ኢትዮጵያ ብብዝሒ ውሽጣዊ ተመዛበልቲ ካብ ዓለም ቀዳመይቲ ኮይና

ምንጪ ስእሊ, Nashon Tado/NRC
ኣብቶም ዝሓለፉ ሽድሽተ ኣዋርሕ ኢትዮጵያ ብበዝሒ ውሽጣዊ ተመዛበልቲ ካብ ዓለም ቀዳመይቲ ኮይና።
ትካል ዓለምለኸ ምክትታል ጉዳያት ተመዛበልቲ (ኢንተርናሽናል ዲስፕለስመንት ሞኒተሪንግ ሴንተር) ከምዝብሎ፡ ኣብ 2018 ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ንህይወቶም ስለዝሰግኡ መረበቶም ገዲፎም ክስደዱ ተገዲዶም እዮም።
''1.4 ሚሊዮን ሰባት ጎንፂ ፈሪሖም ብምህዳም መረበቶም ገዲፎም እንትስደዱ እኹል ቆላሕታ ኣይተውሃቦን። እቲ ካልእ ዓለም ናይ ኢትዮጵያ ፀገም ክርኢ ኣይፈቐደን" ክብል ናይዚ ዞባ ዳይረክተር ካውንስል ስደተኛታት ኖርዌይ ኒገለ ትሪክስ ተዛሪቡ።
ኣብ ጌዲዮን ምዕራብ ጉጂን ብዝተፈጠረ ጎንፂ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ዶባት ኦሮሚያን ሶማሌን ብተደጋጋሚ ዘጋጠሙ ጎንፅታት ኣብ ውሽጢ እታ ሃገር ናይ ዝተመዛበሉ ሰባት ብዝሒ 1.4 ሚሊዮን ከምዝበፅሐ ዝወፀ ፀብፃብ ሓቢሩ።
መንግስቲ ኢትዮጵያን ትካላት ረድኤትን፡ ነቶም ተመዛበልቲ ንምሕጋዝ ፃዕርታት እኳ ይገብሩ እንተሃለዉ፡ ልዑል ብዝሒ ናይቶም ተፈናቐልትን ናይ ዝናብ ወቕቲ ምንባሩን፡ እቲ ፀገም ካብ ዓቕሚ መንግስትን ትካላት ረድኤትን ንላዕሊ ከምዝገበሮ እቲ ፀብፃብ ኣመልኪቱ።

ምንጪ ስእሊ, Nashon Tado/NRC
ተመዛበልቲ ዋላኳ ናብ መረበቶም ይምለሱ እንተሃለዉ፡ ቤት ንብረቶም ግን ሕዚ'ውን ዓንዩ እዩ ዘሎ ይብል እቲ ፀብፃብ።
''ተመዛበልቲ ዋላኳ ናብ መረበቶም ክምለሱ እንተደለዩ፡ ካብ መረበቶም ጥራሕ ኢዶም 'ዮም ወፂኦም። ናብ መረበቶም ክምለሱ እንትግበር፡ ብወለንተኦም፣ ውሕስነኦም ተሓልዩን ድጋፍ ተዋሂብዎምን እዩ ክኸዉን ዝግበኦ" ይብል ትሪክስ።
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







