ሓላዉ ልዳት ቱኒዝያ ከም ዝተሃርመ ብምምሳል ጾም ረመዳን ስዒሩ

ሓላዉ ልዳት ሞኤዝ ሓሰን ረሸሽ ኢልዎ ምስ ወደቐ፤ ደቕ ጋንትኡ ንኽበልዑ እድል ይረኽቡ

ምንጪ ስእሊ, TELEVISION TUNISIINNE 1

መግለጺ ስእሊ, ሓላዉ ልዳት ሞኤዝ ሓሰን ረሸሽ ኢልዎ ምስ ወደቐ፤ ደቕ ጋንትኡ ንኽበልዑ እድል ይረኽቡ

ተኸተልቲ ሃይማኖት ምስልምና ጾም ረመዳን ኣብ ዝጾምሉ ዘለዉ ወርሒ፤ ሃገራዊት ጋንት ዋንጫ ዓለም ቱኒዝያ፤ ዝተራቐቐ ንድኻም ትቃለሰሉ መገዲ ዝረኸበት ትመስል።

ኣብቲ ምስ ፖርቱጋል ስዒቡዉን ምስ ቱርኪ ኣብ ዝገበረቶ ምሕዝነታዊ ግጥማት፤ ሓላዉ ልዳት ሞኤዝ ሓሰን፤ እቲ ጾም ዝሰዓረሉ ሰዓታት ምስ ኣኸለ፤ ከም ዘተሃርመ ኣምሲሉ ክወድቕ ተራእዩ።

ኣብቲ ሜዳ ወዲቑ ሕክምና ኣብ ዝግበረሉ ዝነበረ እዋናት፤ ተቐላጢፉ ካብ ሜዳ ከም ዝወጽእን፤ ማይን ንእሽቶ ቁርሲ ድማ ከም ዝበልዕን ተገይሩ።

ኣዝዩ ዉጽኢታዊ'ዉን ነይሩ።

ቅድሚ መጉዳእቲ ሓሰን፤ ብፖርቱጋል 2 ብ 1 ትምራሕ ዝነበረት ሃገራዊት ጋንታ ቱኒዝያ፤ ሽዱሽተ ደቓይቕ ድሕሪ እቲ ዝተገብረሉ ሓገዝ ዘመዓራርያ ሸቶ ብምምዝጋብ 2 ብ 2 ተፈላልያ።

ድሕሪ ሒደት መዓልታት ምስ ቱርኪ ኣብ ዝተገብረ ግጥም ከኣ፤ ሓሰን ብዝባኑ ብምድቃስ ጸወታ ኣቋሪጹ።

ተንቀሳቓሲ ስእሊ ናይዚ ፍጻመ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብሓደ ቱኒዝያዊ ተዘርጊሑ ይርከብ።