ብምኽንያት ኮቪድ-19 ልዕሊ 1600 ሕሙማት ኣእምሮ ብጌጋ ካብ ሆስፒታል ወጺኦም

ብምኽንያት ኮቪድ-19 ልዕሊ 1600 ሕሙማት ኣእምሮ ብጌጋ ካብ ሆስፒታል ወጺኦም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ብምኽንያት ኮቪድ-19 ልዕሊ 1600 ሕሙማት ኣእምሮ ብጌጋ ካብ ሆስፒታል ወጺኦም

ኣብ ሰሜናዊ ዌልስ ብምኽንያት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣስታት 1700 ጸገም ጥዕና ኣእምሮ ዘለዎም ሕሙማት ብጌጋ ካብ ዝሕከሙሎም ማእከላት ክወጽኡ ተገይሩ።

ቦርድ ጥዕና 'ቤትሲ ካድዋላድር' ካብ 200 ክሳብ 300 ዝኾኑ ሕሙማት ወጺኦም'ዮም ኢሉ ከም ዝግምት'ኳ እንተገለጸ፡ እቲ ቑጽሪ ግን ኣስታት 1694 ከም ዝኾነ ይግለጽ።

በዚ ምኽንያት፡ እቲ ቦርድ ጥዕና ይቕሬታ ሓቲቱ፡ ነቶም ሕሙማት ይእልሽ ኣሎ።

ግዚያዊ ፈጻሚ ስራሕ እቲ ቦርድ ሲሞን ዲን፡ እቲም ሕሙማት ኣእምሮ ካብቶም ማእከላት ምውጽኦም ልክዕ ከም ዘይኮነ ብምግላጽ፡ ከምዚ ዓይነት ጌጋ ክፍጠር ኣይምተገብአን ኢሉ።

"እዚ ዝኣክል ቑጽሪ ሕሙማት፡ ሕክምንኦም ከይወድኡ ክወጽኡ ምግባሮም ኣዝዩ ዘሕዝን እዩ" ኢሉ።

ወሲኹ፡ "ኣብ ዝቕጽሉ መዓልታት ኩሎም ተሓከምቲ ካብ ዘለውዎ ኣሊሽና ናብ ሕክምንኦም ክምለሱ ክንገርብ ኢና ብምባሎም ሕጉስ እየ። ግን ከምዚ ዓይነት ዓብዪ ጌጋ ዘለዎ ውሳነ፡ ከመይ ኢሉ በቲ ቦርድ ከም ዝተፈጸመ ክርድኣኒ ኣይክኣለን" ኢሉ።

መንግስቲ ዌልስ ብወገኑ፡ ከምዚ ዓይነት ጌጋ ኣብ እዋን ለበዳ ኮሮናቫይረስ ክፍጸም ምኽኣሉ፡ ከም ዘተሓሳስቦ ሓቢሩ።

ወሃቢ ቃል መንግስቲ ዌልስ ከም ዝበሎ ድማ፡ ኩሎም ሕሙማት ተኣሊሾም ናብቶም ትካላት ጥዕና ክምለሱ እዮም።

ኮሮና
ኮሮና