ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ ፡ መንግስቲ ባንዴራ ኢትዮጵያ ክቕየይር ከምዝኽእል ኣፋፍኖት ኣርእዩ

ቀዳማይ ሚንስትር ዶክተር ኣቢይ አሕመድ

ምንጪ ስእሊ, MICHAEL TEWELDE

ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ኣዋርሕ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ኢትዮጵያ፡ ዜጋታት ንምቅዋም ኮን ንምድጋፍ ናብ ኣደበባይ ኣብ ዝወጽዎ እዋን ዝተፈላለዩ ባንዴራታት ሒዞም ክወጹ ምርኣይ ልሙድ ኮይኑ ኣሎ።

ቅድሚ ኣዋርሕ ንማእሰርቲ የብጽሑ ዝነበሩ ባንዴራታት ሎሚ ኣብ ፈቐድኡ ምርኣዮም ልሙድ ኮይኑ ኣሎ።

ዝመጽእ ቀዳም ናብ ዓዶም ዝምለሱ ላዕለዎት መራሕቲ ኦነግ ንምቕባል፡ ትማሊ ቅድሚ ቀትሪ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ፡ ናይ ኦነግ ባንዴራ ኣብ መናድቕ ይቐብኡ ዝነበሩ መንእሰያትን ነዚ ተግባር ዝተቓወሙ ነበርትን ጎንጺ ኣጋጢሙ።

ኣብ ጉዳያት ባንዴራን ካልኦት እዋናዉያን ዛዕባታትን ሎሚ መግለጺ ዝሃበ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ "ባንዴራ ናይ ሃገር ወይ ናይ ሓደ ሰልፊ ናይ ሓሳብ መግለጽን መርኣዪ ምልክትን ኢዩ። ዝኾነ ወገን ሓሳቡ ብነጻነት ናይ ምግላጽ መሰል ኣለዎ። እዚ ድማ ንባንዴራ'ዉን ዝምልከት ኢዩ" ኢሉ።

"ዝጸንሓና ተሞክሮ እቲ ሓደ ነቲ ኻልእ ስዒሩ፡ ስልጣን ሒዙ ገዛኢ ምዃን እምበር መራሒ ናይ ምዃን ኣይኮነን። ከም ማሕበረሰብ ስዒርና ኣይንፈልጥን። ሕጂ ንብሎ ዘሎና፡ እቲ ሓደ ሰዓሪ እቲ ካልእ ተስዓሪ ይኹን ዘይኮነስ ፤ ኩሉ ሰዓሪ ዝኾነሉ ዓዉዲ ይፈጠር ዝብል'ዩ" ኢሉ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ወሲኹ ድማ፡ ኣሜሪካ 13 ግዘ ባንዴራ ምቕያራ ብምዝኽኻር "ድሌት ህዝቢ ኢትዮጵያ እንተኾይኑ ሕገ መንግስታዊ ብዝኾነ መገዲ ተዛትዩ ክቕይሮ ይኽእል፤ ነዚ ትዕግስቲ ዘይብሉ ግና ተሰዓሪ'ዩ" ኢሉ።

"ኣብ መዓልቲ ክልተ ግዘ ዝበልዕ ዜጋ ኣብ ዘለዋ ሃገር፤ ኣብ ክንዲ ናይ ህዝቢ ጥቕሚ ምቕዳም፡ ሓይሉ ንምርኣይ ፋሕጠርጠር ዝብል እንተሎ፡ ወላ ሓደ ኣብ ዘይዕወተሉ፡ ሕልቂት ኢና እንኣቱ። ህዝቢ ኢትዮጵያ ክስዕር ዝደሊ ሓይሊ፡ ምሃብን ምቕባልን ክፈልጥ የድልዮ" ድማ ኢሉ።

'ሆርን ኦፍ አፍሪ'

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ፡ ኣብቲ ናይ ሎሚ መግለጺኡ፡ ሓደ ፍልይ ዝበለ ሓሳብ ኣልዒሉ።

"ኢትዮጵያ፡ ሱዳን፡ ኤርትራ፡ ጅቡትን ሶማልን ኣብ ሓደ እንተንመጽእ፡ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ሓያል ሃገር ክንፈጥር ንኽእል ኢና። ንኹላትና ዝኣክል፤ ማይ ነዳዲ ዘለዋ ሃገር ኢና ንፈጥር። ፋሕ ፋሕ ኢልና ግና ንቻይና ካብ ምልማን ኣይንሓልፍን ኢና። ህዝቢ ነዚ ኣብ ግምት ብምእታዉ፡ ነዚ ሓሳብ ብምድጋፍ፡ ኣብ ጎድንና ደዉ ክብል ጻዉዒተይ የቕርብ" ብምባል ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘለዋ ሃገራት ሓቢረን ሓንቲ ሓያል ሃገር ንምምስራት ዘለዎም ድልየት ሓቢሮም።