ኣብ ፅባሕ ምእታው አመራርሓ ኦነግ፡ ቅትለትን ምምዝባልን ተኸሲቱ

ኣብ መወዳእታ መዓልታት እቲ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣብ ዙርያ ኣዲስ አበባ፡ ፍሉይ ዞባ ኦሮሚያ፡ ኣብ ዘለዉ ከባቢታት ብዝተፈጸሙ ጥቕዓታት ብርክት ዝበሉ ህይወቶም እንትስእኑ፡ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ድማ ዝነብርሉ ኸባቢ ብምሕዳግ ናብ ዉሑስ ዝበሉዎም ከባቢታት ኣዲስ ኣበባ ተመዛቢሎም።
እዞም ብሄር ተኮር'ዮም ዝተብሃሉን ጥቕዓታት፡ ኣብ ኣሸዋ ሜዳ፣ ከታ፣ ቡራዩ ዝተብሃሉ ከባቢታት ምፍፃሞም ስዒቡ፡ ብርክት ዝበሉ ህይወቶም እንትስእኑ፡ ንብረት ከምዝዓነወን ስርቂ ከምዝተፈጸመን መራኸብቲ ሓፋሽ ጸብጺበን'የን።
ቑጽሪ ህይወቶም ዝሰኣኑ ሰባት ብልክዕ'ኳ እንተዘይተፈለጠ፡ ዉሑዳት ከምዘይኾኑ ካብቶም ከባቢታት ሃዲሞም ዝወጽኡ ሰባት ንቢቢሲ ተዛሪቦም።
ኮሚሽነር ፖሊስ ኦሮሚያ ኣለማየሁ እጅጉ፡ ብቲ ዝተፈጸመ ጥቕዓት 23 ሰባት ሞይቶም'ዮም ኢሎም። እዚ ቑጽሪ ክዉስኽ ከምዝኽእል'ዉን ኣመልኪቶም።
እዚ ፍጻሜ ኣብ ዘጋጠመሉ እዋን ካብ ዓዲ ወጻኢ ዝነበሩ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብዪ ኣአሕመድ፡ ብሓላፊ ቤት ጽሕፈቶም ኣቢሎም፡ እቲ ፍፃመ እንትኹንኑ፡ ግቡእ ምጽራይ ብምክያድ ኣብ ልዕሊ ተሓተትቲ ስጉምቲ ክዉሰድ'ዩ ኢሎም።
ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ኮምዩኒኬሽን መንግስቲ ኣይተ ኣሕመድ ሸዴን ምክትል ከንቲባ ምምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኢንጅነር ታከለ ኡማን ድማ፡ ተመሳሳሊ ትሕዝቶ ዘለዎም መግለጺታት ሰንበት ድሕሪ ቐትሪ ሂቦም።
ብፍላይ ኣብ ክፍለ ከተማ ኮልፌ ቀራንዮ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ተመዛበልቲ ተዓቊቦም ይርከቡ።
እቲ ጥቕዓት ኣብ ምፍጻም ተሳቲፎም ዝተብሃሉ ዛጊድ ልዕሊ 70 ዉልቀሰባት ኣብ ትሕቲ ቑጽጽር ከምዝወዓሉ፡ ጸብጻባት ኦኢሊስ የመልክት።
እቲ ጥቕዓት ዝተፈፀመ ዝሓለፈ ቐዳም ኣመራርሓ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ንምቕባል ዝተኻየደ ስነ ስርዓት እንትዛዘም ንኣጋ ምሸቱ እንተኾን ፡ ምኽትል ከንቲባ እታ ከተማ ኣቶ ታከለ ኡማ ግና ምስቲ ስነ-ስረዓት አቀባብላ ዘራኽብ ከምዘይኮነ'ዮም ዝዝራቡ።
ቢቢሲ ኣብ ሆስፒታል ቅዱስ ጳዉሎስ ተረኺቡ፡ ብዙሓት ግዳያት ኣብ ሃንደበታዊ ክፍሊ ሕክምና፡ ሓገዝ ይግበረሎም ከምዘሎ ተዓዚቡ።
ዝርዝር ኣብቲ ሆስፒታል ዝሕከሙ ዘለዉን ናብ ካልኦት ሆስፒታላት ዝተዘዋወሩን ጉዱኣት ኣብቲ መእተዊ ይርከብ።
ሓገዝ ዝገብራ ዝነበራን ሽመን ክጥቀስ ፍቓደኛ ዘይኮናን ሓንቲ በዓልቲ ሞያ ሕክምና ንቢቢሲ ከምዝገለጸኦ፡ ካብ ሞንጎ ናብቲ ሆስፒታል ዝመጽኡ፡ "ብምኽንያት መውቃዕቲ፡ ኣካለዊ ጉድኣት ዝበጽሖም ይበዝሑ" ኢለን።
ትማሊ ሰንበት ድሕሪ ቐትሪ፡ ብዙሕ ቑጽሪ ዘለዎም ጥቕዓት ካብ ዝተፈጸመን ከባቢታት ዝሃደሙ ተመዛበልቲ፡ ኣስኮ ናብ ዝበሃል ከባቢ ብእግሪ ተጉዒዞም'ዮም።
ካብዚኦም፡ ካብ ዝተሓዘሉ ህጻናት ክሳብ ሰብ ጸጋ ዕድመ ዝርከቡዎም እንትኾን፡ ኣቕሑት ዝተሸከሙ ብዙሓት ሰባት ኣብ ጎደናታት እታ ከተማ ተራእዮም'ዮም።
ኣብ መንገዶም ንዝረኣዩዎ ሰብ ድማ ማይ ይሓቱ ነይሮም።

ኣብ ከተማ ቡራዩ ንዝሓለፉ ሽዱሽተ ዓመታት ከምዝነበረት ንቢቢሲ ዝገለጸትን ክልተ ህጻናት ደቃ ሒዛ ዝተመዛበለትን ኣደ፡ እቲ ዝነበረ ጸልማት ኣበይ ከምዝተሕልፎን ንቕድሚኣ እንታይ ከምዝጽበያ ከምዘይትፈልጥን ተዛሪባ። "ኹሉ ነገር ገዲፈ'የ መጺአ"።
ኣብቲ ከባቢ ብዙሓት ሓይልታት ጸጥታ ዝርከቡ እንትኾን፡ እቶም ተመዛበልቲ እናተኣናገዱን እናዓጀቡን ነይሮም።
ካብ ቀዳመ ምሸት ኣትሒዙ፡ ኣብ ኣስኮ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ገብርኤል ተዓቊቦም ዝጸንሑ ተመዛበልቲ፡ ኣብ ቐረብኦም ናብ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ክዛወሩ ተገይሩ'ዩ።
ኣብቶም ከባቢታት ኣቐዲሙ'ዉን ወጥሪ ዓሲሉ ስለዝነበረ፡ ካብ ቐዳም ኣጋ ምሸት ጀሚሩ ግን እቲ ኩነታት ናብ ሓደገኛ ጥቕዓት ከምዝተሰጋገረ ነበርቲ ተዛሪቦም።
ካብ ሓይልታት ጸጥታ ዝኾነ ዓይነት ምላሽ ብዘይምርካቦም ዝተጨነቑ ነበርቲ፡ ንዝፈልጡዎም ሰባት ብስክን ማሕበራዊ መራኸቢታትን ጻዉዒት ብጽሑልና ኣቕሪቦም'ዮም።
ኣብዚ ሕዚ እዋን፡ ኣብ ከባቢ ቡራዩ ምርግጋእ ይመጽእ ከምዘሎን፡ ኣካላት ጸጥታ እቲ ጸገም ንምፍታሕን ገበነኛታት ናብ ሕጊ ኣብ ምቕራብን ሰፊሕ ስራሕ ሰሪሖም'ዮም ክብሉ ንሃገራዊ ቴሌቪዝን ዝገለጹ ኮሚሽነር ፖሊስ ኮሚሽን ኦሮሚያ በኣለማየሁ፡ ተመዛበልቲ ናብ ቦትኦም ክምለሱ ጸዊዖም።
ኣብ በቢ ከባቢኡ ተዓቊቦም ዘለዉ'ዉን ሓገዝ ይግበር ኣሎ ኢሎም።
ኣካላት ጸጥታ ፌደራልን እቲ ክልል ብዝተዋደደ መልክዑ ይሰርሑ ኣለዉ'ዉን ዝበሉ እንትኾን፡ ተመዛቢለም ዝኸዱ ድማ ናብ ቦትኦም ክምለሱ ይስራሕ ኣሎ።
ክሳብ ድማ 200 ዝኾኑ ጥርጡራት ተታሒዞም ኣለዉ ኢሎም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







