ኣብ ኣፍሪቃውያን ደቂ ኣንስትዮ ዝፍፀም ምኽንሻብ ከምዝነከየ መፅናዕቲ ሓቢሩ

ኣብ ኬንያ ብልዕቲ ጓል ኣንስተይቲ እትኽንሽብ ሰበይቲ፡ ንመኸንሸቢ ዝኸውን ላማ ሒዛ ዘርእይ ስእሊ

ምንጪ ስእሊ, Barcroft Media via Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ኬንያ ብልዕቲ ጓል ኣንስተይቲ እትኽንሽብ ሰበይቲ፡ ንመኸንሸቢ ዝኸውን ላማ ሒዛ ዘርእይ ስእሊ

ኣብ ኣፍሪቃውያን ደቂሄዋን ዝፍፀም ምኽንሻብ፡ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓሰርተታት ዓመታት ከምዝነከየ፡ ሓድሽ መፅናዕቲ ሓቢሩ።

ኣብ ዓለምለኸ ምርምር ጥዕና ዝተሓተመ እዚ ሓድሽ መፅናዕቲ ከምዝገለፆ፡ ትሕቲ 14 ኣብ ዝዕድሚአን ኣዋልድ ዝፍፀም ምኽንሻብ ብልዕቲ፡ 'ዓብይን ኣገዳስን ምንካይ ኣርእዩ' እዩ።

እዚ ተግባር፡ ናይ ሰገናት ወይ ድማ ደቂኣንስትዮ ደጋዊ ክፋል ብልዕቲን ጎደቦን (ጭንቅራ) ዘውግድ ተግባር እዩ።

ገለ ክፋል ማሕበረሰብ ከም መሰልን ናይ ሓደ ሕብረተሰብ መግለፂ ባህልን ገይሮም ዝወስድዎ እኳ እንተኾኑ፡ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ግና፡ ዘይሰብኣውን ዘይሕጋውን ብምባል ይኹንንዎ።

በዚ ዘስካሕክሕ ተግባር ግዳያት ዝኾና ደቂኣንስትዮ፡ ክፋል ብልዕተን ምስተቖረፀ ብዝፈስስ ደም ወይ ድማ ብረኽሲ ንሞት ክቃልዓ ይኽእላ።

ካብዚ ብተወሳኺ፡ ደቂ ኣንስትዮ ሕዱር ሕማም ፣ ፀገም ስርዓተ ምርባሕን ወርሓዊ ፅግያትን፡ ከምኡ እውን ኣብ ግዘ ወሊድ ክሳብ ሞት ከብፅሕ ዝኽእል ዝተሓለላለኹ ፀገማት የስዕበለን።

ኣስታት 200 ሚልየን ሰገናት ደቂኣንስትዮ ዓለም፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ኣፍሪቃን ማእኸላይ ምብራቕን፡ ንምኽንሻብ ብልዕቲ ከም ዝተቓልዓ፡ ማእከል ህፃናት ውድብ ሕቡራት መንግስታት (ዩኒሴፍ) ይሕብር።

ኣሃዛት'ከ እንታይ የርእዩ?

ብመሰረት፡ ካብ 1990 ኣቆፃፅራ አውሮጳውያን ተደሪኹ፡ ኣብ 29 ሃገራት ዝተኻየደ መፅናዕቲ፡ ምኽንሻብ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝነከየ ነይሩ።

ኣብ 1995 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን፡ ትሕቲ 14 ኣብ ዝዕድሚአን ሰገናት ዝፍፀም ምኽንሻብ፡ 71 ሚእታዊት ዝርገሐ ዝነበረ እንትኸውን፡ ኣብ 2016 ግና፡ ናብ ሸሞንተ ሚእታዊት ከምዝነከየ እዚ መፅናዕቲ የረድእ።

ትሑት ለውጢ ኣብ ዘርኣያ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ከም ኬንያን ታንዛንያን ዝበላ ሓደሓደ ሃገራት ድማ፡ ካብ 3 ክሳብ 10 ሚእታዊ ምኽንሻብ ደቂኣንስትዮ ይፍፀም።

ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃ ድማ፡ ብ1990 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን 60 ሚእታዊት ዝነበረ፡ ልምዲ ምኽንሻብ፡ ኣብ 2015 ግና ናብ 14 ሚእታዊት ወሪዱ እዩ።

ምዕራብ ኣፍሪቃ እውን፡ ብ1996 ዝነበረ 74 ሚእታዊት፡ ኣብ 2017 ናብ 25 ሚእታዊት ብምንካይ፡ ኣገዳሲ ምዕባለ ኣመዝጊባ።

ይኹን'ምበር፡ ኣብ መናእሰይን ኣባፅሕ ደቂኣንስትዮን ሕዚ እውን እንተኾነ ልምዲ ምኽንሻብ፡ ከምዝፍፀምን እዚ ሓድሽ መፅናዕቲ ነዚአን ዘካተተ ከምዘይኾነ እዮም ተዓዘብቲ ዝገልፁ።

ኣብ ኣፍሪቃ ኣድሂቡ ናይ ዝጉስጉስ ጉጅለ '28Too'፡ ወሃቢት ቃል ኤማ ላይትኦውለር፡ "ኣብ ብርክት ዝበላ ሃገራት ኣፍሪቃ እዚ ልምዲ ምንካዩ ዋላ እኳ ሕጉሳት እንተኾንና፡ እዚ መፅናዕቲ ግና ልዕሊ 14 ዓመት ኣብ ዝዕድሚአን ዝፍፀም ምኽንሻብ ብልዕቲ ዘካተተ ኣይኮነን" ኢላ።

ሰገናትን ንመውስቦ ዝዳለዋ ደቂኣንስትዮን ከምዝኽንሸባ፡ ንቶምሰን ሮይተርስ ፋውንዴሽን ገሊፃ።

ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝን ደቡብ ኣፍሪቃን ዝመሰረቶም ነዚ ሓድሽ መፅናዕቲ ዘካየዱ ተመራመርቲ፡ መፅናዕቲ ጥዕና ስነ-ህዝብን ማእከል ህፃናት ውድብ ሕቡራት መንግስታትን (ዩኒሴፍ)፡ ውፅኢት ኣብ 210 ሽሕ ህፃናት ዘካየድዎ መፅናዕቲ እውን ተመልኪቶም እዮም።

line

ምኽንሻብ ብልዕቲ ጓልኣንስተይቲ

  • ደጋዊ ክፋል ብልዕቲ ጓልኣንስተይቲ ''ብኸፊል ወይ ብሙሉእ ቆሪፅካ ምውጋድ፡ ወይ ድማ፡ ሕክምናዊ ብዘይኮኑ ምኽንያታት ኣብ መራብሒ ኣካላት ጓልኣንስተይቲ ጉድኣት ምብፃሕ እዩ''።
  • ምኽንሻብ ብልዕቲ ደቂኣንስትዮ ኣብ 30 ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ኣብ ገለ ሃገራት ኤስያን ማእኸላይ ኣፍሪቃን ይትግበር።
  • በብዓመቱ ኣብ መላእ ዓለም ሰለስተ ሚልየን ኣጓላትን ደቂኣንስትዮን፡ ነዚ ሓደጋ ከምዝተሳጥሓ ይግመት።
  • መብዛሕትኡ ግዘ ኣብ ሰገናት ደቂሄዋን ዝፍፀም እዚ ተግባር፡ ብዙሕ ግዘ ካብ ግዘ ዕሸልነትን ክሳብ 15 ዝዕድሚአን ይኽንሸባ።
  • ዝበዝሕ ግዘ፡እታ ጓልኣንስተይቲ ኣብ ግዘ ፆታዊ ርክብ ግቡእ ባህሪ ንክተርኢ፣ ወይ ሓንቲ ሰገን ወይ ከኣ ጓልኣንስተይቲ ንመውስቦ ንምድላውን ባህሪ ኣንስታይነት ንክትላበስን የኽእል እዩ ብዝብል እምነት ይፍፀም።
  • ብሰንኪ እዚ፡ ብዙሕ ደም ምፍሳስ፣ ፀገም ሽንቲ፣ ረኽስታት፣ መኻንነት፣ ኣብ ግዘ ወሊድ ዝተሓለለኹ ፀገማትን፡ ዝውለድ ቆልዓ ምሟትን የጋጥም።

ምንጪ: ውድብ ጥዕና ዓለም

ምኽንሻብ ደቂ ኣንስትዮ ክንክይ ዝኸኣለ፡ ብርክት ዝበሉ ትካላት ዓለም ኣብዚ ፈሰስ ብምግባሮምን፡ ኣደታት ንክመሃራ ብምግባሮምን ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ተሓለቕቲ ግና ኣብዚ ዓውዲ ተወሳኺ መፅናዕቲ ክግበር ይጠልቡ።