ኮሮናቫይረስ፡ ቻይና ሙሉእ ህዝቢ ውሃን ክትምርምሮ መደብ ኣለዋ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ቻይና፡ ዝርግሐ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምቁጽጻር ኣብ እትገብሮ ጻዕሪ፡ ኣዝዮም ዝተለጠጡ ስጉምታት እያ ትወስድ።
ኣብታ ንመጀመርታ እዋን ለበዳ እዚ ሓድሽ ቫይረስ ዝተርኣየለ ውሃን፡ ሓድሽ መልከፍቲ ኮቪድ-19 ምስ ኣጋጠማ፡ ብሙሉኡ ነባሪ እታ ከተማ መርመራ ክትገብረሉ ምዃና ገሊጻ።
ሰበ ስልጣን እታ ከተማ ድማ፡ ካብ 14 ግንቦት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 10 መዓልታት ነቲ 11 ሚልዮን ዝግመት ህዝቢ እታ ከተማ መርመራ ክንገብረሉ ኢና ኢሎም።
እቲ ሸቶ እንታይ ነይሩ?
ኣብ ውሃን፡ 11 ሚልዮን ህዝቢ ይነብር ተባሂሉ ይግመት።
ነቲ ህዝቢ ኣብ ውሽጢ ሸውዓተ መዓልቲ መርመራ ክግበረሉ ከሎ፡ ትሕቲ ሽዱሽተ ዓመት ዝኾኑ ህጻናት ክምርመሩ ኣይተገብረን።
ኣብ ወርሒ ጥሪ፡ ዝርግሐ እቲ ለበዳ ንምቁጽጻር ኣዋጅ ዕጽዋ ቅድሚ ምውጽኡ፡ ካብታ ከተማ ዝወጽኡን ዘይተመለሱን'ውን ክህልው ስለ ዝኽእሉ፡ እቲ ቑጽሪ ክንኪ ይኽእል እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሓለፍቲ እታ ከተማ፡ ንሓደጋ ዝተቓልዑ'ዮም ዝበሉዎም ሰባት ብምምርማር ከም ዝጀመሩ ይገልጹ።
እዚኦም ድማ፡ ጻዕቒ ሕብረተሰብ ኣብ ዘለዎም ከባቢታት ዝነብሩን ሰራሕተኛታት ጥዕናን'ዮም።
ማእከል ምቁጽጻር ሕማማት ውሃን፡ "ኩለን ዞባታት ኣብ ውሽጢ 10 መዓልቲ መርሚረን ክውድኣ ኣለወን" ኢሉ ነይሩ።
እዚ ግን ዝተለጠጠ ትልሚ'ዩ ዝመስል።
ክንደይ ተመርሚሮም?
እቲ ቑጽሪ ኣብ ውሃን ካብ ዘለው ሰብ መዚ ጥዕና ኢና ረኺብናዮ።
ኣብታ ከተማ 60 መመርመሪ ማእከላት ነይረን። እዚአን ኣብ መዓልቲ 100 ሽሕ ሰብ ክምርምራ ይኽእላ።
በዚ፡ ኣብ ውሽጢ 10 መዓልቲ ነቲ ክምርመር ዝተሓሰበ ብዝሒ ሰብ ክትምርምር ኣይትኽእልን። ስለ ዝኾነ ድማ፡ እቲ ናይ ምምርማር ዓቕሚ ምዕባይ ከድሊ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እዚ ንኽትገብር፡ ብዙሓት ቅምሶታት ኣብ ሓደ ክምርመሩ ብምግባር፡ እቶም ብሓደ ተሓዊሶም ዝተመርመሩ ቅምሶታት 'ፖዘቲቭ' ኮይኑ ምስ ተረኸበ ጥራይ ብነብሲወከፍ መርመራ ይግበር።
ማዕኸን ዜማ ቻይና ከም ዝጸብጸቦ ድማ፡ በዚ መገዲ እቲ ስራሕ ተግባራዊ ኮይኑ እዩ።
ጸብጻባት ከም ዝሕብርዎ፡ ኣብ ውሃን ካብ ሓሙሽተ ክሰብ ዓሰርተ ቅምሶታት ኣብ ሓደ ብምእታው ይምርመሩ ነይሮም።
ኣብዚ፡ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፈ ቅምሶ እንተተረኺቡ ናይ ናጽላ መርመራ ይግበር።
እዚ፡ ውሑድ ቑጽሪ መልከፍቲ ኣብ ዘለዎ ከባቢ ክትጥቀመሉ ከለኻ፡ መብዛሕትኦም ቅምሶታት ናጻ ናይ ምዃን ዕድል ስለ ዘለዎም ዚያዳ ውጽኢታዊ ይገብረካ።
ኣብ ውሃን፡ ክሳብ ሕጂ ብዝተኻየዱ መርመራ፡ ልዕሊ 200 ሰባት ጥራሕ እቲ ቫይረስ ከም ዝተረኸቦም ሓለፍቲ ጥዕና ውሃን ይገልጹ።
ብ22 ግንቦት፡ ኣብ ሓደ መዓልቲ 1.47 ሚልዮን ሰባት ኢና መርሚርና ይብሉ። እዚ፡ ካብቲ መጀመርታ ኣብ መዓልቲ 100 ሽሕ ዝነበረ መርመራ ዓብዪ ወሰክ ዘርኣየ እዩ።
ብሓፈሻ፡ ክሳብ 24 ግንቦት፡ ናይ ትሸዓተ ሚልዮን ሰባት ቅምሶ ከም ዝተወሰደ፡ መርበብ ሓበሬታ ኮሚሽን ጥዕና ሁበይ የመልከት። ካብዚኦም ናይቶም 6.57 ሚልዮን ሰባት ክምርመር ተገይሩ።
እዚ፡ ድሕሪ 10 መዓልቲ እቲ ጎስጓስ ዝተጀመረሉ እዩ።
እዚ ዓብዪ ቑጽሪ'ኳ እንተኾነ፡ ካብ ሳልሳይ ወገን ምጽራይ ኣይኽኣልናን። ይኹን'ምበር፡ ውሃን ነቲ ኣብ 10 መዓልቲ ከተተግብሮ መደብ ዝሓዘትሉ መርመራ ክትዕወተሉ ክኢላ እያ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







