ጀነራል ብርሃኑ ጁላ፡ "ሰላማዊ ሰብ ክመውት ኣይደልን'የ"

ኣብዚ ሰሙን ዓመታዊ መዓልቲ ምክልኻል ሰራዊት ተኸቢሩ'ዩ። ኣብ መዛዘሚ እቲ በዓል፡ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ፡ "ሰራዊት ምክልኻል ንጸላእቲ ራዕዲ፤ ንኢትዮጵያውያን ድማ ምንጪ ኹርዓት'ዩ" ክብል ነቲ ሰራዊት ዘለዎ ናእዳ ገሊጹ'ዩ።
ይኹን'ምበር፡ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት እቲ ሰራዊት ኣብ ዝተመደበሎም ከባቢታት ሰላማዊ ሰባት ክጉድኡ እንከለው፡ ስሙ ብተደጋጋሚ ይለዓል ኣሎ።
ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ክልል ኣምሓራ፡ ዞባ ምዕራብ ጎንደር ጣብያታት ገንደ ውሃን ኮኪትን፡ ካብ ምክልኻል ሰራዊት ብዝተተኮሰ ጥይጥ ብዙሓት ሰባት ከም ዝሞቱን፡ ነዚ ብምቅዋም ድማ ነበርቲ እታ ከተማ ንሰልፊ ምውጽኦም ተገሊጹ ነይሩ።
ዝሓለፈ ሰሉስ እውን ኣብ ዞባ ቦረና ወረዳ 'ሚዮ ሂዳሎሳ' ኣብ ዝተብሃለት ከተማ ሓሙሽተ ውልቀ ሰባት ተቐቲሎም፤ ካልኦት ክልተ ዜጋታት ድማ ቖሲሎም።
ካብቶም ዝሞቱ፡ ክልተ ካብ መርዕኦም ዝምለሱ ዝነበሩ መርዑት'ዮም። ዝተረፉ ድማ ዓጀብቲ። ነበርቲ እቲ ኸባቢ፡ ነዚ ቅትለት ዝፈፀመ ሰራዊት ምክልኻል'ዩ ይብሉ።
ቢቢሲ ዘዘራረቦም ኣመሓዳሪ እታ ወረዳ ኣቶ በዳኔ ሊበን፡ ሓይሊ ምክልኻል ኣብ ቀረባ ናብታ ከተማ ከም ዝኣተወ ብምግላጽ፡ ብዛዕባ እቲ ኣጋጣሚ ንሰራዊት ምክልኻል ሓቲቶም፡ "ተኹሲ ስለ ዝተኸፈተና ምላሽ ክንህብ'ዩ እቲ ሓደጋ ኣጋጢሙ" ዝብል መልሲ ከም ዝተውሃቦም ተዛሪቦም።
ንምኽትል ኢታማጆር ሹም ምክልኻል ሰራዊት ጀነራል ብርሃኑ ጁላ፤ ኣብዝን ተዛመድቲ ጉዳያትን ትማሊ ኣዘራሪብናዮ ኣለና።
ቢቢሲ፡ ኣብ ዞባ ቦረና ብዛዕባ ዝተፈጥረ ነገር እትፈልጦ ነገር ኣሎ'ዶ?
ጀነራል ብርሃኑ ጁላ፡ ካብ ቢሮ ወጻኢ ስለ ዝኾንኩ ናይ ትማልን ሎምን መረዳእታ ኣይብለይን። ኮይኑ ግን ሓይሊ ምክልኻል ኣብ ገለ ከባቢታት ገለ ስሕተታት ይፍጽም'ኳ እንተነበረ፡ ሕዚ ግና ነቶም ጸገማት ፈቲሕና ኢና ንሰርሕ ዘለና።
ኮይኑ ግን፡ ኣብ ልዕሊ ሰላም ዝህውኹ፣ ልዕልነት ሕጊ ዝጥሕሱ ኣካላት ዝውሰድ ስጉምቲ ሕጋዊ ስለ ዝኾነ ነዚ ዝኸውን መልሲ ኣይብለይን። 'ምክልኻል ኣብ ርእሲ ህዝቢ ጸገም ይፈጥር ኣሎ' ዝብል ነገር እንተሃልዩ፡ እቲ ሓይሊ ምክልኻል ተሓታቲ ክኸውን'ዩ።
ቢቢሲ፡ ቅርታ ህዝቢ ጭቡጥ ኣይኮነን ማለት ድዩ?
ጀነራል ብርሃኑ ጁላ፡ እቲ ጸገም፡ ሓይሊ ምክልኻል ሰብ ቀቲሉ እንትብሃል፡ ሚዲያ ኣጻርዩ ነቲ ሓቂ እንከይመመየ፡ ነታ ዝተብሃላ ወሲዱ'ዩ ዝጽብጽብ። ከምቲ ዝበሃል፡ ምክልኻል ካልእ ልኡኽ ኣብ ልዕሊ ዘይብሉ ሰላማዊ ሰብ ስጉምቲ ይወስድ'ዩ ኢለ ኣይኣምንን።
ኣጋጣሚ ኮይኑ ወሲዱ እንተኾይኑ፡ ኣብቲ ዝወሰደሉ ከባቢ ጸገም ኣሎ ማለት'ዩ።
ቢቢሲ፡ ስለዚ ምክልኻል ኣይጋገን ማለት ድዩ?
ጀነራል ብርሃኑ ጁላ፡ ንኣብነት፡ ገለ ሓይልታት ድፋዕ ሒዞም ኣብ ልዕሊ ምክልኻል ሰራዊት ስጉምቲ ይወስዱ። ኣብዚ፡ እቲ ሰራዊት ክበጽሖ ንዝኽእል ሓደጋ ንምክልኻል ምላሽ ክህብ እንትትኩስ ሰብ ኣይጉዳእን ኣይብልን።
ቢቢሲ፡ ናብ ስልጣን ካብ ዝመጻእኻ ናብዚ፡ ተሓታቲ ዝኾነ ኣባል ሰራዊት ኣሎ'ዶ?
ጀነራል ብርሃኑ ጁላ፡ ዝኾነ ዓይነት ስሕተት ኣይተፈጸመን፤ ኣይረኣናን'ውን። ንሕና ብእንፈልጦ፡ መንግስቲ ኮነ ክልላት ብዝፈልጡዎ ብኣና ወገን ዝተቐተለ ሰላማዊ ሰብ ከም ዘየለ'ዩ። ኣነ ኣብዚ ኮፍ ኢለ ዋላ ሓደ ሰብ ክመውት ድልየት የብለይን። ኣነ ዝእዝዞ ወተሃደር'ውን እዚ እዩ ተግባራዊ ዝገብር ዘሎ።
ካብዚ ወጻእ ዝኸይድ ወተሃደር እንተድኣሃልዩ ግን፡ ብሕጊ ኢና ክንሓቶ። ክሳብ ሕጂ ዝበሃል ዘሎ ግን፡ ናይቲ ምክልኻል ስም ምጽላም'ዩ እምበር፡ እቲ ሓይሊ ንህዝቢ እናሓለወ ምስ ህዝቢ'ዩ ዝሰርሕ ዘሎ።
ቢቢሲ፡ ኣብቲ ምክልኻል ለውጢ ተገይሩ'ዩ ዝበሃል። ብጭቡጥ ዝተለወጠ ነገር እንታይ'ዩ?
ጀነራል ብርሃኑ ጁላ፡ እቲ ኣወዳድባ! ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ንብሄር ብሄረሰባት ዝመስል ኣወዳድባ'ዩ ክሕዝ ተገይሩ። ካብዚ ወጻእ እቲ ወተሃደር ናይ ሓደ ብሄር ወይ ክልል ወተሃደር ገይሩ ዝርኢ ዝነበረ ኣመለኻኽታ'ውን ተቐይሩ'ዩ።
ቅድሚ ሕጂ ዝነበሩ ገለ ጸገማት ክእረሙ፣ ብናይታ ሃገር ሕገ መንግስቲ ክምራሕን ክሰርሕን፣ ህዝቢ ማእኸል ዝገበረ ክኸውን ዝብሉ ስራሕቲ ተሰሪሖም'ዮም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







