ጆርጅ ፍሎይድ፡ ኣፍሪቃውያን-ኣመሪካውያን፡ ሕጊ ብኸመይ ፍትሒ ይህቦም?

ስእሊ፡ ብፖሊስ ዝቐትለ ጆርጅ ፍⶀይድ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣብ ግዝኣት ኣሜሪካ ሚኒሶታ ከተማ ሚኒያፖሊስ ድሕሪ ዘጋጠመ ቕትለት ጸሊም ኣሜሪካዊ ጆርጅ ፍሎይድ፡ ኣብ ብዙሓት ከተማታት ኣሜሪካ ሓያል ናዕቢ ተላዒሉ ቐንዩ።

ወዲ 46 ዓመት ፍሎይድ፡ ፖሊስ ኣብ ክሳዱ ብእግሩ ሓኒቑ ምስ ሓዞ'ያ ህይወቱ ሓሊፋ።

በዚ ምኽንያት፡ እቲ ውልቀሰብ ናይ ምትንፋስ ሕጽረት ኣጋጢሙዎ ብሰብ ከም ዝተቐትለ ዘረጋግጽ ውጽኢት መርመራ ኣስክሬን ሎሚ መዓልቲ ተገሊጹ።

ኣብ ኣሜሪካ ዝፍጸሙ ገበናትን ዝወሃብ ፍትሕን ዝምልከት መረዳእታ ንገሊኡ ዳህሲስናዮ ኣለና።

ሕጊ እታ ሃገር'ከ፡ ንጸለምቲ ኣሜሪካውያን ከመይ'ዩ ዝዳንዮም?

1. ኣፍሪቃ-ኣሜሪካውያን፡ ጥይት ናይ ምቕታል ዕድሎም ሰፊሕ'ዩ

ፖሊስ ጥይት ተኲሶም ዘስዓቡዎ ሞት ክርኣይ እንከሎ፡ ብመንጽር ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ህዝቢ ኣሜሪካ፡ ኣፍሪቃ - ኣሜሪካውያን፡ ተቐቲሎም ናይ ምሟት ዕድሎም ሰፊሕ ከም ዝኾነ ምርዳእ ይከኣል።

መርኣዪ ኣብ ኣሜሪካ ብፖሊስ ዝፍጸም ቕትለት

ብ2019፡ ብዝሒ ህዝቢ ጸለምቲ ኣሜሪካውያን ትሕቲ 14 ሚኢታዊት ከም ዝነበረ፡ መረዳእታ ቖጸራ ህዝቢ ኣሜሪካ የመላኽት።

ግን ድማ፡ ፖሊስ ተኲሶም ኣብ ዘስዓቡዎ ሞት ልዕሊ ሓደ ሽሕ ዜጋታት፡ 23 ሚኢታዊት ጸለምቲ እዮም።

እዚ፡ ካብ 2017 ጀሚሩ ለውጢ ከየርኣየ እዩ መጺኡ። ቑጽሪ ብተመሳሳሊ ኣጋጣሚ ዝሞቱ ጸዓዱ ግን እናነከየ መጺኡ።

2. ጸለምቲ ኣሜሪካውያን፡ ብመዐወኒ ሓሽሽ ናይ ምእሳር ዕድሎም ዝለዓለ እዩ

ኣፍሪቃ-ኣሜሪካውያን፡ ብተመሳሳሊ ገበን ካብ ጸዓዱ ንላዕሊ ከም ዝእሰሩ፡ መረዳእታታት የመልክቱ።

ብ2018፡ ካብ 100 ሽሕ ጸለምቲ ኣሜሪካውያን እቶም 750 ብገበን መዐወኒ ሓሽሽ ተኣሲሮም። ኣብዚ ግዘ፡ ብተመሳሳሊ ገበን ዝተኣሰሩ ጸዓዱ ኣሜሪካውያን፡ ካብ 100 ሽሕ 350 ጥራሕ እዮም።

ቅድም ክብል፡ ኣብታ ሃገር ዘሎ ኣጠቓቕማ መዐወኒ ሓሽሽ ጠሚቱ ዝተካየደ መጽናዕቲ ከም ዘርእዮ፡ ጸዓዱ ኣሜሪካውያን ምስ ጸለምቲ ኣሜሪካውያን ብተመሳሳሊ ደረጃ ሓሽሽ ከም ዝጥቀሙ ይገልጽ። ይኹን'ምበር፡ እቶም ጸለምቲ እዮም ዚያዳ ዝእሰሩ።

ንኣብነት፡ ማሕበር ሲቪል ናጽነት ኣሜሪካውያን ብዘካየዶ መጽናዕቲ፡ ዋላ'ኳ ክልቲኦም ዓሌት ማሪዋና ኣብ ምጥቃም ዘለዎም ፍልልይ ተመሳሳሊ እንተኾነ፡ ጸለምቲ ኣሜሪካውያን ማሪዋና ብምጥቃም ካብቶም ጸዓዱ፡ ብልዕሊ 3.7 ዕጽፊ ናይ ምእሳር ተኽእሎ ኣለዎም።

ጸለምቲ ኣሜሪካውያን፡ ብምኽንያት ቕትለት ጆርጅ ፍⶀይድ ሓያል ተቓውሞ ኣልዒሎም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

3. ብዙሓት ጸለምቲ ኣሜሪካውያን እሱራት'ዮም

ጉዳይ ማእሰርቲ ጸለምቲ ኣሜሪካውያን ምስ ጸዓዱ ደቂ ሃገሮም ክወዳደር እንከሎ፡ ብሓሙሽተ ዕጽፊ ዝዛየደ እዩ።

ብ2018፡ ብዝሒ ህዝቢ ኣፍሪቃ - ኣሜሪካውያን ኣስታት 13 ሚኢታዊት'ዩ ነይሩ። ግን ድማ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ካብ ዘሎ ኣሜሪካዊ፡ እቶም ልዕሊ 33 ሚኢታዊት [ሓደ መሰለስ ብዝሒ ህዝቢ ኣሜሪካ] ዝሕዙ እቶም ጸለምቲ እዮም።

እቶም 60 ሚኢታዊት ብዝሒ ህዝቢ እታ ሃገር ዝውክሉ ጸዓዱ ኣሜሪካውያን፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘለዎም ውክልና ኣስታት 30 ሚኢታዊት እዩ።

እዚ ማለት፡ ካብ 100 ሽሕ ጸለምቲ ኣሜሪካውያን እቶም ልዕሊ ሓደ ሽሕ ክእሰሩ ከለው፤ ካብ 100 ሽሕ ጸዓዱ እቶም 200 እዮም ዝእሰሩ።

ኣብ ዝሓለፈ 10 ዓመት ቑጽሪ ዝእሰሩ ጸለምቲ ኣሜሪካውያን ምንካይ እንተኣርኣየ'ውን፡ ሕጂ'ውን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘሎ ብዝሖም ካብቲ ካልእ ዓሌት ዝዛየደ እዩ።