ሃይማኖት-እስልምና፡ ስለምንታይ ኣብ እዋን ጾመ ረመዳን ተምሪ ይዝውተር?

ተምሪ

ወርሒ ሮመዳን፡ ሰዓብቲ እምነት ምስልምና ብሃንቀውታ ዝጽበይዎ ወርሒ እዩ። ጾመ ሮመዳን ወርሒ ወጺኣ ክሳብ እትጠፍእ ይቕጽል።

ኣመንቲ ፍልይ ብዝበለ ሃይማኖታዊ ስርዓት ብጾምን ዱዓን ንፈጣሪኦም እናተማሕጸኑ ዘሕልፉዎ ቅዱስ ወርሒ እዩ።

ናይ ሎም ዘበን መበል 1442 ጾመ ሮመዳን ሎሚ ሰሉስ ክጅመር እዩ።

እሞ ኣብዚ ወርሒ፡ ኣብ ማሕበረሰብ ሙስሊም ጥራይ ዘይኮነ፡ ካብኡ ወጻኢ'ውን ዝዝውተሩ መግብታት ኣለው።

ሾርባ፣ ሳምቡሳ፣ ብሽኮትን ተምርን መግለጺ ጾመ ሮመዳን'ዮም ምባል ይከኣል። ብገለ ምኽንያት ኣብ እዋን ኢፍጣር ናብ ገዝኡ ክርከብ ዘይከኣለ ሰብ፡ ኣብ መንገዲ ተምሪ ዓዲጉ ከፍጥር፡ ንቡር እዩ።

ተኽሊ ተምሪ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ተኽሊ ተምሪ

ግና ንምንታይ'ዩ ተምሪ ኣብ ወርሒ ሮመዳን ዝዝውተር?

ተምሪ ሃይማኖታውን ጥዕና'ውን ጥቕሚ ከም ዘለዎ ዝገልጹ ኡስታዝ ሓሰን ታጁ፡ "ኣብ እስልምና ብተምሪ ምፍጣር ሱና እዩ" ይብሉ።

ከም ኣበሃህላኦም 'ሱና' ማለት ነብዪ መሓመድ ዝገበርዎ፡ ዝተዛረብዎ ወይ'ውን ካልኦት ክገብርዎ ርእዮም ዘጽደቕዎ እዩ።

ኡስታዝ ከም ዝሓበሩና፡ ነብዪ መሓመድ ከፍጥሩ ከለው፡ ተምሪ ይበልዑ ስለ ዝነበሩን ኣብ ሰዓብቲ እቲ እምነት፡ ንሶም ዝበልዎ፡ ዝገበርዎን ዘጽደቕዎን ምስዓብ ከም ጽቡቕ ስለዝውሰድ፡ ኣብ ጾም ሮመዳን ተምሪ ተመራጺ ኮይኑ ኣሎ።

ኣብ ሓዲስ (ኣብ ዘረባታት ነብዪ መሓመድ) ተምሪ ብዙሕ ግዜ ተጠቒሱ ኣሎ።

ነብዪ መሓመድ፡ ካብ ኣትኽልቲ ኩሉ ትሕዝትኡ (ሱሩ፡ ጉንዱ፡ ቆጽሉ፡ ፍሪኡ) ኣብ ጥቕሚ ዝውዕል ተምሪ እዩ ኢሎም ኣለው።

ጽቡቕ ነገራትን ባህርያትን ብተምሪ እናመሰሉ ዝዛረቡ ኩነታት ከም ዘሎ ድማ ጠቒሶም።

እንተኾነ ኣብ እዋን ሮመዳን እንምገቦም ካልኦት መግብታት ከከምቲ ከባብን ባህልን ዝፈላለዩ እዮም።

ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ሳምቡሳ፡ ሾርባ ከምኡውን ካልኦት መግብታት ይዝውተሩ።

ኣብ ካልእ ሃገራት ዝተፈላለየ ስርዓትን ኣመጋግባን እኳ እንተሎ፡ ማይን ተምርን ግና ንኩሎም ዘመሳስሉ ምዃኖም ኡስታዝ ሓቢሮም።

ተምሪ

ምንጪ ስእሊ, RIZWAN TABASSUM

ኣብ ማሕበረሰብ፡ ስነ ምግቢ ኢትዮጵያ በዓል ሞያ ምግቢ ዝኾኑ ኣቶ ኣብነት ተክሌ፡ ተምሪ ንሙቀት ኣብ ዝጻወሩ ፍረታት ዝምደብ መግቢ ኮይኑ ነቲ ዝቦቕለሉ ኩነታት ብምርኣይ'ውን ታሪኻዊ ኣመጻጽኣ ክህልዎ ከም ዝኽእል ይገልጹ።

ዝበዝሓ ሃገራት ዓረብ ምውቕ ኩነታት ኣየር ዘለወን ኮይነን ኣፍረይቲ ተምሪ ድማ እየን።

በዚ ድማ ዘዘውትርዎ መግቢ ክኸውን ይኽእል እዩ ክብሉ ግምቶም ይህቡ።

ብስነ ምግቢ ግና ተምሪ ከምቶም ካልኦት ፍረታት ናይ ቪታሚን ትሕዝትኡ ጠቓሚ ምዃኑ ይገልጹ።