'ሓይሊታት ጸጥታ ኢትዮጵያ ዘስካሕክሕ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ፈጺሞም' ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል

ኣቢይ ኣሕመድ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ዝሓለፈ ዓመተ ፈረንጂ ኣብ ኢትዮጵያ ክልላት ኣምሓራን ኦሮምያን፡ ዝተፈላለዩ ሓይልታት ጸጥታ መንግስትን መደበኛ ዘይኮኑ ዕጡቓት ተሓባበርቶምን ዘስካሕክሕ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ፈጺሞም ክብል ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ዝኾነ 'ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል' ከሲሱ፡፡

ኣምነስቲ ሎሚ ኣብ ዘውጸኦ በዓል ሰብዓ ገጽ ጸብጻብ፡ ንኣስታት ሓደ ዓመት ኣብ ክልቲኦም ክልላት ብዝገበሮ ምርመራ፡ ኣብ ኦሮምያ ምብራቕን ምዕራብን ጉጂ፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ድማ ኣብ ዞባታት ምዕራባውን ማእከላይን ጎንደር፡ ብሰራዊት ምክልኻል፣ ፍሉይ ሓይሊ እቶም ክልላት፣ ከባብያዊ ኣመሓደርትን ምስኦም ርክብ ዘለዎም ጉጅለታት መናእሰይን፡ ኣብቲ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ተሳቲፎም እዮም ኢሉ።

እቲ "ክንዮ ኣኽበርቲ ሕጊ፡ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ኦሮምያን ብሓይሊታት ጸጥታ ኢትዮጵያ ዝተፈጸሙ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት" ዝብል ኣርእስቲ ዝተዳለወ ጸብጻብ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ብሓይልታት ጸጥታ ዝፍጸሙ ቅትለታት፣ ጅምላዊ ማእሰርቲ፣ ብሓይሊ ዝግበሩ ምፍንቓላትን ንብረት ምዕናውን ብቕልጡፍ ጠጠው ከብሉ ግልጺ መምርሒ ክህቡ ሓቲቱ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ናብ ስልጣን ምስ መጽአ፡ ሰብኣዊ መሰል ኣብ ምኽባር ካብ ዝተርኣዩ ኣወንታዊ ለውጥታት ብተወሳኺ፡ ፖለቲካውን ብሄር መሰረት ዝገበሩን ምስሕሓባት ከም ዝተርኣዩን፡ ኣብ ክልላት ኦሮምያ፣ ኣምሓራ፣ ሃረሪን ደቡብን ንዕጥቃዊ ምንቅስቓስን ማሕበረሰባዊ ጎንጽን ምኽንያት ምዃኖም ኣምነስቲ ገሊጹ።

ንቀዳማይ ሚኒስተር፣ ሚኒስትሪ ምክልኻል፣ ሚኒስትሪ ሰላም፣ ዓቃቢ ሕግን ካልኦት ኣካላት መንግስትን፡ ገበነኛታት ናብ ፍርዲ ምቕራብ፣ ዘይሻራውን ነጻን ሲቪክ ማሕበራት ብዛዕባ ምምስራት፣ ዘይሕጋዊ ቅትለት ምምርማርን ብዛዕባ ዝውሰድ ስጉምትን ምኽሪ ሓሳብ ከም ዘቕረበ ዝጠቅስ ጸብጻብ ኣምነስቲ፡ ኣብ ኣብዚ ንልዕሊ 80 ሰባት ከም ዘዘራረበን ዝምልከቶም ኣካላት ርእይቶ ክህቡ ከም ዝገበረን ይገልጽ።

ሚኒስትሪ ሰላም፣ ሚኒስትሪ ምክልኻል፣ ፖሊስ ኮሚሽን ፌደራል፣ ምምሕዳር ጉዳያት ጸጥታ ኦሮሞያ፣ ፖሊስ ኮሚሽን ኦሮሚያ፣ ቢሮ ጸጥታ ኣምሓራን ፖሊስ ኮሚሽን እቲ ክልልን ኣብዚ ጉዳይ ምላሽ ክህቡ ከም ዝሓተቶም'ውን ገሊጹ። ኣብዚ ጉዳይ ግን ካብ ቢሮ ጸጥራ ክልል ኣምሓራ ጥራሕ መልሲ ከም ዝረኸበ ጠቒሱ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕበዚ መግለጺ ክሳብ ሕጂ ዝኾነ መልሲ ኣይሃበን'ዘሎ።

ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል

ምንጪ ስእሊ, Amnesty international

ኦሮምያ

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ 2019 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ]፡ ጸጥታ ምኽባር ዝዓለመ ሓይሊ ዕማም ኣብ ዞባታት ምዕራብን ምብራቕን ጉጂ ኣጣይሹ፡፡

እቲ ካብ ሚልሻታት፣ ፖሊስ፣ ፍሉይ ሓይልን መከላኸሊ ሰራዊትን ዝተወጻጽአ ሓይሊ ዕማም፡ ኣብ ክልቲአን ዞባታት ዘሎ ሰራዊት ነጻነት ኦሮሞ [ኦኤልኤ] ዝነበረ ዕጡቕ ሓይሊ ናይ ምምካት ዕላማ ከም ዝነበሮ ኣምነስቲ ይሕብር።

ጥሪ 2019፡ ኣብ ዞባ ምብራቕ ጉጂ 39 ሰባት ከም ዝተቐተሉ ብዘካየድክዎ መርመራ ኣረጋጊጸ እየ ዝብል ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ ካብዚኦም እቶም 23 ኣብ ወረዳ ጉሮ ዶላ ብሰራዊት ምክልኻልን ፖሊስ ኦሮምያን ዝተቐተሉ እዮም ኢሉ፡፡

እቶም 16 ድማ ኣብ ወረዳ ዱግዳ ዳዋ ከባቢ ርሽና፡ ካብ ፍርዲ ወጻኢ ብዝመስል መገዲ ከም ዝተቐተሉ ጭቡጥ መረዳእታ ከም ዘለዎ ብምግላጽ ይኸስስ፡፡

ቀጺሉ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ፡ ኣብ ካልኦት ከባቢታት ኦሮምያ፡ ብኣባላት ምክልኻል ተኣሲሮም ዝነበሩ ሰባት ብጥይት ከም ዝቐተሉዎም ጸብጻብ ኣምነስቲ ይሕብር።

ቀጺሉ ድማ ካብቶም ቅትለታት ብተወሳኺ ጅምላዊ ማእሰርቲ ከም ዝተፈጸመን፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ድማ ስቅያት ይፍጸም ከም ዝነበረን ዝገልጽ ኣምነስቲ፡ ገና ኣብ መስርሕ መርመራ እኳ እንተሃለወ ክስታት ግዱድ ጾታዊ ዓመጽ'ውን ከም ዝተፈጸመ ጸብጺቡ ኣሎ።

መግለጺ ቪድዮ, ወዶም ብወተሃደራት መንግስቲ ከም ዝተቐትለ ዝዛረቡ ነበርቲ፡ ምዕራብ ወለጋ ዞን

ኣምሓራ

ካብ መስከረም 2018 ክሳብ ጥቅምቲ 2019 ኣብ ዞባታት ምዕራብን ማእከላይን ጎንደር ኣብ መንጎ ማሕበረሰብ ቅማንትን ኣምሓራን ጎንጺ ነይሩ ይብል።

ኣብ ወረዳታት ቋራ፣ መተማን ጭልጋን ኣባላት ፖሊስን ሚልሻን እቲ ክልል ኣብ ልዕሊ ኣባላት ማሕበረሰብ ቅማንት መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸሙን ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ነቲ ጸገም ንምህዳእ ዝኾነ ዓይነት ሓገዝ ከም ዘይገበሩን ይኸስስ፡፡

እቶም ኣባላት ምክልኻል ብኣቆጻጽራ ፈረንጂ 10ን 11ን ጥሪ ከምኡ'ውን መስከረም 2019፡ ናይ ርድኡና ምሕጽንታ'ኳ እንተቐረበሎም፡ ንሳቶም ግን "ጸማም እዝኒ ሂቦም" ይብል።

ኣብ ጥሪ 2019፡ ኣብ ሓደ መዓልቲ ኣብ ዘይመልእ ጊዜ 58 ሰባት ተቐቲሎም ብጅምላ ተቐቢሮም ክብል'ውን ይከስስ።

ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ ካብ ቤት ጽሕፈት ጸጥታ ከተማ ጎንደር ረኺበዮ ብዝበሎ ሓበሬታ፡ ኣብ መስከረምን ጥቅምትን 2019 ኣብ ከባቢ መተማ ብዝተወለዐ ቀቢላዊ ግጭት 43 ሰባት ከም ዝሞቱን 12 ሰባት ከም ዝቖሰሉን ጠቒሱ፡፡

10 ጥሪ 2019፡ ኣብ ከተማ መተማ ዮሃንስ፡ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ኣሕሉቕ ጎበዝን ፋኖ ዝባሃሉ ጉጅለን፡ 'ቀበሌ ሦስት' ዝበሃል ብበዝሒ ኣባላት ቅማንት ዝነብሩሉ ከባቢ፡ ከቢቦም ብእምኒ፣ ጠበንጃን ቦንባን ንሰባት ከም ዘጥቅዑ ዝገልጽ ኣምነስቲ፡ ሰራዊት ምክልኻል ክሳብ ዝበጽሕ ን24 ሰዓታት እቲ መጥቃዕቲ ቀጺሉ ምንባሩ ሓቢሩ።

እቲ መጥቃዕቲ ንምፍጻም ንመዓልቲታት ምድላው ከም ዝተገበረ መሰኻኽር ዓይኒ ነጊሮሙኒ ዝብል እቲ ትካል፡ እቶም መናእሰይ ብፖሊስን ሚልሻን ተሓጊዞም እቲ መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸሙን፡ መከላኸሊ ሰራዊት ድማ ን24 ሰዓታት ዝኾነ ዓይነት ሓገዝ ከም ዘይገበሩን ይጠቅስ።

በለጠ መንግስቱ ዝተባህለ ናይ ኣይኒ መሰኻኽር ዝጠቅስ ኣምነስቲ " እቲ ሰራዊት ኩሉ ጥፍኣት ምስ ተፈጸመ እዩ በጺሑ። 1600 ዝኾኑ ኣባላት ማሕበረሰብ ቅማንት ናብ ናይ ሰራዊት ሰፈራ ጣብያ ተወሲዶም እዮም" ኢሉኒ ይብል።

ሰራዊት ኢትዮጵያ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ወተሃደራት ኢትዮጵያ

ብተወሳኺ 12 ጥሪ 2019 " ነቶም ዝሞቱ ኣብ መተማ ተኽለሃይማኖት ቤተ ክርስትያን እንትንቀብር ናይ 58 ሰባት ሬሳ ቖጺረ እየ" ከም ዝበሎ ኣብ ጸብጻቡ ኣስፊሩ።

ብ11 ጥሪ 2019፡ ብዙሓት ኣባላት ማሕበረሰብ ቅማንት ኣብ ዝነብሩሉ መንደር ናይ ሳትላይት ምስሊ ተጠቒሙ ትኪ ከም ዝተርኣየን ብሰሜናዊ ምዕራብ እታ ከተማ ዘለዉ ክልተ ከባቢታት ተቓጺሎም ክኾኑ ከም ዝኽእሉን ኣምነስቲ ይገልጽ።

ካብ ከተማ ጎንደር ንኣንፈት ሰሜን ኣብ ዝርከባ ተወለድቲ ቅማንት ኣብ ዝበዝሑለን ከባቢታት ኣርባባ፣ ወለቃን ሳይናን ናይ ሕነ ምፍዳይ ዝመስል መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ኣምሓራ፡ ካብ ጥሪ 14 ክሳብ 16 ከም ዝተፈጸመ ሓበሬታ ኣለኒ 'ውን ኢሉ፡፡

በቶም ዝተኻየዱ ማሕበረሰባዊ ጎንጺታት ብውሑድ 130 ከም ዝተቐተሉ ዝግልጽ ኣምነስቲ፡ ሓይሊታት ጸጥታ ዕሽሽ ብምባሎም ከምዘጋደዶ ይጠቅስ።

ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ ነዚ ጸብጻብ ከዳሉ እንከሎ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣይከል፣ ኣይምባ፣ ወለቃን ሃዋሳን ዝርከቡ ልዕሊ 80 ውልቀሰባት ከም ዘዘራረበ ይሕብር።