ኣብ ኦሮሚያ 12 ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ተቐቲሎም

መንግስቲ ክልል ኦሮሚያ መበል 30 ዙርያ ኣባላት ፍሉይ ፖሊስ እቲ ክልል ኣመሪቑ

ምንጪ ስእሊ, OBN

መግለጺ ስእሊ, መንግስቲ ክልል ኦሮሚያ መበል 30 ዙርያ ኣባላት ፍሉይ ፖሊስ እቲ ክልል ኣመሪቑ

ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ጉጂ፡ 12 ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ እቲ ክልል ብዕጡቓት ከም ዝተቐተሉ ምምሕዳር እቲ ዞባ ንቢቢሲ ገሊጹ።

ምኽትል ኣመሓዳሪ እቲ ዞባ ኣቶ ማሊቻ ዲቃ፡ ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም ወገናት ብዝተልዓለ ግጭት ኣብ ልዕሊ ህይወት ሰብን ብረትን ጉድኣት ከም ዝበጽሐ ሓቢሩ።

ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣብ ሞንጎ ኣብቲ ክልል ዝንቀሳቐሱ ዕጡቓትን ፍሉይ ሓይሊ ኦሮሚያን ብዝተፈጥረ ግጭት እዮም እቶም 12 ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ፖሊሲ ኦሮሚያ ተቐቲሎም።

እዚ ኣብ ደቡብ ኦሮሚያ ዞባ ጉጂ ኣባላት ግንባር ሓርነት ኦሮሞ [ኦነግ] ዝነበሩ፡ ሕጂ ድማ ኣብ በረኻ ዝንቀሳቐሱ ዘለው ዕጡቓት ሓይልታትን ኣባለት ጸጥታን ዝተፈጥረ ግጭት ዘስዓቦ ከም ዝኾነ ምንጪታት ቢቢሲ ኣረጋጊጾም።

"ኣብ ወረዳ ጉሚ ኤልደሎ ብዝተልዓለ ግጭት 12 ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ተቐቲሎም። ቑጽሮም እንተዘይፈለጥናዮ'ውን ካብ ወገን እቶም ዕጡቓት'ውን ዝሞቱ ኣለው" ክብል ኣቶ ማሊቻ ዲቃ ተዛሪቡ።

እቶም ንርእሶም ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ኢሎም ዝጽውዑ ዕጡቓት፡ ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ ኣብ ዘለው ዞባታትን ኣብ ደቡብ ኦሮሚያ ዘባ ጉጅን ከም ዝንቀሳቐሱን፡ መንግስቲ'ውን ነዚኦም ንምቁጽጻር ስጉምቲ ክወስድ ከም ዝጸንሐን ይፍለጥ።

እቲ ዕጡቕ ጉጅለ፡ ብሰላማዊ መገዲ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ንከካይድ ካብ ዝተሰማምዐ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ዝተፈንጨለ ኮይኑ፡ ቅድሚ ሕጂ ኣቦ መንበር ኦነግ ኣቶ ዳውድ ኢብሳ 'ኦነግ ተዓጢቑ ዝንቀሳቐስ ሓይሊ የብሉን' ኢሉ ብተደጋጋሚ ተዛሪቡ እዩ።

እዚ ዕጡቕ ጉጅለ ኣብ መዓልታዊ መነባብሮ ህዝቢ እቶም ዝንቀሳቐሰሎም ከባቢታት ጸቕጢ የሕድር ከም ዘሎ ዝዛረብ ኣቶ ማሊቻ፡ "ነበርቲ እቲ ከባቢ መዓልታዊ መህይወቶም ብኣግባቡ ክመርሑ ኣይክኣሉን። ሓረስታይ ክሓርስ ኮነ እንስሳታት ከርብሕ ኣይከኣለን። ደገፍቲ መንግስቲ ኢኹም እናተብሃሉ ተጨውዮም ዝተወሰዱ፣ ብቴሌፎን ምፍርራሕ ዝበጽሖም ሰባት ኣለው" ይብል።

እቶም ዕጡቓት ብወገኖም፡ መንግስቲ ንነበርቲ የንከላብት ኣሎ ክብሉ ክኸሱ ጸኒሖም እዮም።

ኣብቲ ከባቢ ሰላም ንምፍጣር፡ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻልን ፖሊስ ፍሉይ ሓይሊ ኦሮሚያን ተዋፊሮም ኣለው።

ሰባ በሩ፣ በጎሮ ዶላን ሻኪሶን ኣብ ዝተብሃላ ወረዳታት ብቐጻሊ ግጭት ከም ዘሎ ዝዛረብ እቲ ምክትል ኣመሓዳሪ፡ "ካብ ክልቲኡ ወገን እዩ ሰብ ዝመውት" ኢሉ።

ቅድም ኢሉ፡ ዓበይቲ ዓዲን ኣባገዳታትን እቶም ዕጡቓት ብሰላማዊ መገዲ ክንቀሳቐሱ ሓቲቶም ነይሮም'ዮም።