"ኣንታ ኢትዮጵያዊ ኢሉ ክጻረፍ ሰሚዔስ ሓዚነ"

ምንጪ ስእሊ, Indrias Getachew
ምስ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዓለም ብርክት ዝበሉ ዓመታት ዘቑጸረ እንድርያስ ጌታቸው ካብ ዕድመ ንእስነቱ ኣትሒዙ ኣብ ውሽጡ ዝነበረ ፊልም ናይ ምስራሕ ሕልሙ 'ብሪዝ ኢን ዘ ሩትስ' ኢሉ ኣብ ዝሰየሞ ፊልም ግሁድ ክገብር ኪኢሉ'ዩ።
'ብሪዝ ኢን ዘ ሩትስ' ዝተሰየመ እዚ ጥንታዊ ትሕዝቶ ዘለዎ ፊልም ካብ ዝሓለፈ መፋርቕ መጋቢት ጀሚሩ ኣብ ፌስቲቫል ፊልምታት 'ኒው ኣፍሪቃ' ሕጹይ ኮይኑ ቀሪቡ ነይሩ።
ፊልሚ እንድርያስ ኣብቲ ፌስቲቫል ፈላማይ ሕፀይኢትዮጵያዊ ፊልሚ'ዩ እኳ እንተዘይተባህለ ሓቃዊ ነገራት ከርኢ ዝኻኣለ ፊልም ብምዃኑ ግን ፍሉይ ከምዝገብሮ ተገሊጹ።

ምንጪ ስእሊ, Indrias Getachew
እቲ ፊልሚ ሓደ ታይሮን ዮሴፍ ዝተብሃለ ጸሊም ኣሜሪካዊ መንነቱ ክደሊ ናብ ኢትዮጵያ ዝገብሮ ጉዕዞ ዘዘንቱ'ዩ።
ክሪስ ፈለማ ናብ ኣፍሪቃ ምስመጸ ናበየነይቲ ሃገር ከምዝኸይድ ርገጸኛ ኣይነበረን።
እንተኾነ ግን መበቆል ዓሌቱ ናይ ምፍላጥ ሕልሙ ምስተገለጸሉ ናብ ላሊበላ ክጎዓዝ ከምዘለዎ ምስተረድአ ድማ ናብኡ መንፈሳዊ ጉዕዞ ጀሚሩ።
ክሪስተን ናብ ላሊበላ ጉዕዞ ቅድሚ ምጅማሩ ሓሳቡ ንእንድርያስ የዋግዖ እሞ እንድርያስ እቲ ትልሚ ከምዝፈትዎን ምስኡ ብሓባር እትጓዓዝ ሓንቲ ጉጅለ ቀረጻ ከምዘዳሉ ተሰማሚዖም'ዩ እቲ ስራሕ ተጀሚሩ።
ክሪስ ናብ ላሊበላ ዘካየዶ ጉዕዞ ፍልይ ዘብሎ ነገር እንተሎ ብመኪና ወይ ከዓ ብነፋሪት ዘይምዃኑ'ዩ።
"ክሪስ 'ኣምላኽ ብዝፈጠሮ እንስሳን እግረይን ጥራይ እየ ዝጓዓዝ ምስበለኒ ብጣዕሚ እየ ተሓጕሰ'' ይብል ኣሰናዳኢ እቲ ፊልም እንድርያስ።

ምንጪ ስእሊ, Indrias Getachew
እቲ ጉዕዞ ብሓፈሻ 45 መዓልታት ከምዝወድአ ዝዛረብ እንድርያስ ብፍላይ ድማ መልክዕን ሰውነትን ክሪስ ኣዝዩ ከምዝተቐያየረ ይገልጽ።
ዋላ እኳ ክሪስ ናብ ላሊበላ ንኽበጽሕ ልዕሊ ሓደ ወርሒ እንተወደአሉ እቲ ፊልሚ ንምስራሕ ግን ልዕሊ ኣርባዕተ ዓመታት ወሲዱ።
"እቲ ፊልሚ ንምስራሕ ክንድዚ ገንዘብ ወዲኡ'ዩ እኳ እንተዘይበልኩ" ዝብል እንድርያስ እቲ ፊልሚ ዘሕለፎ መልእኽቲ ኣዝዩ ጠቓሚ ከምዝኾነ ይዛረብ።

ምንጪ ስእሊ, Indrias Getachew
እንድርያስ ነዚ ፊልሚ ንኽሰርሕ ካብ ዘለዐዓሎ ምኽንያት ሓደ ኣብ ኣሜሪካ ተመሃራይ ካልኣይ ብርኪን ዩኒቨርስትን ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ መላእ ዓለም ዘስካሕኽሐ ጥምየት ኣጋጢሙ ነይሩ።
በዚ ምኽንያት ኣብቲ ዝመሃረሉ ዝነበረ ዩኒቨርስቲ ኣብ ሓደ ወቕቲ ክልተ ጸለምቲ ኣሜሪካውያን ይበኣሱ እሞ እቲ ሓደ ነቲ ሓደ መባእስቱ " ኣንታ ኢትዮጵያዊ" ኢሉ ከምዝጸረፎ ይዝክር።
"በዚ ኩነት ኣዝየ ሓዚነ። ምኽንያቱስ እዞም ሰባት ታሪኽ ኢትዮጵያ ብዝግባእ እንተዝፈልጡ ነይሮም ኣይኮነን ንኢትዮጵያውያን ንመላእ ኣፍሪቃ መሊኡ ክፈስስ ዝኽእል ዛንታ ከምዘለና ምተረድኡ ኢለ ሓሲበ" ይብል እንድርያስ።
እቲ ናይ ሽዑ ኣጋጣሚ ክሳብ ክንደየናይ ዝኣክል ልቡ ከምዝሰበሮ የዘንቱ።
ካብዚ ተበጊሱ እዩ እምበኣር እንድርያስ ከም መጠን ደራስን ጋዜጠኛን ሰናይ ምስሊ ኢትዮጵያ ንማሕበረሰብ ዓለም ብኸመይ ከላሊ ከምዘለዎ ክሓስብ ዝጀመረ።

ምንጪ ስእሊ, Indrias Getachew
ክርስተን ጆዜፍ ናብ ቢሮ እንድርያስ መጺኡ ብዛዕባ እቲ ናብ ላሊበላ ክገብሮ ዝሓሰቦ ጉዕዞ ምስ ኣካፈሎ ነቲ ንዘበናት ኣብ ውሽጡ ዝመላለስ ዝነበረ ሕቶ ምላሽ ከምዝረኸበ ገይሩ'ዩ ወሲድዎ።
" ካባይ ንላዕሊ ናታቶም ብዝኾኑ ሰባት እቲ ሓቃዊ ዛንታ ኢትዮጵያ እንትንገሮም ዝለዓለ ተኣማንነት ከሕድር ይኽእል'ዩ" ዝብል እንደርያስ ኣብቲ ፊልሚ እትቕረጽ ኢትዮጵያ ብዛዕባ እቲ ቅድሚ ሕጂ ብሰንኪ ዘጋጠመ ጥምየት ሽማ ጠፊኡ ዝነበረት ኢትዮጵያ ዳግማይ ሽማ እትሐድሰሉ ኣጋጣሚ ከምዝኾነ ኣሚንሉ።
እንድርያስ ዘሰናድኦ ፊልሚ 'ብሪዝ ኢን ዘ ሩትስ' ኣብ ፌስቲቫል ፊልሚታት ኒው ኣፍሪቃ ክሕጸ ምኽኣሉ ኣዝዩ ከምዘሐጎሶ ሓቢሩ። ብፍላይ ኣብ ዓለም ኣለዉ ምስ ዝበሃሉ ፊልምታት ተርታ ክሰለፍ ምኽኣሉ ውሽጣዊ ሃሴት ከምዝፈጠረሉ ንቢቢሲ ኣብሪሁ።
ብዙሓት ኣብ ወጻኢ ዝቕመጡ ሰባት ነቲ ፊልሚ ርእዮም ንባዕሎም ኣካል ናይቲ ጉዕዞ ክሳብ ዝኾኑ ከምዝሰመዖም ብተደጋጋሚ ገሊጾሙለይ እዮም ዝብል እንድርያስ ብፍላይ ካብ ዓዶም ንብዙሕ ዓማታት ዝተፈለዩ ኢትዮጵያውያን ነቲ ፊልሚ ርእዮም ዓዶም ክናፍቑን ሕርቕርቕ ከምዝብሉ ምዕዛቡ ይዛረብ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







