ኬንያ፡ ኣገልግሎት ምንጻል ጥንሲ ንዝህብ ማሪ ስቶፐስ ዝተባህለ ገባሪ ሰናይ ትካል ኣጊዳ

ምንጪ ስእሊ, Marie Stopes Kenya
ሰበ-ስልጣን ኬንያ፡ ማሪ ስቶፐስ ንዝተባህለ ዓለም ለኻዊ ገባሪ ሰናይ ትካል ጥዕና፡ ኣገልግሎት ምንጻል ጥንሲ ዳግም ንኸይህብ ኣጊዶም።
እዚ ስጉምቲ ክውሰድ ዝተኻእለ፡ እቲ እዚ ትካል ንመወዓውዒ ዝጥቀመሉ ሜላታት ምትብባዕ ምንጻል ጥንሲ የስዕብ ኣሎ ዝብል ንዝቐረበሉ ጥርዓን ድሕሪ ምምርማር ምዃኑ፤ ሓለፍቲ ኣባላት ሕክምና ኬንያ ሓቢሮም።
ምንጻል ጥንሲ ኣብ ኬንያ ብሕጊ ዝተኸልከለ እኳ እንተኾነ፤ ንሂወት እታ ኣደ ኣስጋኢ ኮይኑ ምስ ዝርከብ ግን ብሰብ ሞያ ሕክምና ይእለ።
ገባሪ ሰናይ ትካል ማሪ ሰቶፐስ፤ ግን ብሕጊ ኬንያ ተቐይዱ ከም ዝሰርሕን፡ ጥንሲ ምንጻል ንዝመጻ ናይ ምኽሪ ኣገልግሎትን ምክትታል ድሕረ- ምንጻል ምንክብካብ ከም ዝገብርን'ዮም ኣካየድቲ እቲ ተካል ዝገልጹ።
ሓላፍን ኣጽዳቕን ምውዕዋዕ ኬንያ ኣልፍረድ ሙቱዋ ብወገኑ፡ ነቲ እገዳ ሓንጎፋይ ኢሉ ኣብ ልዕሊ ምቕባሉ፤ ምንጻል ጥንሲ ኣብ ኬንያ ንኽውዕዋዕ ብምግባራ ተሓታቲት ኣሜሪካያ ክብል ወቒሱ።
ገለ ኬንያውያን ግን፡ እዚ እገዳ ንዘይውሑስ ምንጻል ጥንሲ ከየሳጥሕ ስክፍትኦም ይገልጹ።



![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







