እታ "ስዉራት" ሕሳባት ኢንስታግራም እትከታተል ጓል ኣንስተይቲ

ጓል 22 ዓመት ኢዮንቦ ብሊንድሃይም፡ ኣብ ሞባይላ ዝንበብ ሃሰስ እናበለት፡ ንምንታይ "እታ ሓላዊት ህይወት [ዘ ላይፍ ጋርድ]" ዝብል ሳጓ ከምዝተዋህባ ትገልጽ።
"ብዙሓት ክሞቱ ዝደልዩ ሰባት`ዮም ዝመጹኒ" ትብል እዛ ኖርወጃዊት መንእሰይ። "ሓደ ሰብ ነብሰይ ክቐትል`የ እናበለኒ ሸለል ብምባል ጽቡቕ ነገር ከጋጥም ክጽበ ኣይክእልን" ትብል ኢዮንቦ።
ነብሰ-ቕትለት ክፍጽሙ ንዝደልዩ ተጠቀምቲ ኢንስታግራም ምድሓን ኢዮንቦ ትመርጾ ስራሕ ኣይነበረን። ምስ ኢንስታግራም ኣይትሰርሕን`ያ፡ ነቲ እትሰርሖ ስራሕ`ውን ኣይትኽፈልን`ያ። ብሞያ ክንክን ሕማም ኣእምሮ ዝወሰደቶ ስልጠና ስለዘየለ`ውን ሓገዝ ክትህብ ወግዓዊ ብቕዓት የብላን።
ነቶም ተስፋ ናይ ምቑራጽ ጽሑፋት ኣብ ኦንላይን ዝጽሕፉ ሰባት ንሳ ናይ መወዳእታ ዕድሎም ምዃና ስለእትፈልጥ ግን ሓገዝ ናይ ምብርካት ግዴታ ከምዘለዋ ትኣምን።
"ሞባይለይ ሒዘ እከታተል እንተዘይሃልየ፡ ሰባት ዝርእዮም ኣብ ዘይብሉ እዋን ነብሶም ይጎድኡ ይህልዉ ኢለ እሓስብ" ትብል።
እዚ ማለት ድማ ብቐጻሊ ኢንስታግራም ምክትታልን ነቶም ነብሰ-ቕትለት ክፍጽሙ ዝተገማገሙ ምልላይን ንፖሊስን ሰራሕተኛታት ኣምቡላንስ ምሕባር ማለት`ዩ።
ድቃስ ዘይብላ ከም ትሓድር ድማ ተኣሚና። ኣቓልቦኣ ብሞባይላ ዝተሰልበ ምዃኑ ንስድርኣን ፈተውታን ከምዘሕርቖም ትፈልጥ`ያ፡ እንተኾነ ግን ንሳ ብዘይምንቅሓ ዝኾነ ሰብ ክመውት ስለዝኽእል ትጭነቕ። "ሕማቕ ከጋጥም ይኽእል`ዩ፡ ኣጋጢሙ`ዩ ኸኣ" ኢላ ኢዮንቦ።
ኢዮንቦ ኣብ`ዚ እዋን ን450 ውልቃውያን ሕሳባት ኢንስታግራም ትከታተል። ክትከታተሎ ቅድሚ ምጅማራ ግን ፍቓድ ናይ ዋናታቶም ክትረክብ ኣለዋ። ውሑዳት ኣወዳት`ውን`ኳ እንተሃለዉ፡ መብዛሕትኦም ኣብ ጸበባ ብዘለዋ ኣዋልድ ዝውነኑ`ዮም። ኣብ ጽሑፍ ብዘይሰፈረ "ምስላይ የለን" ብዝብል ሕጊ ዝመሓደር ውልቃውያን ኣተሓሳስባታት፣ ምስልታትን ንስሓታትን ዝመልኦ ምስጢራዊ ዓለም`ዩ።
ናብ ፖሊስ ኣብ እትድውለሉ እዋን፡ ብዛዕባ`ቶም ኣባላት ጉጅለ ኢንስታግራም ብዙሕ ሓበሬታ ንዘይምሃብ ጥንቅቕቲ`ያ። መብዛሕትኡ እዋን ብዛዕባ`ቶም ምስጢራዊ ስም ዝጥቀሙ ሰባት እኹል ሓበሬታ ንምርካብን ንምትሕልላፍን ኣብ እትገብሮ ጻዕርታት መርማሪት ገበን ዝኾነት ኮይኑ`ዩ ዝስምዓ።
ካብ ክኢላታት እትረኽቦም ምላሻት-ግብሪ ግን ዝተሓዋወሱ`ዮም። ሓደ ሓደ እዋን ትምስገን፡ ኣብ ካልእ እዋን ድማ ሰብ ኣይኣምናን።
ኣብ ፈለማ ናይ`ዚ ዓመት`ዚ፡ ሓንቲ ጓል ነብሳ ክትቀትል ኣብ ትደናደን ኣብ ዝነበርትሉ እዋን ንፖሊስ ሓቢራ። እቶም ፖሊስ ግን እታ ጓል ቅድሚ`ቲ እዋን`ቲ 16 ጊዜ ከምኡ ክትገብር ፈቲና`ያ ብምባል ኣይኣመንዋን። ንጻባሒቱ ግን ናብ ኢዮንቦ ደዊሎም እታ ጓል ከም ፈኸርኣ ከምዝገብረት ሓቢሮማ።
"ደሃያ ክገብሩ ለሚነዮም፡ ዕቱብ ገይሮም ግን ኣይወሰድዎን" ኢላ ኢዮንቦ።
ኢዮንቦ ኣብ ናታ ተሞክሮ ተመርኲሳ፡ ሓይሊ ምክፋል ሓሳባት ኣብ ኦንላይን ትፈልጦ`ያ። ንሳ ቲነጀር [ኣብ ክሊ ዕድመ 13-19] ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ምዝንባል ስርዓት ኣመጋግባ ምስ ኣጋጠማ`ያ ነቲ ሰባት ብዘይ ሕብእብእ ብዛዕባ ሸውሃት-ኣልቦነትን ነብሰ-ሃስያን ዝጽሕፍሉ ሕሳባት ትዊተር ክትከታተል ጀሚራ።

"እቶም ሕሳባት፡ ግንዛበ ካብ ዘለዎምን ክሕግዙ ካብ ዝደልዩን ሰባት ብዙሕ ኣድህቦ ከምዝረኽቡ ምስ ርኣኹ፡ ኣነ`ውን ከም`ኡ ክገብር ብሂገ፡ ምኽንያቱ ኣካል መሓዙተይ ከምዘይኮንኩ ተረዲአ" ኢላ ኢዮንቦ።
ተጠቀምቲ ድማ ነቲ ምሕጋዝ`ዮም እወታዊ ሸነኽ ናይ ማሕበረሰብ ኦንላይን ገይሮም ዝርእይዎ። ሓደ ሓደ ጊዜ፡ ካልኦት ሰባት፡ ብፍላይ ድማ ዓበይቲ ሰባትን ወሃብቲ ሕክምናዊ ሓገዝን ወጊድ በሃልትን ነቐፍትን ኣብ ዝኾንሉ እዋን እቶም ሕሳባት ኦንላይን ዝሰምዖም ኣእዛን ዝረኽብሉ መድረኽ ክኾኑ ይኽእሉ`ዮም ትብል ንሳ።
እዞም መርበባት ኢንስታግራም ግን፡ ውሑሳት ሰፈራት`ዮም። እንተኾነ ግን ሰባት ኣብኡ ዝረኽብዎም ጽቡቓት ነገራት፡ በቶም ኣብ`ኦም ዝርከቡ ሕማቓት ነገራት ይዋሓጡ ትብል ኢዮንቦ። ሓለፋ ፍሉይነት ዘለዎም ሓሳባት ወይ ምስልታት እንተኣስፊርካ ዓስቢ ትረክብ። እቲ ሓሳብ ክፉእ ወይ ዘሕዝን እንተኾይኑ፡ ዝያዳ ምፍታውን [ላይክ] ኣድህቦን ትረክብ ትብል ኢዮንቦ።
ናይ ውድድር ስምዒታት ፈጢሮም ከም ሓበሬታ ናይ ጽሑፍ [ማንዋል] ኮይኖም ድማ፡ ንነብስኻ ብኸመይ ከምትጎድእ ይሕብሩ።
"እቲ ማሕበረሰብ ኦንላይ ከመይ ጌርካ ህይወትካ ከምተሕልፍ፣ ከመይ ጌርካ ንነብስኻ ብጥሜት ትቐጽዓ፣ ከመይ ጌርካ ዝበላዕካዮ መግቢ ከምተጥፍኦ ወይ ሕማምካ ትሓብእ ሓበሬታታት ስለዝህቡ፡ ንሽግራት ሰባት ዘጋድዱ ይመስለኒ" ኢላ ኢዮንቦ።
ስእልታት ናይ ዝማሰነ ሰውነታ ኣብ ትዊተር ምስ ለጠፈት፡ ሓደ ፈዋሳይ [ቴራፒስት] ስእልታታ ንኻልኦት ሰባት የተባብዑ ኣለዉ ኢሉ ኣጠንቂቕዋ።
ነብሶም ዝጎድኡ ሰባት ካብ ትዊተር ናብ ኢንስታግራም ግዒዞም፡ ምኽንያቱ ዝጽሕፍዎም ነገራት ክርእይሎም ካብ ዘይደልዩ ሰባት ንምሕባእ፡ ኣብ`ኡ ዝቐለለ ስለዝኾነ።
ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት፡ ኢዮንቦን ጓል 15 ዓመት መሓዝኣን፡ ብምኽንያት ዝነበረን ምቅዋስ ኣእምሮ ኣብ ሆስፒታል ደቂሰን ይሕከማ ነይረን። ክልቲኤን ድማ ኣብ ሓደ እዋን ካብ ሆስፒታል ወጺኤን።
ኢዮንቦ ክሕሻ ምዃኑ ተኣማሚና ነይራ፡ መሓዝኣ ግን ናብ ቤታ እንተተመሊሳ ነብሳ ክትቀትል ምዃና ፈኪራ። ስእሊ ናይ መንገዲ ባቡር ኣብ ኦንላይን ምስ ለጠፈት ድማ፡ ኢዮንቦ ደዊላ ውሕስነታ ክተረጋግጽ ተማሕጺናታ፡ ንሳ`ውን ጸገም ከምዘየለ ገሊጻትላ። ድሕሪ ሒደት ሰዓታት ግን፡ ኢዮንቦ ሞት መሓዝኣ ተረዲኣ።
"በዚ ምኽንያት ድማ`የ፡ እቲ ዝገብሮ ዝገብር ዘለኹ" ትብል ኢዮንቦ።
"እታ ዝበለጸት መሓዛይ ብሞት ምስ ተፈለየትኒ፡ ካልኦት ሰባት እቲ ንዓይ ዝወረደኒ መዓት ከይወርዶም፡ ኩሉ ዝከኣለኒ ክገብር ቃል ኣትየ" ድማ ትብል።

እታ መርማሪት
ኢዮንቦ ነቲ ናይ ኢንስታግራም መርበባ ኣብ ርእሰ ከተማ ኖርወይ ኦስሎ፡ በርየን ኣብ ዝተባህለ ቦታ ዝርከብ ቤታ ኮይና ክትከታተል እንከላ፡ ሓንቲ መርማሪት ጋዜጠኛ [ኢንቨስቲጌቲቭ ጆርናሊስት] ድማ፡ ነቲ ዕጹውን ረባሺን ዓለም ክትከታተል ጸኒሓ`ላ።
ኣንማርተ ሞላንድ፡ ምስ`ቲ መንግስታዊ ማዕከን ዜና ኤን ኣር ኬ እያ ትሰርሕ። ቅድሚ ሓደ ዓመት ጉዳይ ሰለስተ ነብሰን ዝቐተላ ኣዋልድ ክትምርምር፡ ናብ ሓንቲ ንእሽቶ ከተማ ኖርወይ ምስ ተጓዓዘት`ያ ድማ ብዛዕባ`ቲ ናይ ኦንላይን ማሕበረሰብ ኣፍልጦ ረኺባ።
ሓንቲ ካብ`ተን ኣዋልድ ብመንገዲ ውልቃዊ ናይ ኢንስታግራም ሕሳባ፡ ብዛዕባ ነብሰ-ቅትለትን ነብሰ-ሃስያን ሓሳባት ኣካፊላ ነይራ።
"ኣብ`ታ ሃገር፡ ሓደ ሚእቲ ተኸተልቲ ከምዘለዉዋ ፖሊስ ሓቢሮሙኒ፡ ዝወሰድዎ ስጉምቲ ግን ኣይነበረን" ኢላ ኣንማርተ።

"እዚ ስግንጢር ይመስለኒ። ሚእቲ ተኸተልቲ? መን`ዮም`ዞም ሰባት`ዚኦም?"
እቲ ታሪኽ ናይ`ታ ጓል ኣብ ማዕከናት ዜና ምስ ተዘርግሐ፡ ሓንቲ መንእሰይ ንኣንማርተ ረኺባ፡ ካልኦት ብውሕዱ 10 ዝኾና ኣዋልድ ኣባላት ናይ`ቲ ጉጅለ ኢንስታግራም፡ ነብሰን ከምዝቐተላ ሓቢራታ። እታ ጋዜጠኛ ካብ`ቲ ገሚታቶ ዝነበረት ዝዓበየ ጸገም ከምዘሎ ምስተርድአት፡ ምስ ኣባላት`ቲ ምስጢራዊ መርበብ ኢንስታግራም ርክብ ክትፈጥር ጀሚራ። ፈለማ፡ ናይ ሓሶት ምስሊ [ፕሮፋይል ፎቶ] ኣብ ኢንስታግራም ብምልጣፍ፡ ምስ ካልኦት ኣዋልድ ርክብ ንምፍጣር ፈቲና።
በቲ ኢንስታግራም፡ ብቕልጡፍ ዝሃባ ብደርዘናት ዝቑጸሩ ክትኽተሎም እትኽእል ብዛዕባ ኣፈጻጽማ ነብሰ-ቕትለትን ነብሰ-ሃስያን ሓበሬታ ዝሓዙ ሕሳባት ድማ ተገሪማ።

'ጓለይ ስኢነ'
ሓቅነት`ቶም ዝተነግርዋ ነብሰ-ቅትለታት ንምርግጋጽ፡ ስድራ መወትቲ ሃሰሰ እናበለት ክትረኽቦም ጀመረት። እዚ ድማ ቅድሚ ክልተ ዓመት መበል 18 ልደታ ክትጽምብል ትዳሎ ዝነበረት ጓላ ኣንድሪን፡ ብተመሳሳሊ መንገዲ ናብ ዝሞተታ ሃይዲ መሪሕዋ።
ሃይዲ ተሌፎን ናይ መዋቲት ጓላ ምስ`ኣ ከምዘላን ተንኪፋታ ከምዘይትፈልጥን፡ ንኣንማርተ ምስ ሓበረታ፡ እታ ጋዜጠኛ ናብ`ቲ መርበብ ዘእትዋ መንገዲ ከምዝረኸበት ተረድአት።
"ክርእዮ ዘይደሊ ነገር ኣብ`ታ ተሌፎን ከምዘሎ እፈልጥ`የ" ኢላትኒ ሃይዲ ትብል ኣንማርተ።

ኣንማርተ ሃይዲ፡ ነታ ተሌፎን በይና እንከላ ከይትኸፍታ ምዒዳታ፡ ሃይዲ ግን ጓላ ኣብ ኢንስታግራም ምስጢራዊ ዝኾነ ህይወት ከምዝነበራ ጠርጢራ፡ ምኽንያቱ ድሕሪ ሞታ፡ ገለ ካብ`ቶም ናይ ኦንላይን ኣዕሩኽታ ደሃይ ይገብሩላ ነይሮም።
ነቶም ኣንድሪን ዝለጠፈቶም ንምርኣዮም ዘጽልኡ ምስልታት ክትርእዮም ግን፡ ድልውቲ ኣይነበረትን። "ሃይዲ ደዊላ፡ ኣንድሪን ብመንገዲ ኦንላይን ነብሳ ከምዝቐተለት ነጊራትኒ" ትብል ኣንማርተ።
"ነፍሲ ወከፍ ካልኢት ናይ ኣማውትኣ፡ ሰኒዳቶ`ያ"።
ጸኒሓ ሃይዲ ምስ ኣንማርተ ኮይና ንሕሳብ ኢንስታግራም ናይ ኣንድሪን ንምድህሳስ፡ ናብ ከተማ ኦስሎ ተጓዒዛ።
"ስእልታት፣ ምስልታት ቪድዮን ጽሑፋትን ረኺበ። ገሊኦም ኣዝዮም መስሓቓት`ዮም ነይሮም። ገሊኦም ምርኣዮም ጽቡቕ`ዩ፡ ምኽንያቱ ኣዝያ ሕጉስቲ ኮይና ዝሰነደቶም`ዮም ነይሮም፡ እቲ ጽቡቕን ሕማቕን ሸነኽ ናይ ህይወታ ድማ ኣርእያ" ኢላ ሃይዲ።
ገለ ካብ`ቶም ዝለጠፈቶም ምስልታት ግን ልቢ ዝሰብሩ`ዮም፤ ንኣብነት፡ ኣብ ሓደ ምስሊ ዘይትርእየሉ ጸሊም መስኮት [ስክሪን፡] ኣንድሪን ክትበክይ እንከላ ትስማዕ። ሃይዲ ካልእ ከቢድ ነብሰ-ሃስያ ዘርእዩን፡ ኣንድሪን ንዘጋጠምዋ ጸገማት ካብ ሕጂ ንንዮ ክትጻወሮም ስለዘይትኽእል ክትመውት ከምእትደሊ እናገለጸት ዝተራእየትሉን ምስልታትን`ውን፡ ኣብ ተሌፎና ረኺባ። እቲ ዝኸበደ ክፋል ናይ`ቲ ምስሊ ግን፡ እተን ናይ መወዳእታ ዝሞተትለን ሰዓታት`የን ነይረን።
"በቃ ንሞታ እተእውየሉ ዝነበረት ኮይኑ`ዩ ዝስመዓካ" ኢላ ሃይዲ።
ኣብ ተሌፎን ናይ ኣንድሪን ዝረኸበቶም ምስልታት ተመርኲሳ፡ ኣንማርተ ምስልታት ናይ ብዙሓት ካልኦት ኣባላት ናይ`ቲ መርበብ ኢንስታግራም ረኺባ።

መርበብ ነብሰ-ቕትለት
ኣንድሪን ኣስታት 130 ተኸተልቲ ነይሮማ። እዚ ናይ ሓደ ኖርወጃዊ ሕሳብ ዝውክል ልሙድ ኣሃዝ`ዩ ትብል፡ ኣንማርተ።
ኣንማርተ ኣብ ተኸተልቲ ናይ ኣንድሪን ተመርኲሳ፡ 26,000 ሕሳባት ኢንስታግራም ክተለሊ ክኢላ። ኣድህቦኣ ግን፡ ኣብ`ቶም ዘጨንቕ ምስልታት፣ ቃላትን ኢሞጂታትን ዘለዎ ጥራይ ኣጽቢባቶ።
ክልተ ስጉምቲ ካብ ሕሳብ ናይ ኣንድሪን ኣብ ዘይርሕቕ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ምስጢራውያን ሕሳባት ኢንስታግራም ረኺበ ኢላ ንሳ። ዋናታቶም ድማ ተወልድቲ ዴንማርክ፣ ብሪጣኒያ፣ ጀርመን፣ ኣውስትራሊያን ኣሜሪካን ዝርከብኦም፡ ኣስታት 20 ሃገራት ዝኾኑ መንእሰያት ኣዋልድ`የን።

ምንጪ ስእሊ, NRK
ኣንማርተን ብጾታን ኣብ ዝገበርዎ መርመራ፡ መብዛሕትአን ወነንቲ ናይ`ቶም ሕሳባት፡ ብማእከላይ ገምጋም ደቂ 19 ዓመት ዝኾና ኣዋልድ`የን። መብዛሕትአን ካብ ገለ ናይ ኣእምሮ ጸገማት ዘለወን`የን። ገሌአን ቁሩብ ዝተጸልአን፡ ገሊአን ድማ ከቢድ ጭንቀት ነይርወን። ሓያሎ ካብ`ኣተን ኣብ ሆስፒታል ኣተውትን ወጻእትን ኮይነን ዝጸንሓ`የን።
ቴለቪዥን ኤን ኣር ኬ ዘርኣየቶ ምስሊ ኣንድሪነ ኣብ ማእከል እትርከበሉ፡ ኣብ መላእ ዓለም ዝተዘርግሐ ምስጢራዊ መርበብ ዓለባ ሳሬት ምዃኑ ኣርእዩ።
እተን ኣዋልድ፡ ልክዕ ልሙድ ጠባያት ናይ ኣብ ክሊ ዕድመ 13-19 ዘለዋ ኣዋልድ እየን ዘርእያ፡ ማለት ስእልታት ሓደስቲ ክዳውንትን፡ ንሳተን ንባዕለን እንዳሳዕስዓ እንከለዋ ዘርኢ ምስልታትን ይለኣኣኻ።
"ብዙሕ ደገፍን ኣድህቦ ኣሎ" ትብል ኣንማርተ።
"ኩለን፡ ካብ ካልእ ሰብ ሓገዝ ክረኽባ ከምዝኽእላ ኣይኣምናን`የን። በዚ ምኽንያት ድማ፡ ኣብ እዋን ጸገመን ነንሕድሕደን ተራኺበን ክተሓጋገዛን ክደጋገፋን ከምዝኽእላ ጥራሕ እየን ዝኣምና"።
እታ ጋዜጠኛ ግን ሓደገኛነት ናይ`ቲ መርበብ`ውን ክትርእይ ክኢላ`ያ። እቶም ኣዝዮም ሕማቓትን ንሞት ዝዕድሙን ምስልታትን መልእኽትታትን ዝያዳ ኣድህቦ ይረኽቡ። ደገፍቲ ድማ ቅርጺ ልቢ ዘለዎም ኢሞጂታት
"በርትዒ" ወይ "ሓንሳብ ጽንሒ" ዝብሉ ሓረጋት ይጽሕፉ።
"ግልብጥሽ ናይ ሓቀኛ ድጋፍ`የ ዝብሎ፡ ምኽንያቱ ኣዝየን ዝሓመማ ኣዋልድ፡ ንኸምአን ኣዝየን ዝሓመማ ኣዋልድ ሓገዝ ዝልግሳሉ ኩነታት`ዩ። ግልብጥሽ ዝኾነ መርበብ`ዩ" ትብል ኣንማርተ።
እቲ መርበብ ኣዝዩ ብሕቱው ብምዃኑ፡ ንትሕዝቶ`ቶም ዝልጠፉ ምስልታት ይኹን ጽሑፋት ዘማእክል ወይ ሞያዊ ሓገዝ ዘበርክት ድምጺ የብሉን። ካብ`ዚ ተበጊሳ ድማ እተን ኣዋልድ ከይተፈለጠን ስጉምቲ ኣብ ምውሳድ ነንሕድሕደን ይተባብዓ ምንባረን፡ እታ ጋዜጠኛ ተገንዚባ።
"ነንሕድሕደን ናብ ገምገም ይደፋፍኣ ዝነበራ ኮይኑ እስማዓኒ። እቲ ኩነታት ኣብ ገምገም ምስ በጽሐ ግን፡ `ኣይፋልክን፡ ኩለን ከይትገብርዮ፡ ህይወትኪ ዓቅቢ` ይበሃሃላ" ትብል ንሳ።
እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ጠባያት ናይ ጉጅለ ኣብ ኣንድሪን ዓቢ ጽልዋ ከምዝነበሮ ትኣምን።

"ከም ዝመስለኒ፡ እቲ መርበብ ማሕበረሰብ፡ ንዓኣ ኩሉ ነገር`ዩ ነይሩ። ካብ ንእስነታ ኣትሒዛ ብቐሊሉ ብኻልኦት ሰባት እትተባባዕ ቆልዓ ብምንባራ፡ መወዳእትኡ ሕማቕ ኮይኑ" ኢላ።
ኣንማርተ፡ ኣብ`ቲ ሓደ ዓመት ዝወሰደ መርመራኣ፡ ብውሑዱ 15 ኖርወጃውያን ኣዋልድ ነብሰ-ቕትለት ከምዝፈጸማ ኣረጋጊጻ።
"ብህይወተን`የን ዝጻወታ ዘለዋ" ኢላ ኣንማርተ።
"ሓንቲ ንነብሳ እንተሓሪዳ፡ ብዙሕ ቅርጺ ልብን ምፍታውን [ላይክ] ትረክብ። ከመይ ጌርካ ኢኻ ንስእሊ ናይ ሓንቲ ንነብሳ ዝሓረደት ሰብ ትፈቱ?"ኣንድሪን

መልሲ ኢንስታግራም
ካብ ዝሓለፈ ለካቲት ጀሚሩ፡ ኢንስታግራም ዘስካሕክሑ ምስልታት ነብሰ-ሃስያ ኣጊዱ፡ ምልጣፍ ነብሰ-ቅትለታዊ ቴማ ዘለዎም ምስልታት ቪድዮ ድማ ደሪቱ። እዚ ውሳነ`ዚ ንሞት ናይ`ታ ኣብ 2017 ኣብ ኢንስታግራም ዘስካሕክሕ ምስሊ ምስ ረኣየት ህይወታ ዘሕለፈት፡ ብሪጣንያዊት መንእሰይ ሞሊ ራሰል ስዒቡ`ዩ መጺኡ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ድማ፡ እዚ ኣሜሪካዊ ኩባንያ፡ ነብሰ-ቅትለትን ነብሰ-ሃስያን ዘተባብዑ ቀልድታት፣ ናይ ኢድ ስእልታትን ካርቱናትን`ውን ኣጊዱ።
ኣንማርተ ግን እቲ ዝተወስደ ስጉምቲ እኹል ኣይኮነን በሃሊት`ያ። ድሕሪ`ቲ እገዳ፡ መጠን ዘስካሕክሑ ምስልታት`ኳ እንተነከየ፡ ኣባላት`ቲ መርበብ ነቲ እገዳ ዘታልልሉ መንገዲ ምሂዞም ኣለዉ ትብል፡ ኣንማርተ።
"እቶም ነብሰ-ቅትለታት ገና ይቕጽሉ ኣለዉ፡ ግን ኣይረኣዩን። ሒደት ዘስካሕክሑ ምስልታት፡ ግን ከኣ ዝያዳ ነብሰ-ቅትለታት ይፍጸሙ ኣለዉ" ትብል ንሳ።
"ሕጂ ኣዋልድ ናይ ነብሰ-ቅትለት ፈተንአን ኣብ ዝገብራሉ እዋን፡ ከም መረዳእታ ዘገልግል ምስሊ መዓልታዊ ህይወተን`የን ዝልጥፋ፡ ንኣብነት፡ ኣብ ዓራት ተጋዲመን ዝተሳእልኦ ስእሊ ይልጥፋ`ሞ፡ 'እዚ`ኣ ናይ መወዳእታ መዓልቲ ህይወት`ያ፡ ካብ ሕጂ ንንዮ ክነብር ኣይደልን`የ` ብዝብል ጽሑፍ የሰንይኦ`"።
ኢንስታግራም ሃሳዪ ዝኾኑ መልእኽትታት ንዝልጥፉ ተጠቀምቲ ገና ካልኦት ንክኽተልዎም ምሕባሩ፡ ነታ ጋዜጠኛ የሻቕላ። እዚ ነገር`ዚ ክእገድ ምዃኑ ኢንስታግራም ኣብ ዝሓለፈ ለካቲት ሓቢሩ ነይሩ።
"ህይወተን ከሕልፋ ዝፈተና ኣዋልድ ንርኢ ኣለና፡ እቲ ምስሊ ኸኣ ሽዑ ንሽዑ ካልኦት ከምኡ ክገብራ ንዝደልያ ኣዋልድ ክርእይኦ ይግበር። ብኸምዚ`ዩ ኸኣ ቁጽሪ ኣባላት`ቲ መርበብ እናዓበየ ዝኸይድ" ትብል ኣንማርተ።
ኢንስታግራም ሕማም ኣእምሮ ዝተሓላለኸ ጸገም ምዃኑን፡ ሚዛኑ ዝሓለወ ኣተሓሕዛ ከምዘድልዮን ከምዝርዳእ ኣፍሊጡ።
"ዋላ`ኳ ኣዝዩ ከቢድ ናይ ጸገም እዋን ኣጋጢሙካ እንተሃለወ፡ ብመሰረቱ ኣብ ኢንስታግራም ኣቲኻ ጸገምካ ክትገልጸሉ እትኽእል ቦታ ከምዘሎ ንኣምን ኢና" ኢላ ሓላፊት ህዝባዊ ፖሊሲ ኢንስታግራም ኣብ ኤውሮጳ፣ ማኣከላይ ምብራቕን ኣፍሪቃን፡ ታራ ሆፒኪንስ።
"እንተኾነ ግን፡ ኣብ መንጎ ጸገምካ እትገልጸሉ ቦታን፡ ሰባት ሃሰይትን ረበሽትን ዝኾኑ ምስልታት ከይርእዩ ንምኽዋሎምን ቅኑዕ ሚዛን ክንሕሉ የድልየና" ድማ ትብል።

ኢንስታግራም፡ ብቐጻሊ ምስ ክኢላታት ሕክምናን ከም ሳማሪታንስ [ለገስቲ] ዝኣመሰሉ ዘይመንግስታውያን ውድባትን ከምዝመያየጥን፡ ንሳቶም ድማ ምልጋስ ኩሎም መወከሲታት ነብሰ-ቕትለትን ነብሰ-ሃስያን ዝያዳ ምጽያን፡ ሕማም ኣእምሮ ከስዕብ ከምዝኽእል የጠንቅቑ።
ኢንስታግራም ሃሰየቲ ምስልታትን ጽሑፋትን ንምልላይን ንምእላይን ዘገልግሉን ዘማእክሉን ሰባትን ማሽናትን ይጥቀም፡ ኢላ ሆፕኪንስ። ተጠቀምቲ ንዝረኣይዎም ዘቖጥዑ ምስልታትን ጽሑፋትን ነቲ ኩባኒያ ክሕብሩ ግን፡ ኣገዳሲ`ዩ ትብል ሆፕኪንስ።
ኢንስታግራም ሓደገኛታት ዝኾኑ ሕሳባት፡ ካልኦት ተጠቀምቲ ክርእይዎም ይዕድም`ዩ ኢላ ኣንማርተ ንዘስምዓቶ ስክፍታ፡ እቲ ኩባኒያ ሓንሳብ ምልክት/ሕላገት ዝተገብረሉ ሕሳብ ካልኦት ክርእይዎ ከምዘይዕድም ሆፒክንስ ገሊጻ።
"ካብ ላዕለዋይ ክሳብ ታሕተዋይ ጽፍሒ ሓላፍነት ዘለና ሚዛን ንምሕላው ውፉያት ኢና" ድማ ኢላ።
ሃይዲን ካልኦት ወለድን ግን፡ ደቆም ኢንስታግራም እንተዘይጥቀማ ህይወተን ኣይምሕለፋን ነይረን ይብሉ።
"ኣብ ሕሳብ ናይ ኣንድሪን ተለጢፎም ዘለዉ ነገራት ምስ ረኣኹን ኣንድሪን ክሳብ ክንደይ ዝኣክል ንጥፍቲ ከምዝነበርት ምስ ፈለጥኩን፡ እተን ካልኦት ኣዋልድ ዝህብኦ ዝነበራ መልስታት ምስተዓዘብኩን፡ ኢንስታግራም ህይወት ጓለይ ከምዝቐዘፈ ተረዲኡኒ። ከምኡ`ዩ ኮይኑ`ዩ ዝስመዓኒ" ኢላ ሃይዲ።
"ምኽንያቱ፡ ኩለን ኣተን ካልኦት ኣዋልድ ከም ተኸታተልታ`የን ነይረን። ኩሉ ነገራ እተርእየን ሰባት ነይረንኣ። ስለ`ዚ ኢንስታግራም እንተዘይነብራ፡ ካብ`ቲ ሓቀኛ ህይወት ዝያዳ ሓገዝ መናደየት ነይራ፡ ኢለ እኣምን" ትብል ሃይዲ።
ኣድህቦ ዘድልዮ ዝዓበየ ጉዳይ ኣሎ ትብል ኢዮንቦ። ምድምሳስ ሕሳባት ኢንስታግራም፡ ነቲ ጸገም ናብ ካልእ መድረኻት ማሕበራዊ ሚዲያ ከግዕዞ`ዩ ትብል ኢዮንቦ።

"ካልኦት ሓደስቲ ማሕበረሰብ ወይ መርበባት ሓበሬታ ክረኽባ ይኽእላ`የን። ከምዝመስለኒ እቲ ስርዓት ኣወሃህባ ክንክን ጥዕና ክመሓየሽ ኣለዎ፡ በዚ ድማ፡ ሰባት ጸገሞም ንሰብ ሞያ ሕክምናን ኣባላት ስድራ ቤትን ከካፍሉ ደኣ`ምበር ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ክልጥፉ ኣይግደዱን" ኢላ ኢዮንቦ።
ቴለቪዥን ኤን ኣር ኬ ውጽኢት ዝገበረቶ መርመራ ብምዝርጋሕ፡ ንህላወ ናይ`ቲ መርበበ ኣረጋጊጻ። ንስራሕ ኢዮንቦ ድማ፡ ዝሰፍሐ ኣድህቦ ክረክብ ገይራ።
ሚኒስተር ጥዕና ኖርወይ ቤንት ሆየ፡ ብዛዕባ ህላወ`ቲ መርበብ ነብሰ-ቅትለት ኣፍልጦ ከምዘይነበሮ ብምግላጽ፡ ሓዲሽ ስትራቴጂ ምዕጋት ነብሰ-ቅትለት ነዚ ኣብ ግምት ከእቱ`ዩ ኢሉ።
ኢዮንቦ ነቲ ተሰኪማቶ ዝጸንሐት ሸኽሚ ክተወርድ`ያ እትደሊ። ካብ`ኡ ተገላጊላ እቲ እትምነዮ ነርስ ናይ ካንሰር ንምዃን፡ ስልጠና ክትወስድ`ያ እትደሊ።
ሃይዲ ድማ፡ እቲ ምቅላሕ ውጽኢት ናይ`ቲ መርመራ ንኻልኦት ትምህርቲ ኮይኑ፡ ህይወታት ከድሕን ተስፋ ትገብር።
"ሓሪቓ ዝያዳ ነብሰ-ሃስያ ክትገብር`ያ እናበልኩ፡ ንኣንድሪን ብዛዕባ ኢንስታንግራም ተዛሪበያ ኣይፈልጥን። ብዘይምዝራበይ ግን የጣዕሰኒ። ስለ`ዚ ንኻልኦት ኣዴታት ከም`ዚ ናተይ ጌጋ ከይገብራ እምዕደን"።
"ብዛዕብኡ ምስ ደቅኽን ተዘራረባ"።
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/660/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)



![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







