ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ፡ ኣርባዕተ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ተቐቲሎም

ዝሓለፈ ዓርቢ፡ ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ ዞባ ወለጋ ወረዳ ነጆ፡ ኣርባዕተ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ተቐቲሎም።
ካብቲ ብዕጡቓት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብህይወት ዝተረፈ ኣመሓዳሪ እታ ወረዳን ስድራ ግዳያትን ብዝረኸብናዮ ሓበሬታ፡ ብዓርቢ [ብ29 ግንቦት 2020]፡ ብኣባላት ሸኔ ብዝተባህለ ኣብ ኦሮሚያ ዝንቀሳቐስ ዕጡቕ ጉጅለ ኣብ ልዕሊ 10 ሰራሕተኛታት መንግስቲ መጥቃዕቲ ፈጺሙ።
በዚ፡ እቶም ኣርባዕተ እንትሞቱ፡ እቶም ሰለስተ ቖሲሎም፡ ካልኦት ሰለስተ ድማ ዝኾነ ዓይነት መጉዳእቲ ከይበጽሖም ብህይወት ተሪፎም።
ኣብቲ ዝተጠቕሰ ዕለት፡ ካብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ንዝተመዛበሉ ዜጋታት ድኹዕን ሙሩጽ ዘርእን ንምክፍፋል፡ ካብ ዝተፈላለዩ ኣብያተ ጽሕፈት መንግስቲ ዝተወጻጽአ ኮሚቴ ኣሞማ ዴገሮ ናብ ዝብሃል ጣብያ ከም ዝተጉዓዘ፡ ኣመሓዳሪ ወረዳ ነጆ ኣቶ ተሊላ ተፈራ ንቢቢሲ ገሊጹ።
"እቶም ሰራሕተኛታት መንግስቲ፡ ኣብታ ጣብያ ዝነበሮም ስራሕ ብሰላም ዛዚሞም ክምለሱ ከለው፡ ዋጋሪ ቡና ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ከባቢ ክበጽሑ ከለው ጸረ ሰላም ዝኾኑ ዕጡቓት ሸኔ ተኹሲ ከፊቶም" ኢሉ።
እቶም ናብ ህዝቢ ወሪዶም ዝነበሩ ሰራሕተኛታት መንግስቲ 10 እዮም ነይሮም ዝብል እቲ ኣመሓዳሪ፡ ካብኦም እቶም ኣርባዕተ በቲ መጥቃዕቲ ከም ዝሞቱ ሓቢሩ።
"እቲ ሓደ፡ ኣብዲ ኣበራ ዝበሃል መራሒ መኪና ኮይኑ፡ ሓኪም እንስሳት ዝነበረ ዳዊት ተርፋሳ፣ ባህሩ ኣየለን እስራኤል መርዳሳን ዝበሃሊ ድማ ኣባላት ሚሊሺ እታ ወረዳ እዮም" ኢሉ።
እንታይ'ዩ ተፈጢሩ?
እቲ መጥቃዕቲ፡ ብዓርቢ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቐትሪ'ዩ ተፈጺሙ።
እዞም ሰራሕተኛታት ብሓገዝ ዝተረኽበ ሙሩጽ ዘርእን ድኹዕን ሒዞም ብምኽንያት ጸገም ጸጥታ ካብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ንዝተዘናበሉ ወገናት ንምክፍፋል ናብ ኣሞማ ዴገሮ ይኸዱ።
እዚኦም፡ ካብ ቤት ጽሕፈት ድልውነት ሓደጋን ቑጽጽርን፣ ጥዕና እንስሳትን ሚሊሻን እቲ ወረዳ ዝተወጻጽኡ'ዮም ነይሮም።
ናብታ ጣብያ ዝኸድሉ ልኡኽ ፈጺሞም፡ ሰዓት 9፡35 ድሕሪ ቐትሪ [ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ] ናብ ከተማ ነጆ ይምለሱ ነይሮም። ኣብዚ እዋን፡ ኣብቲ ከባቢ ዝንቀሳቐሱ ኣባላት ሸኔ እዮም ዝበሃሉ ዕጡቓት ተኹሲ ይኸፍቱሎም።
"መጀመርታ፡ ናይታ መኪና ጎማ ብጥይት ወቒዖምዎ" ዝበለ ኣቶ ተላላ፡ እታ መኪና ጠጠው ክትብል ከላ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ሰራሕተኛታት መንግስቲ ተኹሲ ከም ዝተኸፈተ ይዛረብ።
"መሰኻኽር ዓይኒ ከም ዝእሉዎ፡ እቶም ዕጡቐዓት ሸሞንተ እዯም ነይሮም" ኢሉ።
"እታ መኪና ብጥይት ተወቒዓ ደው ምስ በለት፡ ሃዲሞም ህይወቶም ከትርፉ ዝኸኣሉ፡ ብህይወት ወጺኦም ኣለው። ኣብታ መኪና ብጥይት ወቒዖምዎም 'ሞይቶም'ዮም' ኢሎም ዝገደፉዎም'ውን ኣለው" ይብል ኣቶ ተላላ።
እቶም ኣርባዕተ፡ ሽዑ ንሽዑ ህይወቶም ክሓልፍ እንከሎ፡ እቶም ሚሊሻ ሒዞምዎ ዝነበረ መሳርሒ በቶም ዕጡቓት ከም ዝተወሰደ እቲ ኣመሓዳሪ ገሊጹ።
ድሕሪ እዚ መጥቃዕቲ፡ ኣብቲ ከባቢ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻልን ፍሉይ ሓይሊ ኦሮሚያን ከም ዝተዋፈረን፡ ክሳብ ሕጂ ዝተትሓዘ ጥርጡር ከም ዘየለን እቲ ኣመሓዳሪ ዝሃበና ሓበሬታ የመልክት።
ኣብ ሳልሳይ ሰሙን ዝተቐትለ መራሒ መኪና
በቶም ዕጡቓት ካብ ሞንጎ ዝተቐተሉ እቲ ሓደ፡ መራሒ መኪና ኣብዲ ኣበራ እዩ።
ዓብዪ ሓው ኣብዲ፡ ቴዲ ኣበራ "ሓወይ እምኒ ጸይረ እየ ኣዕብየዮ፤ ስራሕ ካብ ዝጅምር ገና ሳልሳይ ሰሙኑ'ዩ" ይብል።
"ብዘይ ኣቦ እየ ኣዕብየዮ። ስራሕ ካብ ዝጅምር ናይ ሓደ ወርሒ መሃያ'ውን ኣይተቐበለን። ቖልዓ ሓደ ዓመትን ክልተ ወርሕን ኣለዎ። እዚ ህጻን'ውን ልክዕ ከም ኣቡኡ ብዘይ ወላዲ ክዓቢ'ዩ ማለት'ዩ" ክብል ዝተሰምዖ መሪር ሓዘን ይገልጽ።
ወሲኹ፡ "ኣስክሬኑ ኣምጺኦም ሂቦምና። መን? ንምንታይ ቐቲሉዎ? ኢልና እንሓቶ ኣካል'ውን የለን። ቕንዕ ኢሉ ንሰብ ዘይርኢ፣ ሰባት ዝፈትዉዎ ወዲ 21 ዓመት መንእሰይ'ዩ ነይሩ" ይብል።
ኣብዲ፡ ኣብታ ወረዳ ስራሕ ቅድሚ ምጅማሩ ቅድሚ ሰለስተ ሰሙን፡ ኣብ ከተማ ነጆ ናይ ሰብ ባጃጅ እናሰርሐ ናብርኡ ይመርሕ ነይሩ።
"ናተይ ተስፋ ንሱ'ዩ ነይሩ፤ ተስፋይ ቀቢሮምለይ። ኣብ ልዕሌና ዝበጽሐ በደል፡ ኣብ ካልኦት ክበጽሕ ዘይብሉ እዩ" ክብል ዓብዪ ሓው ብሓዘን ተሰይሩ ክነሱ፡ እዚ መከራ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ክበጽሕ የብሉን ብምባል ኮኒኑ።
ስግኣት ሰራሕተኛታት መንግስቲ
ኣመሓዳሪ ወረዳ ነጆ ኣቶ ተሊላ ከም ዝብሎ፡ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ትኹረት ዝገበረ መጥቃዕቲ ክፍጸም ጸኒሑ እዩ።
"እዞም ጉጅለታት ናይ ልምዓት ስራሕ ክስራሕ እንከሎ፡ ሕጉሳት ኣይኮኑን። ቅድም ኢሉ'ውን ንሰራሕተኛታት መንግስቲ ዒላማ ክገብሩ ጸኒሖም'ዮም" ይብል።
ቅድሚ ሕጂ፡ ናይ ወረዳን ጣብያን ኣመሓደርቲ፣ ሚሊሻ፣ ኣብ ዕደና ዝተዋፈሩ ሰራሕተኛታት ከም ዝተቐተሉ ዝዛረብ ኣቶ ተሊላ፡ ከምዚ ዓይነት መጥቃዕታት ዓብዪ ስግኣት ይፈጥሩ ምህላዎም ኣብሪሁ።
"ሰራሕተኛታት መንግስቲ ዓብዪ ስግኣት ኣለዎም። ሓይልታት ጸጥታ ከየሰነዩዎም ብስራሕ ምኽንያት ናብ ገጠራት ዝኸይድ ሰራሕተኛ የለን። ብምትሕብባር ሓይልታት ጸጥታ ጥራሕ ኢኻ ስራሕ ክትሰርሕ እትኽእል" ኢሉ።
ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ፡ ብዕጡቓት ሓይልታትን ሓይልታት ጸጥታ መንግስትን ተፈጺሞም ብዝበሃሉ ብርክት ዝበሉ መጥቃዕታት፡ ህይወት ብዙሓት ንጹሃት ዜጋታት ከም ዝጠፍአን ኣካለዊ መጉዳእቲ ከም ዝበጽሐን ካብቲ ከባቢ ዝወጽኡ ሓበሬታታት የመልክቱ።
መንግስቲ፡ ነቶም ኣብቲ ከባቢ ዝፍጸሙ መጥቃዕታት ተሓታቲ ዝኸውን፡ ሸኔ እዩ ይብል።
ቢሮ ምምሕዳርን ጸጥጥታን ኦሮሚያ ቅድሚ ክልተ መዓልቲ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ ኣብ ዘለዋ ዞባታት ብኦነግ ሸኔ ብዝፍጸሙ ዝተፈላለዩ መጥቃዕታት፡ ልዕሊ 770 ሰባት ከም ዝተቐተሉን ልዕሊ 1300 ድማ ኣካለዊ መጉዳእቲ ከም ዝበጽሖም ሓቢሩ።
ካብዚ ሓሊፉ፡ ተጨውዮም ዝተወሰዱን ድሃዮም ዘይፍለጥን 72 ሰባት ከም ዘለው ኣመልኪቱ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







