ካብ ጥሪ ክሳብ መጋቢት፡ ልዕሊ 9 ሽሕ ኤርትራውያን ኣብ ኢትዮጵያ ዑቕባ ሓቲቶም

ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ መቐበሊ ስደተኛታት እንዳባጉና - 2017

ምንጪ ስእሊ, IOM

መግለጺ ስእሊ, ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ መቐበሊ ስደተኛታት እንዳባጉና - 2017

ኣብ ቀዳማይ ርብዒ ዓመት 2020፡ ማለት'ውን ካብ ጥሪ ክሳብ መጋቢት ኣብ ዘሎ ግዜ፡ 9,463 ሓደሽቲ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዑቕባ ከም ዝሓተቱ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።

ትካል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት (ዩኤንኤችሲኣር) ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ኣብ ክልላት ትግራይን ዓፋርን ንዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብዝምልከት ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ኣብቲ ዝተጠቐሰ ግዜ ብማእከላይ በብወርሑ 3,000 ሓደሽቲ ስደተኛታት ከም ዝኣትዉ ገሊጹ'ሎ።

ካብቶም ሓደሽቲ ስደተኛታት፡ እቶም ኣስታት 32 ሚኢታዊት ቆልዑ ከም ዝኾኑ ድማ ገሊጹ'ሎ።

ኢትዮጵያ፡ ንምክልኻል ኮሮናቫይረስ 24 መጋቢት ዶባታ ከም ዝዓጸወት ዝገለጸ እቲ ትካል፡ ንሰደተኛታት ተቐቢሉ ዝምዝግብን ዘመሓድርን መንግስታዊ ኣካል'ውን ንጥፈታቱ ደው ኣቢሉ ምህላዉ ገሊጹ'ሎ።

"እንዳ ኣራ ኣብ ዶብ ዝገብርዎ ዝነበሩ ንጥፈታት ምቕባልን ምምማይን ሓተትቲ ዑቕባ ደው ኣቢልዎ ኣሎ" ይብል እቲ ጸብጻብ።

ብተወሳኺ፡ ኣብ ትግራይ እንዳባጉናን ኣብ ዓፋርን ዘካይዶ ዝነበረ ምዝገባ ስደተኛታት'ውን ደው ኢሉ ምህላዉ ሓቢሩ።

ኤርትራውያን ካብ ሃገሮም ወፂኦም ናብ ኢትዮጵያ ንኽኣትዉ፡ ኣብ ከባቢ ዶብ ኣብ ዝርከባ ከተማታት እዮም ዝምዝገቡ።

ብድሕሪኡ ምስ ተኣከቡ፡ ብኣውቶቡሳት ናብ ምዕራብ ትግራይ ከተማ እንዳ'ባጉና ይጓዓዙ። ኣብ ከተማ እንዳ'ባጉና ምፅራይ ምስተኻየደሎም ከኣ ናብ መዓስከራት ተመዲቦም ይኣትዉ።

እንተኾነ፡ ኢትዮጵያ ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ዶባታ ቅድሚ ምዕጻዋ'ውን እንተኾነ፡ ንኤርትራውያን ስደተኛታት ከምቲ ንቡር ትቕበል ዘይምህላዋን፡ ዘይተመዝገቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ድማ ኣብ ሻቕሎት ምህላዎምን ክግለጽ ጸኒሑ እዩ።

ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ንመሰል ደቂ ሰባት ዝሕለቕ ዓለማዊ ትካል ሂዩማን ራይትስ ዎች፤ መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ጥሪ 2020 ጀሚሩ፡ ንኤርትራውያን ሓተትቲ ዑቕባ ዘአንግደሉ መስርሕ ብዘይወግዓዊ መገዲ ቀይርዎ እዩ ምባሉ ዝዝከር እዩ።

ኢትዮጵያ ንሓተትቲ ዑቕባ ኣይምዝግብን ምባላ፡ እቶም ስደተኛታት ናብቲ ዝሃደምዎ ሕማቕ ኩነታት ክምለሱ ዘገድድ እዩ ብምባል፡ እዚ ድማ "ንዓለምለኻዊ ሕጊ ስደተኛታት ዝጥሕስ እዩ" እውን ኢሉ ነይሩ።