀንሕ ፆም ክብደት ንምንካይ ዝጠቅም መገዲ ከምዘይኮነ ይሕብሩ

"ኣካል ናብ ዝለዓለ ዓቕሙ ስለዝምለስ፡ ናይ መዝካርን ምስትውዓልን ዓቕሚ ይብርኽ፤ ተወሳኺ ጉልበት ምርካብ ይከኣል" ይብሉ ዶክተር ማህሩፍ።

እሞዳኣ፡ ፆም ንጥዕና ፅቡቕ'ዶ ጠንቂ?

ዶክተር ማህሩፍ 'እወ' ንጥዕና ፅቡቕ ብምባል ቅድመ ኩነት የቕምጡ።

"ፆም ንጥዕና ፅቡቕ'ዩ፤ ምኽንያቱ እንታይን መዓዝን ክንበልዕ ኣብ ዝብል ክነትኩር ይሕግዘና'ዩ። ይኹንዳኣ'ምበር ንሓደ ወርሒ ዝፀንሕ ፆም ክኸውን ኣለዎ፤ ብተኸታተልቲ መዓልታት ንነዊሕ እዋን ዝቐፀለ ፆም ግን ዝምከር ኣይኮነን" ይብሉ።

ብሓባር ይምገቡ ዘለው ስድራ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ነዊሕ እዋን ዝፀንሕ ፆም ክብደት ንምንካይ ዝጠቅም ፅቡቕ ኣማራፂ ኣይኮነን፤ ምኽንያቱ ሰብነትና ንስብሒ ናብ ጭዋዳ እምበር ናብ ጉልበት ኣይቕየርን። እዚ ድማ ጥዕናዊ ኣይኮነን፤ እዚ'ውን ሰብነት ናብ ናይ ምጥማይ ስምዒት ይኣቱ ከምዘሎ የመልክት"

ብዘይካ ረመዳን፡ ብሓንሳን ንኣዋርሕ ብዘይምቁራፅ ካብ ምፃም ፅቡቕ ኣመጋግባ እናተኸተልካ ኣብ ሰሙን ክልተ መዓልታት ክትፀውም ምኽኣል ይምዕዱ።

ፆመ ረመዳን ፅቡቕ ከምዝሰርሕ ከረድኡ ከለው "በብመዓልቱ ጉልበት ንኽትካእ ይሕግዝ፡ እዚ ካኣ ኣገደስቲ ዝኾኑ ጭዋዳታት ከየቃፀልካ ክብደት ንምንካይ ይሕግዝ" ይብሉ።