'መድሃኒት ኮሮናቫይረስ ኣብ ኢድና እያ ዘላ' ኤርትራዊ ተመራማሪ ዶክተር ዮውሃንስ ሃይለ

ምንጪ ስእሊ, YH
ባዮሜዲካልን ሬጉላቶርን ሳይንቲስት ዶክተር ዮውሃንስ ሃይለ ተቐማጢ ኦታዋ ካናዳ ኮይኑ ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣልበርታ ከምኡ'ውን ኣብ ሚኒስትሪ ጥዕና ካናዳ [ሀልዝ ካናዳ] ኣብ ምርምርን ምቁጽጻርን ክታበታትን መድሃኒትን ንውሕ ንዝበለ ግዜ ኣብ ምርምርን ምስትምሃርን ክሰርሕ ጸኒሑ። ኣብ ኤርትራ'ውን ኣብ ሚኒስትሪ ጥዕና ኣብ ምቁጽጻር ተመሓላልፈቲ ሕማማት ንዝተወሰነ ዓመታት ሰሪሑ እዩ።
ቢቢሲ ትግርኛ ነቲ ኣብዚ እዋን ብደረጃ ዓለም ህይወት ብዙሓት ሰባት ዝቐዝፍ ዘሎ ሓድሽ ሕማም ኮቪድ-19 ኣመልኪታ ምስ ዶክተር ዮውሃንስ ጻንሒት ገይራ ኣላ።
ቫይረስ እንታይ እዩ፡ እቲ ጠንቂ ሕማም ኮቪድ-19 ምዃኑ ዝንገር ኮሮናቫይረስ ከ ፍሉይነቱ እንታይ እዩ?
ቫይረስ ክንብል ከሎና ብዓይነና ክንርእዮ ዘይንኽእል ኣዝዩ ደቂቕ ታህዋስ ጀርም እዩ። ምስ ባክቴርያን ካልእ ዓይነት ጀርምታት ክወዳደር ከሎ ብ100 ግዜ ዝደቐቐ ታህዋስ እዩ። ዝተፈላለየ ዓይነት ሕማም ከከትሉ ዝኽእሉ ብዙሓት ዓይነት ቫይረስ ኣለው።
ኮሮናቫይረስ ሓደ ካብኣቶም ኮይኑ፡ ናይ ዓሌት ስም እዩ። እዚኦም ኣብ እንስሳታት ኣለው ኣብ ደቂ ሰባት'ውን ኣለው። ንነዊሕ ዓመታት ዝጸንሑ እዮም። ኣብዚ እዋን ዘይንቡር ዝኾነሉ ምኽንያት ካብ እንስሳ ናብ ሰብ ስለ ዝነጥሩ እዩ።
ነቲ ኣብዚ ሰዓት'ዚ ኮቪድ-19 ተባሂሉ ዘሎ ሕምም ዘመሓላልፍ ቫይረስ ድማ ቤታኮሮናቫይረስ ዝበሃል እዩ።
ኣብ ውሃን ዝተብሃለት ከተማ ናይ ቻይና እዩ ተበጊሱ። ከም በዓል መንካዕ ካብ ዝኣመሰሉ እንስሳ፡ ብቐጥታ ወይ ምስ ካልኦት ኣራዊት ዝመንጨወ ቫይረስ ተዳቒሉ ናብ ሰብ ሓሊፉ ዝብል ክሳብ ሕጂ ኣብ መጽናዕቲ ዝርከብ ሓበሬታ ኣሎ።
ከመይ ኢሉ እዩ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ዝመሓላለፍ?
እቲ ሕማም ብቐጥታን ብተዘዋዋርን ይመሓላለፍ። ብቐጥታ ክንብል ከሎና፡ ሓደ በቲ ቫይረስ ዝተለኽፈ ሰብ ኣብ ቅድሜኻ ኮይኑ ክሕንጥስን ክስዕልን ከሎ፡ ዝነጥቡ ነጠብጣባት ፈሳሲ ኣብቲ ቅድሚኡ ናብ ዘሎ ሰብ እንተድኣ ዓሊቦም ብቐጥታ ክመሓላለፍ ይኽእል።
ብተዘዋዋሪ እቲ ዝሓመመ ሰብ ዝተንከፎ ነገራት ክንትንክፍ ከሎና፡ ወይ ብቐጥታ ምስቲ ሰብ ምትንካፍ ክንገብር ከሎና፡ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ብቐሊሉ ዝመሓላለፍ ቫይረስ እዩ። እንተኾነግን ብኢድና ስለዝሓዝናዮ ዘይኮነ ዝሓልፈና፡ ብኢድና መሊስና ዓይንና ኣፍና ወይ ኣፍንጫና ክንሕዝ ከሎና እዩ ክመሓላለፍ ዝኽእል።
ኣገባባት ምክልኻል ሕማም ኮሮናቫይረስ
እዚ ሕማም'ዚ ክሳብ ሕጂ መድሃኒት ኣይተረኽቦን። ክነከላኸሎ እንኽእል ብናይ ውልቃውን ከባብያውን ጽሬት እዩ። እቲ ክንገብሮ ዘሎና መከላኸሊ ናይ ባህርይ ለውጢ እዩ።
እዚ ማለት፡ ሰላምታ ምውጋድ፡ ክንሕንጥስ ከሎና፡ ኣብ ክንዲ ናብ ኣየር ዝኸይድ መሸፈኒ መንዲል ወይ ሶፍት ምጥቃም፤ ብቐጻሊ ኢድና ክንሕጸብ፡ ምፍንታት ርሕቐት ክልተ ሜትሮ ምሕላው። ኩሉ ሰብ ኣብ ሓጺር ገዜ ኣብ ገዝኡ ኮፍ እንተኢሉ እቲ ሰንሰለት ናይ ምምሕልላፍ ብቐሊሉ ክብተኽ ስለ ዝኽእል፡ ኩሉ ማሕበራዊ ህይወትና ኣብዚ ሰዓት'ዚ ምውጋድ። ዝኾነ ሰብ ምልክታት ረስኒ፡ ደረቕ ሰዓል፡ ድኻም፡ ሕጽረት ምስትንፋስ ዝኣመሰሉ ምስ ዝርእይ ነብሱ ከግልል ይግባእ።
በዚ ድማ ብቐንዱ ንስድራቤትና ንከላኸል ኣሎና ማለት'ዩ ካብኡ ሓሊፉ ነቲ እንነብረሉ ሕብረተሰብ ወይ ንሃገር ምሉእ ንከላኸል ስለ ዘሎና ብሓላፍነት ክተሓዝ ዝግብኦ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, YH
ብቐጻሊ ኣእዳውን ክንሕጸብን፡ ኣብ ከባቢና ዘሎ ዝሓዝናዮ ነገር ከሉ ክነምክኖ ኣሎና። ምምካን ማለት፡ ካብ 70% ንላዕሊ ኣልኮል ዘለዎ ነገር ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ ኣብ ውሽጢ ሓደ ደቒቕ ከይተረፈ ከምክኖ ይኽእል እዩ ነቲ ቫይረስ። ስለዚ እቲ ምክልኻል ኣብዚ ሰዓት እዚ ክታበት ወይ መድሃኒት ዘይኮነ ኣብ ኢድና እዩ ዘሎ፤ ንቕሓት ዝመልኦ ምክልኻል ክንገብር ይግባኣና።
ኣብዚ ሰዓት ከስምረሉ ዝደልይ፡ ህዝብና'ውን ክርድኦ ዘለዎ፡ እዚ ሕማም'ዚ ኣዝዩ ቅልጡፍ ኣብ ሓጺር ግዜ ዝላባዕ ትንፋስ ዘይህብ ብምዃኑ፡ ሕማም'ዩ። ብእኡ መንጽር ገለ ገለ ተስፋታት ፍጭም ክንብል ኣብ ክንዲ ኣብ ምክልኻል ነድህብ ኣብ ክታበት፡ መድሃኒት ተረኺቡ ዶ መድሃኒት በዚ ተቐላቒሉ ዝበሃል፡ ቅሩብ ኣጉል ዝኾነ ተስፋታት ይርአ'ዩ እሞ ምጥንቃቕ ኣድላዪ እዩ።
ኣድላይነት መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ኣገባብ ኣጠቓቕምኡን
መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ማስክ ንነብስና ዘይኮነ ነቲ ሕማም ንኻልእ ሰብ ከይነመሓላልፈሉ ኢና እንጥቀም። በቲ ቫይረስ ዝተለኽፈ ሰብ ክህንጥስ ወይ ክስዕል ከሎ፡ እቶም ፈሰስቲ ነጠብጣባት ነቲ ቫይረስ ተሰኪሞም ናብ ኣየር ወይ ናብቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ኣካል ክነጥቡ ዝኽእሉ፡ ኣብቲ ማስክ ይተሓዙ ኣለው ማለት እዩ።
ሓደ ካብ ሓደገኛ ባህርያት ናይዚ ቫይረስ፡ ምልክታት ከይተርኣየና፡ ከም ዝሓመምና ከይፈለጥና ነቲ ቫይረስ ከነመሓላልፍ ስል እንኽእል እዩ፤ ስለዚ ኩሉ ሰብ ክጥቀመሉ ከሎ፡ ኣይጽላዕን'ዩ።
ነፍሲ ወከፍ ሰብ ማስክ እንተተጠቂሙ እቲ ምምሕልላፍ ክግታእ ተኽእሎ ኣሎ። እቶም ኣብ ሕክምና ዝሰርሑ፡ ሕሙማት ዝኣልዩን፡ በቲ ቫይረስ ዝሓመሙን ግና ናይ ግድን ክጥቀሙ ይግባእ።
ኣብዚ እዋን እቲ ሕማም እናስፋሕፈሐ ምስ ከደ ብዙሓት ሃገራት ኩሉ ሰብ ክጥቀም ኣለዎ ይብላ ኣለዋ። ናይዚ ምኽንያት፡ እቲ ሕማም ብብዝሒ ይርአ ስለዘሎ፡ ምልክት ዘይብሎም ናብ ዕዳጋ ምስኸዱ ንኻልኦት ሰባት ከሕልፉሎም ተኽእሎ ስለ ዘሎ፡ ስለዚ ዳርጋ ብዙሕ ሰብ ስለዘለዎ፡ ኣፉ ይሸፍን ካብ ዝብል ዝመጽእ እዩ።
ናይ ቀረብ ሕጽረት ክህልው ስለዝኽእል ግን ብዝኾነ ጨርቂ ጌርካ ኣፍካ ሸፊንካ ክትስዕል ከሎኻ፡ ነቲ ካብ ኣፍካን ኣፍንጫኻን ዝወጽእ ነጠብጣብ ምቁጽጻር ይከኣል።
ነቲ ዝተጠቀምናሉ ማስክ ኮነ ናይ ወረቐት መንዲል ድማ ቫይረስ ከም ዘለዎ ሓሲብና ብኣገባብ ክንጉሕፎ ይግባእ። ሻሽ፡ ነጸላ፡ ሻርባ ምስ እንጥቀም ብቐጻሊ ብማይን ሳምናን ክሕጸብ ኣለዎ።

ምንጪ ስእሊ, YH
እቲ ቫይረስ ናብ ኣካላቶም ዝኣተወ፡ ምልክታት ዝተርኣዮም ሰባት እንታይ እዮም ክገብሩ ዘለዎም?
ነዚ ኣብ ምዕቡላት ሃገራትን ኣብ ከም ኤርትራ ዘይማዕበላን ሃገራት ኣብ ክልተ ከፊልና ክንርእዮ ንኽእል ኢና።
ኣብዚ ምዕቡል ሃገር እቲ ቫይረስ መድሃኒት ስለዘይብሉ ሓደ ሰብ ዝተፈላለዩ ምልክታት እቲ ሕማም ምስ ዝርእይ ናብ ሆስፒታል ምኻድ ኣየድልዮን እዩ። ምኽንያቱ ኣብ ሆስፒታል ኬድካ ዝግበረልካ ዋላ ሓንቲ የለን።
እቲ ዘድልይ ነቲ ሕማም ርእሲ፡ ረስኒ ዝኸውን ከኒና ምውሳድ፡ ፈሳሲ ብብዝሒ ምስታይ፡ ዕረፍቲ ምግባር፡ ከምቲ፡ ካልእ ጉንፋእ ወይ ኢንፍሉወንዛ ሓሚምና ብተለምዶ እንገብሮ ምክንኻናት ኢና ክንገብር ዘሎና። ከምኡ እናገበርና ግን እንተወሃደ ነታ ንድቅሰላ ክፍሊ ምፍላይ። ኣብኣ ተዓጺና ምስ ኣባላት ስድራና ዘይምርካብ፤ ዘድልይ ቀረብ ኣብታ ማዕጾ ከም ዘቐብሉና ምግባር። ክሳብ ንሓውይ ኣብኣ ነብስና ክነግልል ይግባእ።
ዝኾነ ነገር ምስ እንትንክፍ ከኣ ካልእ ሰብ ከይሓዞ ከሎ ምምካን። ኢድካ ቀጻሊ ምሕጻብ፤ ኩሉ ብጥንቃቀ ምግባር። በዚ ኣገባብ ነቶም ኣብ ከባቢኻ ዘለው ሰባት ከይለከምካ ክትሓልፍ ትኽእል።
ኣብዚ ምዕቡል ዓለም እቶም 80% ብኸምዚ እዮም ዝሕከሙ። ደሓር ግን እቲ ምልክታት እንተከቢዱ፡ ናይ ምስትንፋስ ሕጽረት እንተኣጋጢሙ በቲ ዝወሃብ መምርሒ ተጠቒምካ ናይ ሕክምና ሓገዝ ምሕታት ኣድላዪ ይኸውን።

ምንጪ ስእሊ, YH
ብመንጽር እዚ ናብቲ ከም በዓል ኤርትራ ዝኣመሰላ ዘይማዕበላ ሃገራት እንተመጺና እዚ ነብሰ ግለላ ዝበሃል ከተተግብሮ ኣዝዩ ከቢድ እዩ። ምኽንያቱ እቲ መነባብሮ ናይ ሕብረተሰብና ንፈልጦ ኢና። ስድራ ምልእቲ ኣብ ሓንቲ ክፍሊ ገዛ እያ ትነብር።
ኣብ ከምዚ ኩነታት ሓደ ሰብ እንተተለኺፉ፡ ከባቢ ብምልኡ እዩ ዝልከፍ። ስለዚ እዚ ምዕቡል ዓለም ዝስርሓሉ ነብሰ ግለላ እንብሎ፡ ኣብ ኣብዚ ዓጸጋሚ ስለዝኸውን ናይ መንግስቲ ኢድ ኣእታውነት ኣገዳሲ ይኸውን።
መንግስቲ ወይ ገበርቲ ሰናይ፡ ሆቴል ወይ መግለሊ ቦታ ከዳልው ኣለዎም። ዝኾነ ሰብ እቲ ምልክት ምስ ዘርእይ፡ ኣብ ገዛ ዘይኾነ ብቕልጡፍ ናብቲ ዝተዳለወ ስፍራ ክውሰድ ይግባእ። ብዘይካዚ ኣብ እዋን ምውሻብ፡ መንግስቲ፡ ጽሬት ውልቅን ኣከባብን ንምሕላው ዘኽእል መሰረታዊ ቀርባት ናይ ማይን መግብን ከማልእ ይግባእ።
ምዕባለታት መድሃኒትን ክታበትን ኮሮናቫይረስ ኣብ ምንታይ ደረጃ በጺሑ ኣሎ?
መድሃኒት ይርከብ ኣሎ በዚ መጽዩ በዚ ተቐልቂሉ እናበልካ ብዙሕ ዘረባታት እዩ ዘሎ። ብርግጽ ተስፋ ዘለዎ እዩ። ካብቲ ካልእ ቅድሚ ሕጂ ዝተርኣየ ሕማማት እዚ ሕማም ብፍሉይ ተጠሚቱ፡ ኣሎ ዝበሃል ወፍሪ ይግበር ኣሎ።
ኣለዋ ዝበሃላ ሃገራት ጥራይ ዘይኮነ ዝተፈላለያ ተወዳደርቲ ዝነበራ ካምፓኒታት ተመላላእቲ ኮይነን ዝሰርሓሉ ዘለዋ ብዙሕ ንዋትን ብዙሕ ገንዘብን ዝፈስሶ ዘሎ እዩ። ስለዚ ኣብ ሓጺር ግዜ እቲ መድሃኒት ወይ እቲ ክታበት ክርከብ ወይ ናብ ዕዳጋ ክመጽእ ምዃኑ ዘጠራጥር የብለይን።
ኣብ ሓጺር ግዜ ክብል ከለኹ፡ ብንቡር ኣሰራርሓ ሓደ መድነሃኒት ካብ ዝተማህዘሉ ክሳብ ናብ ዕዳጋ ዝበጽሕ ካብ 5 ክሳብ 20 ዓመታት እዩ ዝወስድ። ኣብ ሓደ ናይ ምርምር ትካል ተስፋ ዘለዎ ሓደ መድሃኒት ክርከብ ይከኣል እዩ። ግን ናብ ሰብ ቅድሚ ምብጽሑ ክሓልፎ ዝግባእ መስርሕ ኣሎዎ። ፈለማ ኣብ ጥርሙስ ብድሕሪኡ ኣብ እንስሳታት ውጽኢታዊ ኮይኑ እንተተረኺቡ ድማ፡ ናብ ከም ኤፍዲኤ (በዓልመዚ መግብን ኣፋውስን ኣሜሪካ) ወይ ሀልዝ ካናዳ ዝኣመሰሉ ትካላት ይሓልፍ።
እቲ መድሃኒት ኣብ ሰብ ጉድኣት የምጽእ ድዩ ኣየምጽእን ቀዳማይ ገጽ 'ክሊኒካል ትራያል' ይፍተን፡ ጉድኣት እንተለዎ ኮይኑ ማዕረ ክንደይ እዩ እቲ ጉድኣቱ ብኸመይ'ከ ክጎድል ይኽእል ዝብል መጽናዕትታት ይግበር።
ኣብቲ ቀዳማይ ገጽ እቲ ጉድኣቱ ደሓን እንተኸይኑ፡ ናብ ካልኣይ ገጽ ይሰግር ብዝሕ ኣብ ዝበሉ ሰባት ከኣ ይካየድ። ኣብዚ ካልኣይ ገጽ ኣድማዒ እንተኾይኑ ናብ ሳልሳይ ደረጃ 'ክሊኒካል ትራያል' ይሓልፍ። ሽዑ ኣብ ዝተፈላለያ ትካላት ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ ዝተፈላለየ ዘርኢ ዘለዎም ሕብረተሰባት ይፍተን ማለት እዩ። ኣብ ሳልሳይ ገጽ ኣድማዒ ኮይኑ ነቲ ክፍውሶ ዝተደለየ ሕማም ክፍውስ ከም ዝኽእል ምስ ተረጋገጸ እዩ ናብ ዕዳጋ ዝቐርብ።
ኣብዚ እዋን ዘሎ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ግና ክንድዚ ዕድል ስለ ዘይህብ፡ ዓመት ኣብ ዘይመልእ ግዜ ክቐርብ ይኽእል። ይኹን ደኣ እመበር፡ ድሕሪ 5 ወርሒ ዝመጽእ መድሃኒት ነዚ ለበዳ ክቆጻጸሮ ኣይኽእልን እዩ። እታ መድሃኒትና ኣብ ኢድና እያ ዘላ። ንሳ ከኣ እዚ ሕማም ብከመይ እዩ ዝመሓላለፍ ብኸመይ ኢና ንከላኸሎ ፈሊጠና ኣብኡ ክነተኩር የድልይ።
ምስ'ዚ ተተሓሒዙ መድሃኒትን ክታበትን ምፍልላዩ ኣገዳሲ እዩ። ክታበት ነኸይንሓምም መከላኸሊ እዩ፤ መድሃኒት ግን ነቲ ቫይረስ ካብ ኣካላትና ዝቐትል እዩ። ክልቲኡ ተስፋ ብዘለዎ ፍጥነት ይኸይድ ኣሎ። ክሳብ ሰለስተ ሚእቲ ፈተነታት ይካየድ ኣሎ። እቲ ናይ መድሃኒት፡ ኣቐዲሞም ንኤች ኣይቪ ንኢቦላ ወይ ንዓሶ ዝኣመሰሉ ሕማምት ንምፍዋስ ዘገልግሉ ዝነበሩ መድሃኒታት ኣብዚ እዋን ንኮቪድ-19 ይፍውሱ እንተኾይኖም ኣብ ፈተነ ኣለው ማለት እዩ። ኣብ ሓጺር ግዜ ክዕወት ተኽእሎ ኣሎ።
መንግስታት ካብቲ ቀንዲ ክገብርዎ ዘለዎም ኣብዚ ግዜ'ዚ ንህዝቦም ከንቅሑ እዩ። እቲ ዘለዎም ኣጽዋር እቲ ዘለዎም ዓቕሚ ኣብዚ ሰዓት'ዚ ክልተ ነገራት እየን። እቲ ሓደ ብቐጻሊ ንህዝቦም ከንቅሑ፡ ከዳልው እዩ ዘለዎም። ምኽንያቱ ኣብ ንቕሓት ዝተሞርኮሰ ነብሰ ምኽልካል ደኣ'ዩ ውጽኢታዊ ክኸውን ዝኽእል እምበር፡ ኣገዲድካ ብፖሊስ ገዛ ክትዕጾ ኣለካ ኢልካ ምዕጻው ውጽኢታዊ ኣይከውንን እዩ።
እቲ ሰብ ናይ ብሓቂ ክርድኦ ክኽእል ኣለዎ። ንኽርድኦ ከኣ በቲ ዝኽእሎ ቋንቋ እናተዛረብካ እቲ ዝድለ ቀረብን ሓገዝን እናገበርካ እዩ ክኸውን ዘለዎ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







