ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ትሪፖሊ ሊብያ ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ሮኬት፡ በረራታት ተቐይሮም

ምንጪ ስእሊ, AFP
ናብቲ ኣብ ሊብያ ኣብ ስራሕ ዝርከብ እንኮ መዕርፎ ነፈርቲ ትሪፖሊ ድሕሪ ዝበፅሐ ናይ ሮኬት መጥቃዕቲ በረራታት ናብ ካልእ ከም ዝተቐየሩ ተገሊጹ።
ኣብቲ ሰሉስ ምሸት ዘጋጠመ መጥቃዕቲ ዛጊት ብዛዕባ ዝወረደ ጉድኣት ዝተረኽበ ሓበሬታ የሎን።
ዓለም ለኻዊ መዕርፎ ነፈርቲ ሚቲጋ ትሪፖሊ ብምኽንያት 'ቲ ዝቐነየ ኲናት ተቐናቐንቲ ሚሊሻ ተዓጽዩ ድሕሪ ምጽናሕ ብዓርቢ ኢዩ ተኸፊቱ።
ብሕቡራት ሃገራት ዝድገፍ መንግስቲ ንማለቱ ኣብ ትሪፖሊ ዝገዝእ ክኸዉን ከሎ ሚሊሻታት ንዝበዝሐ ክፋል እታ ሃገር ተቆጻጺረምዎ ኣለዉ።
እቲ መጥቓዕቲ ካብ ኣሌክሳንድርያ ግብጺ ናብ ትሪፖሊ ትበርር ንዝነበረት ናይ መገዲ ኣየር ሊብያ ነፋሪት ናብ ሚስራታ ክትበርር ኣገዲድዋ ኢዩ። ሚስራታ 200 ኪሜ ካብ ትሪፖሊ ናብ ምብራቕ ርሒቓ እትርከብ ከተማ ኢያ።
ካልኦት ናብ ትሪፖሊ ዝነበሩ በረራታት'ዉን ናብ ሚስራት ከም ዝቕየሩ ምንጭታት ን ኣጀንስ ፍራንስ ፕረስ ሓቢሮም።
መገዲ ኣየር ሊብያ እቲ እንኮ ኣብታ ሃገር ናይ ዉሽጢ ሃገርን ኣህጉራዉን በረራት ዘካይድ መገዲ ኣየር ክኸዉን ከሎ፡ ናብ ዉሱናት ሃገራት ጥራሕ'ዩ ክበርር ዝበርር።
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







