ብጻዕዳ ፖሊስ ተሓኒቑ ዝተቐትለ ጸሊም ኣመሪካዊ ቁጥዐ ኣልዒሉ

እቲ ክሳዱ ዝተሓነቐ ጸሊም ወዲ፡ ትንፋስ ሓጺርዎ ውንኡ ክስሕት'ውን ኣብቲ ብመንገደኛ ዝተስኣለ ቪድዮ ይረኣይ።

ምንጪ ስእሊ, Darnella Frazier

ኣብ ክፍለሃገር ሚኒሶታ፡ ከተማ ሚንያፖሊስ፡ በቲ ኣባላት ፖሊስ ዝፈጸምዎ ቅትለት ሓደ ጸሊም ኣመሪካዊ፡ ዝተቖጥዑ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ናዕበኛታት ምስ ኣባላት ፖሊስ ተጋጭዮም።

ፖሊስ ነቲ ናዕቢ ንምብታን ዘንብዕ ጋዝ ክጥቀሙ እንከለዉ፡ እቶም ናዕበኛታት ብወገኖም ኣዳርባ እምኒ ግብረመልሲ ከም ዝሃቡን፡ ንናይ ፖሊስ መካይን ብሕብሪ ከም ዘበላሸውን ተፈሊጡ።

ኣብቲ ቅትለት ዝተሳተፉ ኣርባዕተ ኣባላት ፖሊስ ካብ ስርሖም ክባረሩ እንከለዉ፡ ከንቲባ'ታ ከተማ፡ ጸለም ምዃን "ናይ ሞት ፍርዲ ክኸውን የብሉን" ኢሉ።

---እቲ ጉዳይ ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ እዩ ኣጋጢሙ። ሓደ ጻዕዳ ፖሊስ፡ ንሓደ ብረት ዘይዓጠቐ ጸሊም ኣመሪካዊ ኣብ መሬት ኣውዲቑ፡ ብብርኪ እግሩ ድማ ንኽሳድ እቲ ጸሊም ረጊጽዎ።

እቲ ክሳዱ ዝተሓነቐ ጸሊም ወዲ፡ ትንፋስ ሓጺርዎ ውንኡ ክስሕት'ውን ኣብቲ ብመንገደኛ ዝተስኣለ ቪድዮ ይረኣይ።

ድሕሪ'ዚ እዩ ህይወቱ ሓሊፉ።

ቤት ጽሕፈት መርመራ ገበን ኣመሪካ ኤፍቢአይ ድማ ነዚ ጉዳይ ከጻርዮ ጀሚሩ'ሎ። እቶም ኣብ'ቲ ፍጻመ ዝነበሩ 4 ፖሊስ፡ ካብ ስርሖም ከም ዝተሰጎጉ ተገሊጹ'ሎ።

ነቲ ዘሰንብድ ፍጻመ ዘርእይ ቪድዮ፡ ብዙሓት ሰባት እዮም ኣብ ማሕበራዊ መራኸብታት ተቐባቢሎምዎ።

ኣብዚ ቪድዮ፡ እቲ ፖሊስ ክሳዱ ረጊጹ ሓኒቕዎ እንተሎ፡ እቲ ጸሊም "ከስተንፍስ ኣይከኣልኩን" ክብል ይስማዕ።

ጽንሕ ኢሉ'ውን "ኣይትቕተለኒ" ኢሉ ክምሕጸን ይረኣይ። እቲ መዋቲ፡ ጆርጅ ፍሎይድ ዝበሃል ወዲ 46 ዓመት እዩ።

ንሱ፡ ኣብ ሓደ እንዳ መግቢ ሓለዋ እዩ ዝሰርሕ ነይሩ።

እቲ ኣብ ልዕሊ ፍሎይድ ዘጋጠመ ዘሰንብድ ፍጻመ፡ ነቲ ብተመሳሳሊ መገዲ ብጭካነ ጻዕዳ ፖሊስ ዝተቐተለ ኤሪክ ጋርነር ዘዘክር ጉዳይ ኮይኑ'ሎ።

ኤሪክ ጋርነር'ውን፡ ኣብ 2014 ክሳዱ ብፖሊስ ተሓኒቑ "ከስተንፍስ ኣይከኣልኩን" እናበለ እዩ ሞይቱ።

እቲ ዝሓለፈ ሰኑይ ዝሞተ ጆርጅ ፍሎይድ ድማ፡ ፖሊስ ክሳዱ ረጊጽዎ ምስተሓነቐ፡ ናብ ሕክምና ምስ ተወሰደ እዩ ምሟቱ ተገሊጹ።

በዚ ፍጻሜ ዝተቐጥዑ ሰባት ንመዋቲ ናይ ፈሎም ስነ ስርዓት ገይሮምሉ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ነቲ ዝነበረ ኩነታት ዘርእይ ቪድዮ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ምስ ተዘርገሐ፡ ከንቲባ ከተማ ሚኒያፖሊስ ጃኮብ ፍሬይ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝሃበ ኮይኑ፡ ነቲ ፍጻመ ዘሕፍርን ዘስካሕክሕን ክብል ገሊጽዎ።

"ነቲ ዝረኣኽዎ እኣምኖ እየ። እቲ ዝረኣኽዎ ድማ ብዝኾነ መዐቀኒ ጌጋ እዩ። ኣብ ኣመሪካ ጸሊም ምዃን ሞት ዘፍርድ ሓጥያት ክኸውን የብሉን" ክብል ኮኒኑ።

ኣብ ኣመሪካ፡ ጸዓዱ ፖሊስ፡ ኣብ ልዕሊ ጸለምቲ ዘይተመጣጣኒን ጭካነ ዝተመልኦን ስጉምቲ ክወስዱ እዚ ናይ መጀመርያ ኣይኮነን።

ናይ ቀረባ እዋን እኳ እንተርኢና፡ ሓደ ፖሊስ ንሓደ ጸሊም ኣመሪካዊ ኣብ መኪንኡ እንከሎ ብጥይት ቀቲልዎ እዩ።

ነቲ ብሰኑይ ዘጋጠመ ኩነታት ን 10 ደቒቕ ብቪድዮ ዝሰኣሉ መሰኻኽር፡ እቲ ፖሊስ እግሩ ካብ ክሳድ እቲ መዋቲ ከልዕል ክሓትትዎ ይስምዑ።

"ኣፍንጭኡ ደምዩ'ሎ" --- "እግርኻ ኣልዕሎ" ዝብሉ ድምጽታት ኣብቲ ቪድዮ ኣለዉ። ድሕሪ'ዚ፡ እቲ ጸሊም ወዲ ገለ ምንቅስቓስ ኣየርእይን። ብኣንቡላንስ ከኣ ናብ ሕክምና ተወሲዱ።

ፖሊስ ግን፡ ኣብ ሰስፒታል ምስበጽሐ እዩ ሞይቱ እዩ በብል።