ጓል 61 ዓመት ኣሜሪካዊት ኣደ-ዓባይ (እነሓጎ) 'ጓል-ወዳ' ወሊዳ

ጓል 61 ዓመት ኣሜሪካዊት ምስ ውላደን

ምንጪ ስእሊ, Ariel Panowicz / http://arielfried.com/

መግለጺ ስእሊ, ህጻን ኡማ ሎይዝ ምስ ወለዱን፡ እናሓጉኡን

ሴሲል ኤሌጅ ዝተባህላ ጓል 61 ዓመት ኣሜሪካዊት፡ ኣብ ክንዲ ሶደመኛ ወደንን ሰብኣይ ወደንን ንትሽዓተ ኣዋርሕ ጥንሲ ድሕሪ ምስካም ቅድሚ ሰሙን ጓል ብሰላም ተገላጊለን።

ኣብዚ እዋን ወይዘሮ ሴሲል ጥዕይቲ ሓራስ እየን፡ እታ ጓል ወደን ኡማ ልዊስ ድማ ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ከምዘላ ገሊጸን። ኣብ 26 ሃገራት ምዕራብ፡ እንተላይ ኣብ ኣሜሪካ ሓደ ጾታ ዘለዎም ሰባት ክማራዓው ፍቑድ ኢዩ።

ኣብ ሳልሳይ ዓለም፡ ብጀካ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ካልኦት ሃገራት ቅቡል ኣይኮነን ዘሎ። ካብተን 54 ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ትሽዓተ ሃገራት ኣፍሪቃ መርዓ ናይ ሓደ ጾታ ዘለዎም ሰባት ብሕጊ ክልኩል ኢዩ።

ጓል 61 ዓመት ነባሪት ግዝኣት ኔብራስካ [ኣሜሪካ] ኣብ ክንዲ ወደን ሰብኣይ ወደን ኮይና ንትሽዓተ ኣዋርሕ ዝተሰከመኦ ጥንሲ ብሰላም ንጓል ወደን ብምግልጋላ ዝተሰመዓ ሓጎስ ገሊጸን።

ሴሲል ኤሌጅ ምስ ውላደን ዳወርቲ ሒደት ደቓይቕ ቅድሚ ምውላደን

ምንጪ ስእሊ, Ariel Panowicz / http://arielfried.com/

መግለጺ ስእሊ, ሴሲል ኤሌጅ ምስ ውላደን ዳወርቲ

ሴሲል ኤሌጅ ጓል ወዳ ማቲው ኤሌጅን ሰብኣይ ወዳ ኤልዮት ዶውረቲ ንትሽዓተ ኣዋርሕ ድሕሪ ምስካም ነታ ጓል ወዳ ኡማ ልዊስ ዝሓለፈ ሰሙን ብሰላም ተገላጊለን።

ወይዘሮ ሴሲል፡ ወደንን ሰብኣይ ወደንን ዶውርቲ ስድራ ቤት ክምስርቱ ድልየት ከምዘለዎም ምስሓበርወን ኢዮም ነቲ ጥንሲ ክስከማ ፍቓደኛ ምዃነን ዝገለጻሎም።

``ሽዑ ኩሎም ስሒቖም`` ብምባል ወይዘሮ ሴሲል ንቢቢሲ ሓቢረን።

ሽዑ፡ ወይዘሮ ሴሲሊ ጉል 59 ዓመት እየን ነይረን። እቲ ዝበለኦ ድማ ከም ዋዛ ድኣ`ምበር ከም ሓቀኛ ስጉምቲ ዝወሰዶ ኣባል እቲ ስድራ ቤት ኣይነበረን።

``እቲ ወይዘሮ ሴሲል ዝወሰደቶ ስጉምቲ ናይ ሰናይ ድልየት መግለጺ ኢዩ። ናይ ብሓቂ ኣስሓኮ ዘለዋ ሰበይቲ ኢያ`` ክብለ ሰብኣይ ወደን ዶውርቲ ገሊጹ።

እቶም ኣብ ከተማ ኦማሃ [ዝዓበየት ከተማ ኣብ ግዝእት ኔብራስካ] ኣብ ጥቓ መንበሪ ገዛ ወይዘሮ ሴሲልን ብዓልቤተንን ዝነብሩ፡ ማቲውን ዶውርቲን ቆልዓ ብኸመይ ክህልዎም ከምዝኽእሉ ዳህሳስ ኣብዝገብርሉ ዝነበሩ እዋን ሓደ ሓኪም ጸገም ከምዘይኮነ ገሊጹሎም።

ወይዘሮ ኤሌጅ ምስ ስድረአን

ምንጪ ስእሊ, Alamy

መግለጺ ስእሊ, ወይዘሮ ኤሌጅ ምስ ስድረአን

ብድሕሪኡ፡ ወይዘሮ ሴሲል ቃለ መሕተትን ዝተፈላለየ ሕክምናዊ መርመራታትን ድሕሪ ምክያድ፡ ነቲ ጥንሲ ክስከማ ከምዝክእላ ተሓቢረን።

ብድሕሪኡ፡ ወዳ ማቲው ዘርኢ ተባዕታይ ድሕሪ ምሃብ፡ ሊያ፡ ሓብቱ ንዶውርቲ ድማ ናይ ጓልንስተይቲ እንቋቁሖ ለጊሳ።

እቲ ከም መሻጢ ጸጉሪ ደቀንስትዮ ዝሰርሕ፡ ዶውርቲ፡ እቶም ቅቡላት ሰብኣይን ሰበይትን [ሶዶምኛታት ዘይኮኑ] ንኽወልዱ ነቲ ናይ IVF መስርሕ [ናይ ወዲ ተባዕታይ ዘርኢን ናይታ ጓልንስተይቲ እንቋቁሖን ካብ ካብ ማህጸን ውጻኢ ምርኻብ] ከም ናይ መወዳእታ ኣማራጺ ይወስድዎ፡ ንዓዓቶም ግና እቲ መስርሕ ``እንኮ ተስፍኦም`` ኢዩ ነይሩ።

እቲ ኣብ ናይ መንግስቲ ቤት ትምህርቲ ዝምህር፡ ማቲው ድማ ኩሉ ሻዕ ካብ ካልኦት ፍሉያት ክንከውንን፡ ኣብዚ ጉዳይ ድማ ኣተሓሳስባና ከንግፍሕን ይግባእ`` ኢሉ።

ወይዘሮ ኤሌጅ ምስ ስድረአን

ምንጪ ስእሊ, Ariel Panowicz / http://arielfried.com/

መግለጺ ስእሊ, ወይዘሮ ኤሌጅ ምስ ስድረአን

ወይዘሮ ሴሲሊ እቲ ጥንሲ ስሩዕ ከምዝነበረን ምስቲ ናይቶም ሰልሰተ ደቀን ጥንሲ ድማ ቅሩብ ፍልልይ ከምዝነበሮ ገሊጸን።

ማቲው ኤልጅ፡ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ምስ ኤልዮት ዶውርቲ ክማራዓው ከምዝኾኑ ነቲ ኣማሓዳሪ ናይቲ ዝሰርሓሉ ዝነበረ ናይ ካቶሊክ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ምስሓበሮ ካብ ስርሑ ብምስጓጉ ኣብ ማዕከናት ዜና ዓቢ ሸፋን ረኺቡ።

ብዝኾነ ሓደ ሰሙን ድሕሪ ወይዘሮ ሴሲሊ ንሰንን ጓል ወደን ኡማን ጽቡቕ ከምዘለዋ ገሊጸን።