ካብ ዝውለዱ፡ ዝንጸሉ ቆልዑ ዝበዝሑላ ሃገር

ምንጪ ስእሊ, PAARISA
"ብዛዕብኡ ፈጺመ ደጊመ ኣይሓስብን፡ ብዛዕባ ምንጻል ጥንሲ ብግልጺ ኢና ንዛረብ፡ ኩሉ ብዛዕባ'ቲ ዳሕረዋይ ምንጻል ጥንሰይ ንኹሎም ፈተውተይን ቤተሰበይን ዝነገርኩዎም ነገር እዝክሮ'የ" ትበል ጓል 19 ዓመት ግሪንላንዳዊት ፒያ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ።
ንሳ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመት ጥራይ ሓሙሽተ ግዜ ጥንሲ ኣስዲዳ።
"መከላኸሊ ጥንሲ እጥቀም'የ፡ ሓደ ሓደ ጊዜ ግን ንርስዖ ኢና። ኣብ'ዚ ሕጂ እዋን ቆልዓ ክወልድ ኣይደልን'የ፡ ሕጂ ኣብ ትምህርቲ ዘለኹሉ ናይ መወዳእታ ዓመት'ዩ" ትብል ኣብ ርእሰ-ከተማ ናይ ግሪንላንድ ኑክ እትነብር መንእሰይ። እንተኾነ ግን፡ ንሳ ንበይና ኣይኮነትን ከምኡ እትገብር።
ብመሰረት ስታቲስቲካዊ ጸብጻብ መንግስቲ፡ ካብ 2013 ንነጀው ጥራይ 700 ወሊድን 800 ምንጻል ጥንስን ነይሩ። እሞ ስለምንታይ'ዩ ግን ግሪንላንድ ክንዲ'ዚ ዝኣክል ልዑል መጠን ምንጻል ጥንሲ ዘለዋ?

ምንጪ ስእሊ, CHRISTIAN KLINDT SOELBECK
ግሪንላንድ እታ ዝዓበየት ደሴት ዓለምና ኮይና፡ ቁጽሪ ህዝባ ግን ውሑድ'ዩ። ኣብ ዕለት ሓደ ጥሪ 2019, 55,992 ህዝቢ ጥራይ ነይርዋ።
ልዕሊ ፍርቂ ካብ'ተን ዝጠንሳ ደቂ ኣንስትዮ ድማ ጥንሰን ይንጽላ። እዚ ድማ 30% ሚእታዊት ካብ'ተን ዝጠንሳ ሓደ ሽሕ ደቂ ኣንስትዮ ጥንሰን ይንጽላ ማለት'ዩ።
ብመንጽሩ፡ ወርሓዊ ኣሃዛት ከምዝሕብርዎ፡ 12 ካብ'ተን ዝጠንሳ፡ ሓደ ሽሕ ዴንማርካውያን ደቂ ኣንስትዮ ጥንሲ ይንጽላ። ግሪንላንድ ባዕላ ንባዕላ እትመሓደር'ኳ እንተኾነት፡ ሉኣላዊት ግዝኣት ዴንማርክ'ያ።
ቁጠባዊ ሽግራት፣ ትሑት ኩነታት መንበሪ ኣባይትን ሕጽረት ትምህርትን ኣብ'ቲ ልዑል መጠን ምንጻል ጥንሲ ኣስተዋጽኦ ገይሮም ክኾኑ ይኽእሉ'ዮም። እንተኾነ ግን፡ መቆጻጸሪ ጥንሲ ብነጻን ብቐሊሉን ኣብ ዝርከበን ሃገር ግን እዚ ዝኣክል መጠን ምንጻል ጥንሲ መግለጺ ኣይርከቦን'ዩ።
ኣብ ብዙሓት ሃገራት፡ ዋላ ምንጻል ጥንሲ ነጻን ሕጋውን ኣብ ዝኾነለን ሃገራት'ውን እንተኾነ ምንጻል ጥንሲ ኢንታ ወይ ኣበር ኣለዎ። ኣብ ግሪንላንድ ግን ገለ ደቂ ኣንስትዮ ስክፍታ ዝበሃል የብለንን። ንዓኣተን ዘይተደልየ ጥንሲ ምንጻል ዘሕፍር ነገር ይብሉን።
መዓልቲ ምንጻል ጥንሲ
ሰለምታይ'ዩ ግን ብዙሓት ዘይተደልዩ ጥንስታት ዘለዉ?
"መብዛሕትአን መሓዙተይ ጥንሲ ነጺለን'የን። ኣደይ'ውን ንዓይን ንሓወይን ቅድሚ ምውላዳ ሰለስተ ጊዜ ጥንሲ ነጺላ'ያ" ትብል ፒያ። "ብዛዕብኡ ክትዛረብ ግን ኣይትፈቱን'ያ"።
"ተማሃሮ ከተማ ኑክ ሮቡዕ ሮቡዕ ናብ መደበር ጥዕና ወሲብ ክኸዳ ይኽእላ'የን። ነዚ ድማ 'መዓልቲ ምንጻል ጥንሲ' ኢለን ይጽውዕኦ" ይብል ኣብ ኡኒቨርሲቲ ሮስኪልድ ናይ ዴንማርክ ነቲ ጉዳይ ዘጽንዕ ዘሎ ተማሃራይ ፒ ኤች ዲ ቱሪ ሀርማንስዶቲር።
"ኣብ ግሪንላንድ፡ ብዛዕባ ምንጻል ጥንሲ ምክታዕ፣ ቅድሚ መርዓ ዝግበር ወሲባዊ ርክብን ዘይተደልዩ ጥንስታትን ነውሪ ወይ ናይ ስነ-ምግባር ኩነነ ዘስዕቡ ኣይመስሉን"።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ነጻ መከላኸሊ ጥንሲ
"መከላኸሊ ጥንሲ ብነጻን ብቐሊሉን'ዩ ዝርከብ፡ ብዙሓት ካብ መሓዙተይ ግን ኣይጥቀማሉን'የን" ትብል ፒያ።
ስቲን ብረኖይ ኣብ ግሪንላንድ ኣትሰርሕን ንዓመታት ብዛዕባ ምንጻል ጥንሲ ትመራመር ዘላ ነርስ ናይ ማህጸን'ያ።
ንሳ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ ኣስታት ሓምሳ ሚእታዊት መጽናዕቲ ካብ ዝገበርኩለን ደቂ ኣንስትዮ፡ ብዛዕባ መድሃኒት መከላኸሊ ከምዝፈልጣን፡ ልዕሊ 85 ሚእታዊት ካብ'ኣተን ግን ኣይተጠቕማሉን ወይ'ውን ብጌጋ ተጠቒመናሉ ትብል።
ዘይተደልዩ ጥንስታት ብምኽንያት ኣልኮላዊ መስተ'ውን ከጋጥሙ ይኽእሉ'ዮም።
"መስተ እንተድኣ ሰትዮም እቲ ሰብኣይ ይኹን እታ ሰበይቲ ምጥቃም መከላኸሊ ጥንሲ ክርስዕዎ ይኽእሉ'ዮም" ትብል ንሳ።

ምንጪ ስእሊ, Media for Medical
ኣብ ትሕቲ ድርኺት
ብመሰረት ምርምራታ፡ ኣብ ግሪንላንድ ደቂ ኣንስትዮ መከላኸሊ ጥንሲ ዘይጥቀማ ሰለስተ ምኽንያታት ተቐምጥ ሀርማንስዶቲር።
"ቀዳማይ ምኽንያት፡ ቆልዓ ዝደልያ ደቂ ኣንስትዮ፣ ካልኣይ፡ ህዉጽ ህይወት ዘለወን ወይ ብጎነጽን መስተን ዝተናወጻ ደቂ ኣንስትዮ ምጥቃም መከላኸሊ መድሃኒት ክርስዕኦ ይኽእላ'የን፡ እቲ ሳልሳይ ምኽንያት ድማ እቲ ወዲ ተባዕታይ ምጥቃም ኮንዶም ክኣብይ ይኽእል'ዩ"።
ጎነጽን ጾታዊ ዕመጽን
ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ እቲ ጥንሳ ውጽኢት ጾታዊ ዓመጽ እንተኾይኑ ክትንጽሎ ትኽእል'ያ፡ ወይ'ውን ኣብ ነውጺ ዝበዝሖ ገዛ ቆልዓ ከተምጽእ ኣይትደልን ትኸውን።
ኣብ ሓንቲ ንእሽቶ ከተማ ናይ ሓንቲ ደቡባዊት ዞባ ግሪንላንድ ሓኪም ዝኾነት ላርስ ሞስጋርድ ከም ዝሓበረቶ፡ "ዘይተደለዩ ወይ ኣቓልቦ ዘይወሃቦም ቆልዑ ካብ ምዕባይ ጥንሲ ምንጻል ይሓይሽ" ትብል።
ብመሰረት ጸብጻብ ሓበሬታ ማእከል ድሕነትን ማህበራዊ ጸገማትን ናርዲክ፡ ኣብ ግሪንላንድ፡ ጎነጽ ተደጋጋሚ ተርእዮ ጸገም ጥዕና'ዩ፡ ሓደ/ሓንቲ ካብ ዓሰርተ ተማሃሮ ኣዲኦም ንጎነጽ ክትቃላዕ ምርኣዮም ሓቢሮም።
እቶም ቆልዑ፡ ጎነጽ ክፍጸም ምርኣይ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንሳቶም ንባዕሎም'ውን ግዳያት ጎነጽ'ዮም።
"ሓደ ሲሶ ካብ መእሰይ ወለዶ ግሪንላንድ ኣብ ጊዜ ቁልዕነቶም ንገለ ዓይነታት ጎነጽ ተቓሊዖም'ዮም" ይብል ነቲ ጾታዊ ጎንጺ ንምብዳህ ዝቖመ መንግስታዊ ኣካል ዝመርሕ ዲተ ሶልቤክ ንዳኒሽ ብሮድካስቲን ኮርፖሬሽን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ።

ምንጪ ስእሊ, Sean Gallup
ትሑት ኣፍልጦ ብዛዕባ መከላከሊ ጥንሲ
መድሃኒት መከላኸሊ ጥንሲ ብነጻን ብቐሊሉ ዝርከብ'ኳ እንተኾነ ኩሉ ሰብ ግን ይጥቀመሉ ማለት ኣይኮነን።
ፒያ "ብዛዕባ'ቲ ዘሞርኒንግ ኣፍተር [ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ጾታዊ ርክብ ምስ ፈጸመት ንጻባሒቱ ንግሆ ክትወስዶ እትኽእል መድሃኒት መከላኸሊ ጥንሲ] ዝበሃል ከኒና ቕድሚ ሓደ ወርሒ'የ ፈሊጠ፡ እዚ ከኒና'ዚ ኣማራጺ ምዃኑ ኩሉ ሰብ ዝፈልጥ ኣይመስለንን" ክትብል ንቢቢሲ ሓቢራ።
"ኣደይ ብዛዕባ ወሲባዊ ጥዕና ኣዘራሪባትኒ ኣይትፈልጥን'ያ፡ ብዛዕባ ገለ ጉዳያት ብመንገዲ ቤት ትምህርተይ፡ መብዛሕትኡ ድማ ካብ መሓዙተይ'የ ተማሂረዮ" ትብል።
ብመሰረት ጸብጻብ ሓደ መጽናዕቲ፡ ስድራቤታት ግሪንላንድ ብዛዕባ ወሲባዊ ጥዕና ካብ ምዝታይ ይሃድማ፡ ምኽንያቱ እቲ ዛዕባ ከም ዘሕንኽን ኣሸጋርን ዛዕባ ኮይኑ ስለዝረአ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ናይ ዓለምና ዝለዓለ መጠን ነፍሰ-ቅትለት
ብዘይካ'ቲ ዝለዓለ መጠን ምንጻል ጥንሲ፡ ግሪንላንድ ልዑል መጠን ነፍሰ-ቕትለት'ውን ይፍጸመላ። ካብ ሚእቲ ሽሕ ሰባት፡ 83 ሰባት ነፍሰ ቕትለት ከም ዝፍጽሙ ሓደ ጸብጻብ ይሕብር።
ኣብ ግሪንድላንድ መንእሰይ ምዃን፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ክሊ ዕድመ 13-19 ዘሎ ምዃን ከቢድ'ዩ። እዚ ክሊ ዕድመ'ዚ ከአ'ዩ ኣብ'ታ ሃገር ዝበዝሐ ቁጽሪ ዘለዎ። ካብ ፍርቂ ንላዕሊ'ቲ ዝፍጸም ነብሰ-ቅትለት ድማ ብመንእሰያት'ዩ ዝፍጸም።
ንሓያሎ ዓመታት ኣብ ግሪንላንድ ዝሰርሐ ምሁር ስነ-ልቦና ላርስ ፐደርሰን ከም ዝሕብሮ፡ እቶም ኣብ ጎነጽ ዘለዎ ስድራ ዝዓብዩ ቆልዑ ድማ ንነብሰ-ቅትለት ዝተቓልዑ'ዮም ይብል።
ግሪንድላንድ ኣብ 1953 እያ ኣካል ንግስነት ዴንማርክ ኮይና።
ግሪንድላንድ ካብ ባህላዊ መነባብሮ ሕብረተሰብ 'ኢንዊት' ናብ ዘመናዊ መነባሮ ምስተሰጋገረት፡ እናበዝሐ ዝመጸ መጠን ሃልኪ ኣልኮላዊ መስተ ጎነጽን ወሲባዊ ዓመጽን ኣነሃሂሩ።
"መብዛሕትኡ ሰብ ነብሰ-ቅትለት ዝፈጸመ ሰብ ይፈልጥ'ዩ" ይብል ፐደርሰን።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ነጻ ምንጻል ጥንሲ ንኹሉ
ገለ ሰባት ግሪንላንድ መጠን ምንጻል ጥንሲ ንምንካይ፡ ገንዘብ ከተኽፍል ክትጅምር ኣለዋ ይብሉ። ካልኦት ግን ዝበዝሐ ጥንሲ ዝሰዳ ደቂ ኣንስትዮ፡ ስራሕ ስለዘይብለን ኢየን ነቲ ተግራር ዝፍጽምዎ ኢሎም ይካትዑ።
ኣብ ዴንማርክ ምንጻል ጥንሲ "ቀሊል" ደአ ይኹን'ምበር ካብ'ቲ ናይ ግሪንላንድ ኣዝዩ ዝወሓደ'ዩ (12 ካብ ሓደ ሽሕ ደቂ ኣንስትዮ ይፍጽምኦ)።
ኖርዌያዊት ዶክተር ፕሮፌሰር ዮሃን ሳንድባይ ምስ ተሓከምቲ ግዳያት ጎነጽን ወሲባዊ ዓመጽን ዝኾና ደቂ ኣንስትዮን ቆልዑን ሰሪሓ'ያ። ተሓከምቲ ጥንሲ ንምንጻል ገንዘብ ክኸፍላ ክግደዳ የብለንን ድማ ትብል።
"ነቲ ክኸፍላ ኣለወን ዝብል ሓሳብ ፈጺመ'የ ዝቃወዎ። ምኽንያቱ ቁጽጽር ንዘይግበረሉ ሕሱርን ሓደገኛን ዕዳጋ ምንጻል ጥንሲ ኣፍደገ ክኸፍት'ዩ" ትብል ንሳ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፕሮጀክት ዶል (ባምቡላ)
መንእሰያት ግሪንላንድ ኣብ 14-15 ዓመቶም'ዮም ጾታዊ ርክብ ዝጅምሩ። ሃገራዊ ጸብጻብ ከምዝሕብሮ፡ 63% ሚእታዊ ደቂ 15 ዓመት መንእሰያት ስሩዕ ጾታዊ ርክብ የካይዱ።
መንግስቲ ነቲ ምስ ኣብያተ ትምህርቲ ተሓጋጊዙ ንመንእሰያት ሳዕቤን ጾታዊ ርክብ ኣብ ንኡስ ዕድመ ዝምህር "ፕሮጀክት ዶል" ኣተኣታትዩ።
እዚ ፕሮጀክት ዘይተደልየ ጥንሲ ኣብ ንኡስ ዕድመን ብወሲብ ዝመሓላለፉ ሕማማት ንምንካይን፡ ምጥቃም መድሃኒት መከላኸሊ ጥንሲ ንምዝያድ ዝዓለመ'ዩ።
ኣወዳትን ኣዋልድን ልክዕ ሓቀኛ ህጻን ዝመስልን፡ ተግባራት ህጻን ዝገብርን ባምቡላ ይወሃቦምን፡ ኩሉ ንህጻን ዝግበር ክንክን ክገብሩሉ ድማ ይሕተቱ።
እዚ ድማ ነቶም ኣብ ክሊ ዕድመ 13-18 ዘለዉ መንእሰያት ምስ ምውላድ ቆልዓ ስዒቦም ንዝመጹ ሓላፍነታት ንኽርድኦም ዝዓለመ'ዩ።

ምንጪ ስእሊ, PAARISA
"ባህላዊ ዕንቅፋታት"
ስቲን ብሮይን፡ ዕድመ ናይ'ታ ጓል ኣንስተይቲ ብዘየገድስ፡ ኣብ ግሪንላንድ ምንጻል ጥንሲ ብዙሕ ቆላሕታ ኣይግበረሉን'ዩ ንዝብል ኣበሃህላ ኣይትሰማማዓሉን'ያ።
"መብዛሕትአን ደቂ ኣንስትዮ ምንጻል ጥንሲ ከም ከቢድ ገይረን ስለዝወስድኦ ንኽውስና ነዊሕ እዋን ይወስደለን። ብዛዕብኡ ርግጸኛታት እንተዝኾና ምናልባት ማህሰይቲ ኣይምተሰምዐንን ነይሩ'' ትብል።
"ብዛዕባ ምንጻል ጥንሲ ዘይትግደስ ጓል ኣንስተይቲ ኣጋጢማትኒ ኣይትፈልጥን'ያ። ብልምዲ ከምዝተረዳእኩዎ ግን ገለ ደቂ ኣንስትዮ ነብሰን ንምክልኻል ክብላ የስቅጣ። ገለ ወሃብቲ ጥዕና ድማ ነዚ ምስቃጥ'ዚ ከም ዘይተገዳስነት ገይሮም ይርእይዎ"።
ሕጽረት ዝርርብ'ውን ነዘን ከምዚአን ዝኣመሰላ ደቂ ኣንስትዮ ብጌጋ ምፍራድ ከስዕብ ይኽእል'ዩ ኢሉ ይኣምን ፐደርሰን።
ዳኒሽ ሓደ ካብ ወግዓውያን ቋንቋታት'ኳ እንተኾነ፡ ካብ ርእሰ-ከተማ'ታ ሃገር ወጻኢ ዝነብሩ ሰባት ግን ብዙሕ ኣይመልክዎን'ዮም።
"ኣድህቦና ክንቅይር የድልየና። እቲ ኣድህቦ ኣብ ምብዳህ ጠንቂታት'ቶም ዘይተደልዩ ጥንስታት ዝኾኑ ጎነጽ፣ ዓመጽን ወልፊ መስተን ክኸውን ኣለዎ"።
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/660/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)



![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







