ሮሞዳን፡ ኣብ እዋን ጾም ብኸመይ ጥዕናና ክንሕሉ ንኽእል?

ኣብ እዋን ጾም፡ መግቢን ኣካላዊ ምንቅስቓስን ዓቢ ጽልዋ ኣለዎም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ እዋን ጾም፡ መግቢን ኣካላዊ ምንቅስቓስን ዓቢ ጽልዋ ኣለዎም

ኣብ ዓውደ-ኣዋርሕ እስላም ኣብ ታሽዓይ ወርሒ ዝጅምር ጾም ሮሞዳን ሓደ ካብቶም ዓንድታት ሃይማኖት እስልምና እዩ።

ወርሒ ሮሞዳን፡ ብመገዲ ጾም ኣቢልና ኣብ ሂወትና ርኡይ ዝዀነ ለውጥታት ንምምጻእን ጥዑይ ሂወት ንምምራሕን ይሕግዘና።

ኣብዚ ዓመት ወርሒ ሮሞዳን ብ23 መጋቢት እዩ ጀሚሩ። ድሮ ድማ ኣብ መላእ ዓለም ኣስታት 2 ቢልዮን ዝዀኑ ሙእሚን ዓመታዊ ጾም ሮሞዳን ጀሚሮም ኣለዉ።

ኣብ እዋን ጾም ሮሞዳን፡ ኣካላት እናተመዓራረየን ደረጃ ጸዓት እናተበታተነን ስለዝኸይድ፡ እንታይ ዓይነት ጥንቃቐ እንተገበርና ይሓይሽ? ኣብዚ እዋን ጾም፡ ምንቅስቓስ ኣካላት ምግባር ጸገም የስዕብ ድዩ? ኣየኖት መግብታት ዝያዳ እንተተመገብና ይምረጽ?

ኣሰልጣኒ ቢላል ሓፊዝን ክኢላ ኣመጋግባ ናዚማ ቝረሺን ድማ ብዛዕባ’ዚ ዘካፍልዎ ልምዲ ኣለዎም።

እዞም "ዘ ሄልዚ ሙስሊም" ብእትብል መጽሓፎም ዝፍለጡ መጻምድቲ፡ ኣብ እዋን ጾም መግብን ምንቅስቓስ ኣካላትን ብዝምልከት “ዘ ሄልዚ ራማዳን ጋይድ” ዝብል መጽሓፍ’ውን ጽሒፎም’ዮም።

ንሳቶም ኣብ መጽሓፎም፡ "ቀንዲ ዕላማ ሮሞዳን ንጸሎት ዝያዳ ኣቓልቦ ምሃብ፡ መንፈሳውነት ምምዕባል፡ ንነዊሕ እዋን ትዅረት ሂብካ ምጽናሕን ንነብስኻ ምምሕያሽን እዩ" ይብሉ።

“እንታይ ንበልዕን ከመይ ጌርና ኣካላዊ ምንቅስቓስ ንገብር ከም ዘለናን ኣብ ደረጃ ጸቕጥና፡ ሚዛን ስራሕን ህይወትናን ስድራቤታትን ዓቢ ጽልዋ” ከም ዘለዎ ይገልጹ።

ኣብዚ እዋን ጾም ጥዕናኹም ክትሕልዉን ብቕዓትኩም ክትሃንጹን ድሌት እንተሃልይኩም፡ እዞም ዝስዕቡ ነጥብታት ኣብ ግምት ክተእትዉ ይምከር።

እኹል ማይ ንስተይ

ቅድሚ ወጋሕታ ሓደ ሊትሮ ማይ ክንሰትይ ንፈትን
መግለጺ ስእሊ, ቅድሚ ወጋሕታ ሓደ ሊትሮ ማይ ክንሰቲ ንፈትን

ብዙሓት ሰባት ኣብተን ቀዳሞት መዓልታት ሮሞዳን ሕማም ርእሲ ከም ዝጅምሮም ይገልጹ።

እዚ ዝዀነሉ፡ “ብሰንኪ ሕጽረት ማይ'ዩ" ትብል ናዚማ። ኣካላትና፡ ክንዲ እቲ ቅድሚ ጾም ዝነበረ መጠን ማይ የድልዮ እዩ።

ኣብ ወርሒ ሮሞዳን ማይ ዝሰትየሉ ግዜ ካብቲ መዓልታዊ ጾም ዝተፈትሐትሉ - ኢፍጣር - ጀሚሩ ክሳዕ ወጋሕታ (ሰላት ሱብሒ) ጥራይ እዩ። ስለዚ ኣብዚ እዋን እዚ ኣካላትና እኹል ማይ ከም ዝረኸበ ምርግጋጽ ኣገዳሲ’ዩ።

ሓደ ኣማራጺ፡ “ንግሆ ንግሆ ሓደ ሊትሮ ከም እትሰትዩ ምርግጋጽ እዩ” ትብል ናዚማ። እዚ፡ ምሉእ መዓልቲ ኣዝዩ ዝሓሸ ስምዒት ክህልወናን ካብ ሕማም ርእሲ ክገላግለናን ከም ዝኽእል ትገልጽ።

ካልእ መንቀሊ ሕማም ርእሲ፡ ቀትሪ ቀትሪ ከም ቡና ዝበሉ ካፈይን ዘለዎም መስተታት ንሰቲ እንተነይርና እዩ። ኣብ እዋን ጾም ቡን ስለዘይስተ፡ ሕጽረት ካፈይን ሕማም ርእሲ ከስዕበልና ከም ዝኽእል ይፍለጥ።

ነዚ መፍትሒ ድማ ዝያዳ ማይ ምስታይ ወይ ድማ ቅድሚ ሮሞዳን ምጅማሩ ቡን እናነከና ተለማሚድና ምጽናሕ ከም ዝዀነ ናዚማ ትገልጽ።

መኣዛዊ ኣመጋግባ ይሃልወና

ጾም ሮሞዳን ኣብ ወጋሕታ ጀሚሩ ክሳዕ ጸሓይ ዕራብ እዩ ዝጸንሐ።

ቅድሚ ጸሓይ ምብራቓ ጾም ዝጅምረሉ ግዜ ሱሁር ይበሃል፤ ምፍታሕ ጾም ከኣ ኢፍጣር ብዝብል ይፍለጥ።

እዋን ፍጡር ምስኣተወ ቀልጢፍና ንጾምና ምስዓር ግቡእ እዩ።

እቲ ሕቶ ግን ኣብ መንጐ ኢፍጣርን ሱሁርን እንታይ ክንበልዕ ኣለና ዝብል እዩ።

ቅድሚ ጾም ምጅማሩ ዝነበረና ልምዲ ኣመጋግባ ይቕየር እዩ፡ ዝብል ቢላል፡ ኣብ እዋን ጾም ክልተ ግዜ ጥራይ ከም እንምገብ ኣብ ግምት ብምእታው “ምሉእ መዓልቲ ንኽንሰርሕ እኹል ጸዓት ዝህቡና መግቢታት ክንመርጽ” ከም ዘድልየና ይዛረብ።

እዋን ፈጡር ምስኣተወ ቀልጢፍና ንጾምና ምብታኽ ግቡእ እዩ
መግለጺ ስእሊ, እዋን ፈጡር ምስኣተወ ቀልጢፍና ንጾምና ምብታኽ ግቡእ እዩ።

ናዚማ፡ ብዙሓት ሰባት ድኻም ስለዝስምዖም ክድቅሱ ከም ዝመርጹ ትሕብር። ገሊኦም’ውን ነቲ ናይ ንግሆ መግቢ ከም ዝዘልዎ ትገልጽ። እንተዀነ መኣዛ ኣመጋግባና ክንሕሉ ከም ዝግባእ ትመክር።

ናይ ንግሆ መግቢ፡ “ገለ ፕሮቲንን፡ ጥዑይ ስብሕን ካርቦሃይድሬት ዘጠቓልል ክኸውን ይግባእ። ደሓር ከኣ እንተረኺብና ገለ ኣትክልቲ ወይ ፍረታት’ውን ምብላዕ ዝያዳ ዝሓሸ ይኸውን” ክትብል ትመክር።

“ኵሎም እቶም ባእታታት ስለዘለዎ፡ ተዘፍዚፉ ዝሓደረ ሰዓዕ ብዙሕ ግዜ እንመኽሮ ነገር’ዩ። ብዘይካ’ዚ፡ ናይ ግሪኽ ርግኦ ፕሮቲን ኣለዎ፣ ዘርኢ ቺያ ጥዑይ ስብሒ ኣለዎ፣ ገለ ፍረታትን ጸባን ንወስኸሉ።”

ብዙሓት ሰባት ለይቲ ምብላዕ ስለዘይለመዱ ይዘልዎ እዮም።

እቶም ክኢላታት ግን፡ ኣካላትና ድሕሪ ሒደት መዓልታት ስለ ዝለምዶ፡ እቲ ምድንጋርን ዘይምቾትን ንውሑዳት መዓልታት ጥራይ ከም ዝጸንሕን ይሕብሩ።

“ኣብ ራብዓይ ወይ ሓሙሻይ መዓልቲ ምሸት ጥሜት ክስምዓና ይኽእል እዩ" ትብል ናዚማ።

ካብ መጠን ንላዕሊ ኣይንብላዕ

ከምቲ ብዙሓት ለይቲ ካብ ምብላዕ ድቃስ ዝመርጹ፡ ካብ መጠን ንላዕሊ እናተመገቡ ዝሓድሩ እውን ኣለዉ።

"ቀትሪ ጠምየ ኢልካ ለይቲ ንምኽሓስ ምብላዕ ንጥዕናን ንመንፈስን ሕማቕ'ዩ" ትብሉ ናዚማ።

ብፍላይ ስድራን ፈተውትን ኣብ ዝተኣከቡሉ ጾም ስለ ዝሰዓር፡ መግቢ ብዝተፈላለየ መገዲ ብብዝሒ ይዳሎ እዩ። እዚ ብግዲኡ ልዕሊ ዓቐን ምብላዕ የተባብዕ።

ንኣብነት እዋን ምስዓር ጾም - ፍጡር - ልሙድ ምግቢ ሳምቡሳ እዩ። ሓደ ሳምቡሳ ብማእከላይ ገምጋም 250 ካሎሪ ኣለዎ።

ሓደ ሰብ ሓንቲ ሳምቡሳ በሊዑ ከቋርጽ’ዩ ምባል ኣይሕሰብን። ሰለስተ ሳምቡሳ ጥራይ ካብቲ መዓልታዊ ዓቐን ካሎሪ ዝዛይድ’ዩ።

ናዚማ ነዚ ክትገልጽ ከላ፡ "ሓደ ሰብ ኣብ ወርሒ ሮሞዳን ይጸውም ኣለኹ’ኳ እንተበለ፡ ክሳብ ክንድዚ ሳምቡሳ እንተበሊዑ፡ ካብቲ ዘይጾመሉ ኣዋርሕ ንላዕሊ ካሎሪ ይረክብ ኣሎ ማለት እዩ" ትብል።

ብፍላይ ድማ ብኸምዚ መጠን ብዙሕ ካሎሪ ዘለዎ መግቢ ምውሳድን ከምኡ’ውን ለይቲ እዚን እቲን ምብላዕ ጥዕና ዘለዎ ስለዘይኮነ ንጽባሒቱ ዝያዳ ጥሜት ክስምዓና ይገብር።

ኣብ እዋን ፍጡር ተምሪን ማይን ምውሳድ እኹል እዩ። ድሕሪ ቅሩብ ግዜ ፍረታትን ቀሊል ሾርባን ምውሳድ ይምከር።

ኣብ ግዜ ድራር ኣሕምልቲ፡ ደርሆ ወይ ዓሳ ምብላዕ ጽቡቕ እዩ።

እቲ ቀንዲ ቁምነገር ከብድኻ ክሳብ ዝመልእ ዘይምብላዕ እዩ። ኣካላትና ዘድልዮ መኣዛታት ብመጠኑ ምርካቡ ኣገዳሲ ከም ዝዀነ እቶም ክኢላታት ይመኽሩ።

ብሓባር ክንበልዕ ከለና ዓቐንና ምፍላጥ

ብሓባር ምብላዕ ኣብ ስነ-ልቦና ጽቡቕ ስምዒት ይፈጥር’ዩ።

ብፍላይ ምስ ዝተጸገሙ ሰባት እነሕልፎ ግዜ ንጥዕና ኣእምሮ ከም ዝምከር ይግለጽ።

ብሓባር ምብላዕ ግን ብሰሓቕን ጸወታን ስለ ዝስነ፡ ኣብ መጠን ዓቐን ምዝንጋዕ ከስዕበልና ይኽእል።

"እቲ ክንዝክሮ ዘለና ነገር፡ ኵሉ እቲ ዝቐርብ መግቢ ክንበልዕ ከም ዘይብና'ዩ" ይብሉ እቶም ክኢላታት።

ቢላል፡ "ኣዚኹም ቀስ ኢልኩም እንተበሊዕኹም ዝያዳ ክትርብሑ ኢኹም" ይብል። ቀስ ኢልካ ምብላዕ ልዕሊ ዓቐን ንኸይንምገብ ዝሕግዝ ጽቡቕ መገዲ እዩ።

ስሩዕ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ንግበር

መብዛሕትኦም ሰባት ቅድሚ ፍጡር ሒደት ሰዓታት ኣካላዊ ምንቅስቓስ ኣካላት ይገብሩ። እዚ ዝገብሩ ድማ ቀጺሎም መግብን መስተን ከም ዝረኽቡ ስለ ዝፈልጡ እዩ።

እዚ ሓደ መንገዲ እኳ እንተኾነ፡ ኣብ ዝኾነ እዋን መዓልቲ ምንቅስቓስ ኣካላት ምግባር ጸገም የብሉን።

ምንቅስቓስ ኣካላት ምግባር ከቢድ ክመስል ይኽእል፡ ብፍላይ ንግሆ። ክኢላታት ግን ተመራጺ ከም ዝዀነ ይገልጹ።

"ጸወምቲ ንግሆ ቀሊል ኣካላዊ ምንቅስቓስ እንተገይሮም፡ ፍኹስ ዝበለ መዓልቲ ከሕልፉ ይኽእል'ዮም" ትብል ናዚማ።

ኣብ ወርሒ ሮሞዳን ካብ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ምቑጣብ ንጥዕና ኣይምከርን
መግለጺ ስእሊ, ኣብ ወርሒ ሮሞዳን ካብ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ምቑጣብ ንጥዕና ኣይምከርን

እተን ቀዳሞት ሒደት መዓልታት ከበድቲ ክዀና ይኽእላ፡ ድሕሪ ሰለስተ ኣርባዕተ መዓልቲ ግን ነገራት ክቐልሉ እዮም።

እቶም ክኢላታት ክልተ ነገራት ይመኽሩ፤ እኹል ድቃስን እኹል ፈሳሲ ምስታይን።

እቶም ብርቱዕ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ንምግባር ዘጸግሞም ድማ ንውሕ ዝበለ መንገዲ ብእግሮም ክኸዱ ይመኽሩ።

ኣብ ወርሒ ሮሞዳን ካብ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ምቑጣብ ንጥዕና ኣይምከርን።

ጸወምቲ ዝኾነ ድኻም ወይ ምስልቻው እንተተሰሚዕዎም ቀልጢፎም ብዛዕባ ጸጋ ሮሞዳን እንተሓሰቡ ዝሓሸ ከም ዝዀነ ቢላልን ናዚማን ይገልጹ።

“ዕላማ ጾም ንርእስኻ ብጥሜት ምቕጻዕ ኣይኮነን፤ ምስ ነፍሲ ዝግበር ዓሚቝ መንፈሳዊ ዕላል እዩ። እዚ ድማ ንባዕሉ ሓይሊ ዝህብ እዩ። ንጥዕና ኣእምሮ እውን ጽቡቕ እዩ። ካብ መግቢ ምዕቃብ ሓደ ክፋል ናይቲ መስርሕ’ምበር ንበይኑ ዕላማ ኣይኮነን።”