ጆርጅ ፍሎይድ፡ ውጽኢት መርመራ ኣስክሬን ጆርጅ ፍሎይድ ተገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ወዲ 46 ዓመት ጸሊም ኣሜሪካዊ ጆርጅ ፍሎይድ ኣብ ሚኒሶታ ምስ ሞተ፡ ትኽክለኛ ምኽንያት ሞት እቲ ውልቀሰብ ብሕክምና ክጻረ ድሕሪ ምቕናዩ ሎሚ መዓልቲ ብሰብ ከም ዝተቐትለ ዘረጋግጽ ውጽኢት መርመራ ኣስክሬን ተሓቢሩ ኣሎ።
ኣቐዲመን ሓደ ሓደ መራኸቢ ብዙሃን፡ ጆርጅ ፍሎይድ ብጥዕናዊ ጸገማቱ እምበር ብፖሊስ ብዝወረዶ ማህሰይቲ ኣይኮነን ሞይቱ ኢለን ከጋውሓ ጀሚረን ነይረን።
እቲ ወግዓዊ ውጽኢት መርመራ ኣስክሬን ከም ዘመልክቶ ግን፡ ፍሎይድ ንሞት ዘቃልዕ ጥዕናዊ ጸገም ከም ዘይነበሮ ብምግላጽ፡ እቲ ፖሊስ ኣብ ክሳዱ ብእግሩ ስለ ዝረገጾ ተዓፊኑ ከም ዝሞተ ተሓቢሩ ኣሎ።
እቲ ግዳይ መጥቃዕቲ ፖሊስ ዝኾነ ጆርጅ፡ ሰብ ሞያ ሕክምና "ካርዲዩፑልሙናሪ ኣሬስት" ኢሎም ብዝጽውዑዎ ጸገም፡ ልቢ ዑደት ደም ከተቋርጽ እንከላ ዝፍጠር ዝተሓላለኸ ጸገም እዩ።
ጆርጅ ፍሎይድ፡ ክሳዱ ምስተረግጸ እቲ ናይ ደም ዑደት ተሰናኺሉ ክኽውን ከምዝኽእል እቲ መርመራ ኣስክሬን ይጠቅስ።
ስድራ ጆርጅ ፍሎይድ'ውን እውን ብወገኖም ናይ ውልቂ መርማሪ ኣስክሬን ቖጺሮም ከምዝጻረ ገይሮም'ዮም። ኣብ መወዳእታ ብውጽኢት መርመራ እቲ ኣስክሬን ከምዝተረጋገጸ፡ እቲ ግዳይ፡ ኣብ ክሳዱን ሑቑኡን ብፖሊስ ስለ ዝተረገጸ ብሕጽረት ኦክሲጂን 'ኣሲፊክሲያ' እዩ ሞይቱ ይብል።
ጠበቓ ስድራ ፍሎይድ ቤንጃሚን ክራምፕ፡ "እቲ ፖሊስ ንፍሎይድ ክሳዱ እንተዘይረግጾን፡ እቶም ክልተ መሳርሕቱ ከኣ ኣብ ሑቑኡ እንተዘይረግጹዎ ሕጂ ብህይወት ምሳና ምሃለወ" ኢሉ።

![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







