ምልክታት ኮሮናቫይረስ እንታይ’ዮም ብኸመይ ከ ንከላኸሎም?

ኮኖናቫይረስ ዛጊት ህይወት ልዕሊ 217 ሽሕ ሰባት ክልክም ከሎ፡ ልዕሊ 3.1 ሚልዮን ሰባት ተለኺፎም እዮም።
ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ቦሪስ ጆንሰን ሓደ ካብቶም ብጽኑዕ ሓሚሙ ዝነበረ ኮይኑ፡ ሕጂ ሓውዩ ኣብ ደሓን ኩነታት ይርከብ።
ምልክታት ኮሮናቫይረስ እንታይ'ዮም?
ኮሮናቫይረስ ንሳነቡእ እዩ ዘጥቅዕ። እቶም ክልተ ቀንዲ ምልክታትከኣ፡ ረስኒን ደረቕ ሰዓልን ኮይኖም ሓደ ሓደ ግዜ ጸገማት ምስትንፋስ የስዕቡ።
እቲ ክነስተብህለሉ ዘሎና ሰዓል፡ ሓድሽ ዘየቋርጽ እዩ። ንኣብነት ንልዕሊ ሓደ ሰዓት ምስዓል ወይ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓት ንልዕሊ ሰለስተ ግዜ ንንውሕ ዝበለ ደቓይቕ ምስዓል። ኣስተውዕሉ እዚ ካብቲ ንቡር ዝኾነ ሰዓል ዝኸፍአ እዩ።
ሙቀት ኣካላትና ካብ 37.8 ዲግሪ ሴንቲግሬድ ክዛይድ ከሎ፡ ረስኒ ይበለል። ኣብዚ ኩነታት ሙቐት ወይ'ውን ዘንገብግብ ቁሪ ክስምዓካ ይኽእል።
ኣብ ጎረሮና ነድሪ፡ ሕማም ርእሲ ውጽኣት ከምኡውን መቐረትን ሽታን ናይ ምስትምቓር ስምዒት ምጥፋእ ካልኦት ምልክታት እዮም።
ብማእከላይ ገምጋም ሓደ በቲ ቫይረስ ዝተለኽፈ ሰብ ነቲ ምልክታት ንምርኣይ ክሳብ ሓሙሽተ መዓልቲ ክጸንሕ ይኽእል፤ ኣብ ገለ ሰባት ድማ ዝያዳ ይድንጉይ። እቲ ቫይረስ ንኽራባሕ 14 መዓልታት ከም ዝወስደሉ፡ ውድብ ጥዕና ዓለም ይሕብር።
ማእከል ምክልኻልን ምቁጽጻርን ሕማማት ኣሜሪካ፡ 18 ሚያዝያ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ነዞም ዝስዕቡ ዝርከብዎም ምልክታት ክነስተብህለሎም ይመክር፦
- ገብገብታ
- ቃንዛ ጭዋዳታት
- ሕማም ርእሲ
- ነድሪ ጎረሮ
- መቐረትን ሽታን ናይ ምስትምቓር ስምዒት ምጥፋእ
ዝርግሐ ዝተረጋገጸ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ

ሰባት መዓስ'ዮም ናብ ሆስፒታል ክኸዱ ዘለዎም?
መብዝሕትኦም ብኮሮናቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት፡ ከም ፓራሴታሞል ዝኣመሰለ ናይ ቃንዛ መድሃኒት ብምውሳድን ብምዕራፍን ጥዕንኦም ናብ ንቡር ኩነት ይምለስ እዩ።
እቶም ናይ ሆስፒታል ሓገዝ ዘድልዮም እቶም ናይ ምስትንፋስ ጸገም ዘጋጠሞም እዮም።
ሓካይም ናይ ሳንቡእ መርመራ ብምግባር ክሳብ ክንደይ ተሓስዩ ከም ዘሎ ብምርኣይ ኣድላዪ ምስ ዝኸውን ናይ መተንፈሲ ሓገዛት ይገብሩሎም።
እንተኾነ ግን ሰባት ናብ ክፍሉ ህጹጽ ረድኤት ክኸዱ የብሎምን። ናብቲ ብሚኒስትሪ ጥዕና ዝተወሃበ ቁጽሪ ብምድዋል ኣምቡላንስ ክለዓኸሎም ይኽእል እዩ።

ኣብ ክፍሊ ህጹጽ ረድኤት እንታይ ይግበረሎም?
ክፍሊ ህጹጽ ረድኤት ወይ ኣይሲዩ ብጽኑዕ ዝሓመሙ ሰባት ዝሕከምሉ እዩ።
ሕሙማት ኮሮናቫይረስ ናይ ኦክስጅን ሓገዝ ይግበረሎም፡ ኣገዳሲ እንተኾይኑ ቱቦ ብኣፍንጫ ከም ዝኣቱ ይግበር።
ኣብቶም እቶም ብጽኑዕ ዝሓመሙ ሰባት ብኣፍ፡ ብኣፍንጫ ወይ ኣብ ጎረሮ ብዝግበር ቀዳድ ቱቦ ከም ዝኣቱ ብምግባር ከስተንፍሱ ብቨነቲሌተር ሓገዝ ይግበረሎም።

ገለ ምልክታት ምስ ዝርእይ እንታይ ክገብር ይግብኣኒ?
ነቶም ቀለልቲ ምልክታት እቲ ሕማም ምስ እትርእይ እንተወሓደ ንሸውዓተ መዓልትታት ንርእስኻ ኣብ ገዛ ምግላል።
በቲ ቫይረስ ምስ ዝተለኽፈ ሰብ ተራበኺብካ እንተኔርካ'ውን ንርእስኻ ኣብ ገዛ ምግላል የድልይ።

ኮሮና ቫይረስ ክሳዕ ክንደይ'ዩ ሓደገኛ?
ብምኽንያት እቲ ቫይረስ ዝስዕብ ሞት፡ ካብ 1% ክሳብ 2% ምዃኑ እዩ ዝግለጽ፤ ግና እቲ ኣሃዝ ክውስኽ ከም ዝኽእል እዩ ዝግለጽ።
ውድብ ጥዕና ዓለም ብመሰረት ካብ 56,000 ሕሙማት ኮሮናቫይረስ ዝኣከቦ ጸብጻብ፡
- 6% ብጽኑዕ ይሓሙ
- 14% ብርቱዕ ምልክታት የርእዩ
- 81% ፈኲስ ምልክታት እዮም ዘርእዩ
ብዕድመ ዝደፍኡ፡ ካልእ ከም ኣዝማ፡ ሽኮርያ፡ ሕማም ልቢ፡ ጸቕጢ ደም ዝኣመሰሉ ናይ ጥዕና ጸገማት ዘለዎምን ሰባት ብጽኑዕ ክሓምሙ ይኽእሉ። ደቂ ተባዕትዮ ድማ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ በቲ ቫይረስ ክጉድኡ ይኽእሉ።



ብኸመይ ንርእስና ክንከላኸል ንኽእል?
ውድብ ጥዕና ዓለም ካብ ዝህቦም ምኽርታት እዞም ዝስዕቡ ይርከብዎም፡
- ኣእዳውኩም ተሓጸቡ- ሳሙናን ናይ ኢድ መሕጸቢ 'ጀል'ን ንቫይረስ ክቐትል ይኽእል'ዩ
- ክትስዑሉ ከለኹም ኣፍኩምን ኣፍንጫኹምን ተሸፈኑ- እንተ ተኻኢሉ ብ'ቲሹ' (ሶፍት)- ድሕሪኡ ድማ ነቲ ቫይረስ ንኸይላባዕ ኣእዳውኩም ተሓጸቡ።
- ዓይንኹም፡ ኣፍንጫኹምን ኣፍኩም ኣይትሓዙ- በቲ ቫይረስ ዝተለኽፈ ነገራት ምስ እትሕዙ ናብ ኣካላትኩም ክሰግር ስለዝኽእል
- ናብ ዝስዕሉ ይኹን ዝህንጥሱ ወይ ድማ ረስኒ ዘለዎም ሰባት ኣይትጸግዑ- እቲ ቫይረስ ከናጥርዎ ስለዝኽእሉ- እንተ ተኻኢሉ ሓደ ሜትሮ ካብኦም ክትርሕቁ ይምረጽ








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







