ምንካይ መጠን ወሊድ ብ ደረጃ ዓለም ኣዝዩ ኣዘራራቢ ጉዳይ ኮይኑ ኣሎ

ብዓለም ደረጃ ናይ ወሊድ መጠን ስለዝነከየ ኣዝዩ ኣዘራራቢ ጉዳይ ኮይኑ ኣሎ። በዚ ድማ እተን ብቑጠባ ዝማዕበላ ሃገራት ዝያዳ ተሃስየን ዘለዋ።

ኣብ ኒጀር፡ ምዕራብ ኣፍሪቃ ናይ ወሊድ መጠን 7.1 ክኸውን ከሎ ኣብተን ዝማዕበላ ሃገራት ድማ 2.1 ኢዩ። እዚ ድማ ነቲ 'ዴሞግራፊ' ዓለም ብኣሉታ ይጸልዎ ከምዘሎ ክኢላታት ይሕብሩ።

ብዓለም ደረጃ ደቀንስትዮ ዝህልወን ብዝሒ ቆልዑ ብኣዝዩ ዘገርም ደረጃ የንቆልቁል ከምዘሎ መጽናዕቲ ዘካይዱ ክኢላታት ገሊጾም።

ዕሸል

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ብዓለም ደረጃ ናይ ወሊድ መጠን ከምዝነከየን፡ ዳርጋ ፍርቂ ሃገራት ዓለም በዚ ናይ ህጻናት ናይ ወሊድ መጠን ምንካይ ሽግር ከምዝተተንከፋን፡ ውሑድ ቁጽሪ ህጻናት ምህላው ድማ ንብዝሒ ህዝበን ክዕቅባ ከምዘይከኣላን እቲ ዘካየድዎ መጽናዕቲ ይሕብር።

እቲ ካብቲ ዘካየድዎ መጽናዕቲ ዝረኸብዎ ውጽኢት ``ዓቢ መስተንክር`` ከምዝነበረ እቶም ክኢላታት ገሊጾም።

ኣብቲ ሕብረተሰብ ኣብ ክንዲ ዝያዳ ``ደቂ ደቅኻ ምህላው ዝያዳ ኣባሓጎታት ምህላው`` ዓቢ ሳዕቤናት ከምጽእ ኢዩ ኢሎም።

እቲ ምንካይ ስጋብ ክንደይ ዓቢ ኢዩ ነይሩ?

ኣብ 1950፡ ደቂኣንስትዮ ኣብ ዕድሚኤን ብገምጋም 4.7 ቆልዑ ይወልዳ ነይረን፡ ዓሚ ዝተገብረ መጽናዕቲ ከምዝሕብሮ እቲ ናይ ወሊድ መጠን ብፍርቂ ነኪዩ ናብ 2.4 ህጻን ኣብ ዓመት። እዚ ግና ካብ ሃገር ናብ ሃገር ይፈላለ።

ኣብ ኒጀር፡ ምዕራብ ኣፍሪቃ፡ ናይ ወሊድ መጠን 7.1 ክኸውን ከሎ ኣብ ቆጵሮስ፡ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ኣትርከብ ደሴት፡ ድማ ብገምጋም ሓንቲ ኣደ ሓደ ቆልዓ ጥራይ ትወልድ።

ኣየኖት ሃገራት እየን በዚ ናይ ወሊድ ጉዳይ ተሃስየን ዘለዋ?

እተን ብቁጠባ ዝማዕበላ ሃገራት ኤውሮጳ፡ ኣሜሪካ፡ ደቡብ ኮርያን ኣውስትራልያን እየን እተን ዝተሓተ ናይ ወሊድ መጠን ዘለወን ሃገራት።

እዚ ማለት ግና ናይቶም ኣብዘን ሃገራት ዝነብሩ ብዝሒ ህዝቢ ነኪዩ ማለት ኣይኮነን፡ ምኽንያቱ ብዝሒ ህዝቢ ናይ ሓንቲ ሃገር ድምር ናይ ወሊድን ናይ ሞትን ናይቶም ናብዘን ሃገራት ዝውሕዙ ሰባትን ዝተመርኮሰ ስለዝኾነ።

ልዕሊ ኹሉ ድማ ሳዕቤናት ምንካይ ናይ ወሊድ መጠን ግዜ ስለዝወስድ።

ብዝኾነ፡ ዳርጋ ፍርቂ ሃገራት ዓለም እኹል ብዝሒ ቆልዑ ክወልዳን ከዕብያን ከለዋ፡ ዝበዝሓ እተን ብቁጠባ ዝማዕበላ ሃገራት ድማ ዝተሓተ ናይ ወሊድ መጠን ክህልወን ኢዩ።

ኣደን ዕሸልን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ስለምንታይ`ዩ ናይ ወሊድ መጠን ዝንኪ ዘሎ?

ናይ ወሊድ መጠን ዝንኪ ዘሎ ብሰንኪ ምንካይ ብዝሒ ዘርኢ [sperm] ኣይኮነን። በንጻሩ ብሰንኪ እዞም ዝስዕቡ ሰለስተ ጉዳያት ኢዩ ናይ ወሊድ መጠን ዝንኪ ዘሎ፦

- ዝውሓደ ቁጽሪ ሞት ኣብ ቁልዕነት፡ ኣዚ ማለት ድማ ደቀንስትዮ ዝወሓዱ ቆልዑ ይህልወን ማለት ኢዩ

- ብብዝሒ ናይ ጥንሲ መከላኸሊ ምርካብ

- ዝበዝሓ ደቀንስትዮ ኣብ ትምህርትን ስራሕን ስለዝርከባ

ብብዙሕ መንገዲ፡ ናይ ወሊድ መጠን ምንካይ ከም ናይ ዓወት ዛንታ ክውሰድ ጸኒሑ።

ሳዕቤናቱ እንታይ ክኸውን`ዩ?

ስደት እንተዘይህሉ፡ ብዝሒ ህዝቢ ናይ ብዙሓት ሃገራት ምነከየን ብኣረግቶት ድማ ምተዓብለለን ነይሩ።

ፕሮፌሰር ሙሪ ኣብ ዘካየዶ መጽናዕቲ፡ በዚ ዘሎ ኩነታት፡ ዝወሓዱ ቆልዑ ክህልዉ ከለው ካብ 65 ዓመት ንላዕሊ ዝኮኑ ድማ ክበዝሑ ከምዝኾኑን፡ እዚ ድማ ነቲ ዓለማዊ ሕብረተሰብ ከምዝጸልዎን ገሊጹ።

ኣነ ከምዝመስለኒ ኢሉ ሙሪ፡ ጃፓን ነዚ ጉዳይ ዝተገንዘበት ትመስል፡ ብዝሒ ህዛባ ይንኪ ስለዘሎ። ሃገራት ምዕራብ ግና በዚ ጉዳይ ዛጊት ኣይተተንከፋን ዘለዋ፡ ምኽንያቱ ብብዝሒ ስደተኛታት ይክሓሱ ስለዘለው።

ኣብ ቻይና`ኸ?

ቻይና ከም ሃገር ካብ 1950 ንድሓር ዓቢ ዕብየት ኣብ ብዝሒ ህዝባ ኣርእያ፡ ካብ ፍርቂ ቢልዮን ናብ 1.4 ቢልዮን ህዝቢ ዓብያ።

ቻይና`ውን እንተኾነት በዚ ናይ ወሊድ መጠን ብድሆታት ከጓንፋ ጸኒሑ። ኣብ 2017 መጠን ወሊድ ኣብ ቻይና 1.7 ነይሩ። ስለዚ ቻይና ካብቲ ፍሉጥ ሓደ ቆልዓ ጥራይ ምውላድ ዝብል ፖሊሲኣ ቀይራ ኣላ።

እተን ዝማዕበላ ሃገራት መጠን ወሊደን ናብ 2.1 ከዕብይኦ ክሕበራ ጸኒሐን፡ ምኽንያቱ ኩሎም ዝተወልዱ ስለዘይዓብዩን፡ እቶም ዝተወልዱ ድማ ዝበዝሑ ኣወዳት ስለዝኾኑን።

እቲ ጸብጻብ ከምዘርኣዮ፡ ኣብ ቻይና 100 ኣዋልድ ክውለዳ ከለዋ ብማዕሪኤን 117 ኣወዳት ስለዝውለዱ ብሰንኪ ናይ ጾታ ጉዳይ ዝግበር ናይ ጥንሲ ምንጻል ኣውሒድዎ።

እንተድኣ ርጉእ ብዝሒ ህዝቢ ክህልው ኮይኑ ብዙሓት ቆልዑ ክውለዱ ኣለዎም።

መግለጺ ቪድዮ, ኣብ ኒጀር፡ ወሊድ ንምቁፅፃር ኣብ ዝዓለመ ቤት ትምህርቲ ሰብኡት ትምህርቲ እናተዋህቦም እዩ።