ኢትዮጵያ ብብዝሒ ውሽጣዊ ተመዛበልቲ ካብ ዓለም ቀዳመይቲ ኮይና

ተመዛበልቲ

ምንጪ ስእሊ, Nashon Tado/NRC

መግለጺ ስእሊ, ካብ ምዕራብ ጉጂ ዝተመዛበሉ

ኣብቶም ዝሓለፉ ሽድሽተ ኣዋርሕ ኢትዮጵያ ብበዝሒ ውሽጣዊ ተመዛበልቲ ካብ ዓለም ቀዳመይቲ ኮይና።

ትካል ዓለምለኸ ምክትታል ጉዳያት ተመዛበልቲ (ኢንተርናሽናል ዲስፕለስመንት ሞኒተሪንግ ሴንተር) ከምዝብሎ፡ ኣብ 2018 ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ንህይወቶም ስለዝሰግኡ መረበቶም ገዲፎም ክስደዱ ተገዲዶም እዮም።

''1.4 ሚሊዮን ሰባት ጎንፂ ፈሪሖም ብምህዳም መረበቶም ገዲፎም እንትስደዱ እኹል ቆላሕታ ኣይተውሃቦን። እቲ ካልእ ዓለም ናይ ኢትዮጵያ ፀገም ክርኢ ኣይፈቐደን" ክብል ናይዚ ዞባ ዳይረክተር ካውንስል ስደተኛታት ኖርዌይ ኒገለ ትሪክስ ተዛሪቡ።

ኣብ ጌዲዮን ምዕራብ ጉጂን ብዝተፈጠረ ጎንፂ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ዶባት ኦሮሚያን ሶማሌን ብተደጋጋሚ ዘጋጠሙ ጎንፅታት ኣብ ውሽጢ እታ ሃገር ናይ ዝተመዛበሉ ሰባት ብዝሒ 1.4 ሚሊዮን ከምዝበፅሐ ዝወፀ ፀብፃብ ሓቢሩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያን ትካላት ረድኤትን፡ ነቶም ተመዛበልቲ ንምሕጋዝ ፃዕርታት እኳ ይገብሩ እንተሃለዉ፡ ልዑል ብዝሒ ናይቶም ተፈናቐልትን ናይ ዝናብ ወቕቲ ምንባሩን፡ እቲ ፀገም ካብ ዓቕሚ መንግስትን ትካላት ረድኤትን ንላዕሊ ከምዝገበሮ እቲ ፀብፃብ ኣመልኪቱ።

ተመዛባሊ

ምንጪ ስእሊ, Nashon Tado/NRC

መግለጺ ስእሊ, ተመዛበልቲ ረድኤት ንምውሳድ ክሳብ 50 ኪሜ ብግሮም ክጓዓዙ ይኽእሉ።

ተመዛበልቲ ዋላኳ ናብ መረበቶም ይምለሱ እንተሃለዉ፡ ቤት ንብረቶም ግን ሕዚ'ውን ዓንዩ እዩ ዘሎ ይብል እቲ ፀብፃብ።

''ተመዛበልቲ ዋላኳ ናብ መረበቶም ክምለሱ እንተደለዩ፡ ካብ መረበቶም ጥራሕ ኢዶም 'ዮም ወፂኦም። ናብ መረበቶም ክምለሱ እንትግበር፡ ብወለንተኦም፣ ውሕስነኦም ተሓልዩን ድጋፍ ተዋሂብዎምን እዩ ክኸዉን ዝግበኦ" ይብል ትሪክስ።