ጎንፂ 'ቄሮ' ን መናእሰይ ኣዲስ ኣበባን ዝፈጠሮ ስግኣት ቀፂሉ'ሎ

ፅባሕ ቀዳም ናብ ዓዲ ንዝኣትው ግንባር ሓርነት ኦሮሞ (ኦነግ) ንምቕባል ምድላው ዝገብሩ ደገፍቲ ኦነግን መናእሰይ ከተማ ኣዲስ ኣበባን ብምኽንያት ባንዲራ ተጓኒፆም።
ኣብዚ ጎንፂ፡ ህይወት ሓደ ሰብ ምጥፍኡን ኣብ ልዕሊ ካልኦት ሰባት ድማ ኣካላዊ መጉዳእቲ ምብፅሑ ፖሊስ ይገልፅ።
እቲ ጎንፂ፡ ኣብ ገለ ክፋላት ኣዲስ ኣበባ ረቡዕ ምሸት ዝጀመረን ትማሊ'ውን ዝቐፀለን ኮይኑ፡ ሎሚ ግና ዝሓሸ ህድኣት ከምዘሎ ኣብቶም ጎንፂ ተፈጢሩሎም ዝነበሩ ከባብታት ተንቀሳቒሱ ዝረኣየ ሪፖርተር ቢቢሲ ይዛረብ።
እንተኾነ ግን፡ ሕዚ'ውን ስግኣት ዘለዎም ብዙሓት እዮም ይብል።
እቲ ጎንፂ ሓይሉ ኣብ ዝተርኣየሉ ከባቢ 'ዊንጌት'፡ መደብራት ሸቐጥን ትካላት ንግድን ሕዚ'ውን ተዓፅዮም እዮም ዘለዉ።
ኣብቶም ከባብታት ዘሎ ምንቅስቓስ መጓዓዝያ 'ውን ውሱን ምዃኑን ብርክት ዝበሉ ፖሊሳት ኣብቶም ከባብታት ከምዝረኣዩን ሪፖርተርና ተዓዚቡ'ሎ።
እቲ ጎንፂ ብኸመይ ጀሚሩ?
እቲ ጎንፂ ደገፍቲ ኦነግ ዝኾኑ መናእሰይ ኦሮሞ ኣብ ፅርግያ ሕብሪ ኣርማ ናይቲ ውድብ ክንለኪ ኢና ዝብል ዝንባለ ዝፈጠሮ ከምዝኾነ ኮሚሽነር ፖሊስ ፌደራል፡ ጀነራል ዘይኑ ጀማል ገሊፆም።
ፅባሕ ቀዳም ብኣቶ ዳዉድ ኢብሳ ዝምራሕ ውድብ ኦነግ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝኣቱ እንትኾን፡ ደገፍቱ ኣብ ገለ ከባብታት ኣዲስ ኣበባ ናይ መብራህቲ ዓንዲታትን ፅርግያታትን ሕብርታት ኣርማ ኦነግ ለኽዮም።
መናእሰይ ነበርቲ እቲ ኸባቢ ድማ ነዚ ስለዝተቓወሙ እቲ ጎንፂ ከምዝጀመረ መሰኻኽር ዓይኒ ይገልፁ።
"መጀመርታ ኣስታት 200 ዝኾኑ መናእሰይ ባንዴራታት ምስ ሰቐሉ፡ ኣብ መንደቕን ፅርግያን ሕብሪ ክንለኪ ኢና ምስ በሉ እዮም ምስ መናእሰይ እቲ ከባቢ ተጓኒፆም" ክብል 'አዲሱ ገበያ' ኣብ ዝበሃል ከባቢ ንዝነበረ ተርእዮ፡ ስሙ ክጥቀስ ዘይደለየ ምስክር ዓይኒ ንቢቢሲ ገሊፁ።
ዝበፅሐ ጉድኣት ኣመልኪቱ ክዛረብ እንከሎ ድማ፡ ኣብቲ ኸባቢ ናይ ዝርከቡ ትካላት ምስትያት ከምዝተሰበረን ኣብ ልዕሊ ክልተ ሰባት እውን ኣካላዊ መጉዳእቲ በፂሑ ናብ ሕክምና ክውሰዱ ከምዝረኣየን 'ውን ተዛሪቡ።
ጀነራል ዘይኑ ጀማል ድማ "ኣብ ገለ ኸባቢታት መኪና ናይ ምስባር፣ ኣእማን ምድርባይ፣ ገለ ሻብ ድማ ተቐጻጻሊ ጋዝ ሒዝካ ፖሊስ ጣቢያ ናይ ምቅጻል ዘይሕጋዊ ዝንባለታት ንርኢ ኢና ዘለና። ፖሊስ እዞም ዝንባለታት ስቕ ኢሉ ኣይርእይን። ሕጊ ናብ ምኽባር ክንኣቱ ኢና" ኢሎም።
ኣመራርሓን ሰራዊትን ኦነግ ንምቕባል ናይ ዝተጣየሸ ኮሚቴ ምክትል ኣተሓባባሪ ዝኾነ ኢብሳ ነጋዉ፡ "ብወገንና፡ ኣመራርሓን ሰራዊትን ኦነግ ብሰላማዊ መገዲ ተቐቢልና ናብ ገዝኦም ክኣትዉ ክንገብር ኣለና ኢና ንብል ዘለና" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ኣብቲ ዕለት ብርክት ዝበሉ ፈረሰኛታት ካብ ከባብታት ኦሮሚያ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝመፁ ዝገለፀ ኢብሳ፡ "ቄሮ፡ ዝጀመርዎ ሰላማዊ ቃልሲ ቀጻሊ ክኸዉን እምበር ኣብ ልዕሊ ንብረት ጉድኣት ከብጽሑ ከምዘይብሎምን ባህልና ከምዘይኾነን ኢና ንነግሮም ዘለና" ኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, HABTOM
ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ንኦሮሚያ ሚድያ ኔት ዎርክ መብርሂ ዝሃበ ኣቶ ጃዋር መሓመድ፡ ፖለቲካዊ ዉድባት ናብ ሃገሮም እንትኣትዉ፡ ደገፍቶም ኣቀባብላ ይገብሩሎም ከምዘለዉ ጠቒሱ።
መጻኢ ቐዳም ናብ ኢትዮጵያ ንዝኣቱ ጉጅለ ኦነግ ንምቕባል ይዳለዉ ኣብ ልዕሊ ዘለዉ መናእሰይ ኦሮሞ ግና መጥቓዕቲ ይበጽሕ'ዩ ዘሎ፡ እዚ ድማ ኣግባብ ኣይኮነን ኢሉ።
ኣብ ኢትዮጵያ ዜጋታት እታ ሃገር ብዙሓት ዘይተሰማምዑሎም ጉዳያት ኣለዉ ዝበለ ኣቶ ጃዋር፡ 'ባንዴራ' ሓደ ካብኣቶም ከምዝኾነ ገሊጹ።
"ኩላትና ተዛቲና ሓበራዊ ባንዴራ ክሳብ ዝህልወና፡ ዝኾነ ይኹን ዉልቀሰብ ዝደለዮ ባንዴራ ክሰቅል መሰል ኣለዎ" ዝበለ ጃዋር፡ እንተኾነ ግና፡ እቶም ብሕጊ ዘይጸደቑ ሰንደቓት፡ ኣብ ህዝባዊ ኣደባባያትን መንግስታዊ ትካላትን ክስቀሉ የብሎምን ዝብል ርኢቶ ክህብ ምፅንሑ ሓቢሩ።
"ብሕጊ ዘይተደንገጉ ሰንደቓት፡ ኣብ ህዝባዊ ኣደባባያት ምስቃሎም ጸገም ክፈጥሩ'ዮም ንብል ነይርና፡ ኣብቲ ዝሓለፈ እዋን ንዝነበረ ተመሳሳሊ ዕላማ፡ ኣብዛ ከተማ ኣብ ትካላት መንግስቲ ሓዊሱ ከምዚኦም ዝበሉ ሰንደቐት ይርኣዩ ነይሮም። ናይ ባዕልኻ እናኽበርካ ናይ ካልኦት ምንኣስ ናብ ግጭት ዘእቱ'ዩ" ኢሉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







