ተደጋጋሚ ገበን ምዕማፅ ዝፈፀመ ውልቀ ሰብ ልዕሊ 250 ዓመት ማእሰርቲ ተፈሪድዎ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ደቡብ ጋተንግ፡ ንወዲ 26 ዓመት ሻድራክ ዢዳዳ ቻውከ ብ23 ገበናት ፆታዊ ዓመፅን ክልተ ፈተነ ቅትለትን ፈሪዱ።
ብዘይካ'ዚ ብፈተነ ቅትለት፣ ከቢድ ኣካላዊ መጉዳእቲ ብምፍፃም፣ ጉሕለትን ጭውያን ብዝብሉ ተወሰኽቲ ክስታት 254 ዓመታት ማእሰርቲ ተፈሪድዎ።
ነቶም ገበናት ምዕማፅ ካብ 2012 ክሳብ 2014 ኣብ ዝነበሩ እዋናት'ዩ ፈፂምዎም።
ናብ ገዛ ግዳያት እናኣተወ ኣካላዊ መጥቃዕቲ ብምብፃሕ ነቲ፡ ነቲ ገበን ምዕማፅ ይፍፅም። መፃምዲ እተን ግዳያት'ውን ነቲ ተግባሩ ክርእዩ የገድድ ነይሩ።
ፖሊስ ከምዝገለፆ፡ ቻውኬ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝወዓለ ኣብ 2015 ዝፈፀሞ ገበን ሰለስተ ወርሒ ምስሓለፎ እታ ናይ ሽዑ ግዳይ ንፖሊስ ብዝሃበቶ ሓበሬታ'ዩ።
ዝተገበረ ምርመራ ድማ ምስ ካልኦት 17 ገበናት ርክብ ከምዘለዎ ኣረጋጊፁ።
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







