መንግስቲ፡ ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ ብዝፍጠሩ ዘለው ጸገማት ዝሕተት ሸኔ'ዩ ኢሉ

ምንጪ ስእሊ, ከማህበራዊ ሚደያ
ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ ኣብ ዝርከባ ኣርባዕተ ዞባታት፡ ብፍላይ ድማ ዞባታት ምዕራብ ወለጋን ቄሌም ወለጋን፡ 'ብሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ቕትለት ይፍጸም ኣሎ' ዝብሉ ተደጋገምቲ መረረታት ካብ ነበርቲ ይስምዑ።
ኣብ ማሕረስ ከላ ዝተቐትለት ኣደ ኣርባዕተ ቖልዑት
ኣብ ዞባ ምዕራብ ወለጋ ወረዳ ላሎ ኣሰቢ፡ ቢርቢር ኣብ ዝተባህለት ጣብያ፡ ኣደ ኣርባዕተ ቖልዑት ሰበይቲ ተቐቲላ'ያ።
ወይዘሮ ኣምሳሉ ጉደታ፡ ብግንቦት 13 2012 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ] ኣብ ማሕረስ እንከላ፡ ካብ ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ብዝተተኮሰ ጥይት ተወቒዓ ከም ዝሞተት በዓል ቤታ ኣቶ ሚረቴ ኢማና ይዛረብ።
"ገዲፋቶም ዝኸደት ህጻናት፡ 'ኣዴና መዓዝ'ያ ክትመጽእ' እናበሉ ይጭቕጭቑኒ ኣለው" ይብል።
"ኣስካሬን ወደይ ተጠቕሊሉ ኣብ መገዲ ረኺበዮ"
ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ዞባ ምዕራብ ወለጋ ነባሪ ወረዳ ጉንጂ ለሊሳ ተፈሪ፡ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣብቲ ከባቢ ብዝተዋፈረ ናይ መንግስቲ ሓይሊ ኣብ ቀይዲ ምስ ኣተወ፡ ድሕሪ ክልተ መዓልቲ ሞይቱ ተረኺቡ።
ኣዲኡ ወይዘሮ ጫልቱ ሁንዴሳ፡ ወደን ናብ ዝተኣሰረሉ ቦታ ስንቂ ሒዘን እናኸዳ ከለዋ፡ "ናይ ወደይ ኣስካሬን ብኬንዳ ተጠቕሊሉ ኣብ መገዲ ረኺበዮ። ሞት ወደይ ኣብኡ ተረዲአ" ብምባል ንቢቢሲ ተዛሪበን ነይረን።
ኣብቲ ከባቢ፡ 'ምስ ኣባላት ሸኔ ርክብ ኣለዎም ወይ ደገፍቲ'ዮም' ዝበሃሉ ሰባት ይእሰሩ ከም ዘለው ነበርቲ እቲ ከባቢ ይዛረቡ።
ኣብዚ ጉዳይ መብርሂ ንክንረክብ ናብ ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ እቲ ኸባቢ ዝገበርናዮ ፈተነ፡ ዘዕግብ ምላሽ ከም ዘይረኸብናሉ ኣብቲ ናይ ሕሉፍ ጸብጻብ ገሊጽና ነይርና።
'መበገሲ ኩሉ ነገር ሸኔ'ዩ'
ቢቢሲ፡ ንሓላፊ ቢሮ ምምሕዳርን ጸጥታን ክልል ኦሮሚያ ብስልኪ ረኺቡዎ ነይሩ።
ኣቶ ጅብሪል መሓመድ፡ ኣብ ልዕሊ ኣኽበርቲ ጸጥታ መንግስቲ ዝቐርብ ዘሎ ጥርዓን ሓሶት'ዩ ክብል እዩ ዝነጽጎ።
"ጸረ ሰላም ሓይልታት ባዕሎም ቀቲሎም መንግስቲ'ዩ ፈጺሙዎ ምባል ልማዶም'ዩ" ዝበለ ኣቶ ጅብሪል፡ ፡ንሕና ሰላማዊ ዜጋ ቐቲልና ኣይንፈልጥን። እቲ መሓውር ጸጥታ'ውን ሰላማዊ ሰብ ኣይቐትልን። ንዝሞቱ ዘለው ሰባት ግን መበገሲኡን መወዳእትኡን ሸኔ'ዩ" ይብል።
እቲ ሓላፊ ጸጥታን ምምሕዳርን፡ ነቶም ዝፍጸሙ ዘለው ገበናት ሸኔ እዩ ተሓታቲ ዝበለሉ ምኽንያት ከረድእ ከሎ፡ "መጀመርታ መንግስትን ህዝብን ዝሃቦም ሰላማዊ መገዲ ቃልሲ 'ኣይንቕበልን' ኢሎም ጸገም ጸጥታ ፈጢሮም'ዮም። ካልኣይ ድማ፡ ህዝቢ ናብ ዝነብረሉ ከባቢ ኣትዮም ኣብ ሞንጎ ህዝብን ሓይልታት ጸጥታን ኮይኖም ይትኩሱ ኣለው" ኢሉ።
በዚ ምኽንያት፡ ንጹሃት ዜጋታት ግዳይ ይኾኑ ኣለው ይብል።
ኣቶ ጅብሪል፡ ነዞም ዝፍጸሙ ዘለው ገበናት ቕትለት ሸኔ ተሓታቲ ምዃኑ ዘቕርቦ ካልእ ምኽንያት፡ ሰባት ክጉድኡ ከለው መንግስቲ ሰብ ቀቲሉ ኢሎም ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ይጥቅዑ። ኣባላቶም ክቕተሉ ከለው'ውን 'ሰላማዊ ሰብ ብናይ መንግስቲ ሓይሊ ተቐቲሉ' ይብሉ ኢሉ።
ኣብ ሞንጎ እቶም ዕጡቓት ሓይልታትን ኣኽበርቲ ጸጥታ መንግስትን ብዝፍጠር ዘሎ ናይ ተኹሲ ልውውጥ ግን፡ ንጹሃት ሰባት ይጉድኡ ከም ዘለው ይኣምን።
"ቅድም ኢሉ ኣነ ኣብ ዝነበርኩሉ ቦታ ተኹሲ ከፊቶም፡ ናይ ሸኔ ሓይሊ እናንተንቀሳቐሰ እናርኣና፡ ኣብ መንጎ ህጻናት፣ ደቂ ኣንስትዮን ኣረጋውያንን ብምእታዎም ክንወቕዖም እናኽኣልና ተኹሲ ጠጠው ክብል ገይረ እየ" ይብል ኣቶ ጅብሪል።
እታ ኣደ ብኸመይ ተቐቲላ?
ኣቶ ሚረቴ ከም ዝብሎ፡ በዓልቲ ቤቶ ዕፉን ኣብ ዘፍርዩሉ ናይ ሕርሻ መሬት እንከላ ብዝተተኮሰ ሓደ ጥይት ህይወታ ሓሊፉ።
"ቖልዓ ሓደ ዓመት ህጻን ኣብ ጥቓ ሬሳ ኣዲአ ኾፍ ኢላ ከላ፡ ኣስካሬን በዓልቲ ቤተይ ኣልዒለዮ" ክብል ብሓዘን የውግዕ።
በዓልቲ ገዝኡ ብጥይት ተወቒዓ ክትመውት ከላ፡ ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ሰባት ከም ዝርኣዩ'ውን ይዛረብ።
ንሱ ከም ዝብሎ እንተኾይኑ፡ በዓልቲ ቤቱ ቅድሚ ምሟታ ንሱ'ውን ብሓይልታት ጸጥታ ተሃሪሙ'ዩ።
"ቅድሚ ሓደ ሰሙን ድማ 'ሸኔ ዘለሉ ቦታ ትፈልጥ ኢኻ' ኢሎም ኢደይ ንድሕሪት ኣሲሮም ቀጥቂጦምኒ" ኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, Facebook
በዚ ምኽንያት፡ ካብ ገዛ ወጺኡ ስራሕ ክሰርሕ ከም ዘይኽእልን፡ ሙሉእ ሓላፍነት እቲስድራ ኣብ ዝባን በዓልቲ ቤቱ ወዲቑ ከም ዝነበረን ይዛረብ።
"ትማሊ ብጉልበተይ ሰሪሐ ስድራይ ይኣሊ ነይረ፤ ሕዚ ግን ተሰባቢረ ዓዲ ውዒል ኮይነ ከለኹ ኣላይተይ፣ ኣደ ደቀይ መንዚዖምኒ" ይብል።
ቅድሚ ሕዚ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ሞንጎ መንግስትን ዕጡቓት ጎንፂ የጋጥም ከም ዝነበረ ብምሕባር፡ በዓልቲ ገዝኡ ኣብ ዝተቐተለትሉ እዋን ግና፡ ኣብቲ ከባቢ ዝኾነ ዓይነት ጎንጺ ከም ዘይነበረ ገሊጹ።
ብቕትለት በዓልቲ ገዝኡ ተጠርጢረ ዝተትሓዘ ኮነ ንቅትለት በዓልቲ ገዝኡ ንምምርማር ዝመጽአ ኣካል መንግስቲ ከም ዘየለ ኣይተ ሚረቴ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







