ጽልዋ ቻይና ዘስዓቦ ሓድሽ ሽርክነት ኣውሮጳ ምስ ኣፍሪቃ

ፕረዚደነት ኣውሮጳዊ ኮሚሽን ጃን-ክላውደ ጃንከር

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ፕረዚደነት ኣውሮጳዊ ኮሚሽን ጃን-ክላውደ ጃንከር

ፕረዚደንት ኮምሽን ኣውሮጳ ጃን-ክላውደ ጃንከር ቁጠባዊ ዝምድና ንምዕሟቕን ከምኡ'ውን ወፍርን ናይ ስራሕ ዕድል ንምድንፋዕን ምስ ኣፍሪቃ ሓድሽ ሽርክና ክፍጠር ኣሚሙ።

እቲ እማመ፡ ኣብዘን ዝቕጽላ ሓሙሽተ ዓመታት ክሳብ 10 ሚልዮን ናይ ስራሕ ዕድል ክፈጥር ከም ዝኽእል ሚስተር ጃንከር ተዛሪቡ።

ንሱ ከም ዝብሎ እቲ ሓድሽ ዝምድና፡ ናጻ ናይ ንግዲ ስምምዕ "ኣህጉር-ንኣህጉር" እዩ ክኸውን።

ዕላማ ናይዚ ሓድሽ ወጥን ዝምድና ምስ ኣፍሪቃ፡ ኣካል ናይቲ ቻይና ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ዘለዋ ጽልዋ ንምግጣም'ዩ።

ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መራሕቲ ኣውሮጳ፡ ብሓደ ወገን በቲ ናብታ ኣህጉር ዝግበር ዋሕዚ ስደተኛታትን ፓለቲካዊ ሳዕቤናቱን ኣእምሮኦም ተታሒዙ ይርከብ።

ነቲ ዋሕዚ ንምግታእ እውን 10,000 ሓደስቲ ኣባላት ሓለዋ ዶብ ክምደቡ እቲ ፕረዚደንት ኣፍሊጡ።

ኣብ ርእሲኡ'ውን፡ ነተን ድኻታት ሃገራት ኣፍሪቃ እቲ ልሙድ ገንዘባዊ ደገፍ ክዋሃብ ተወሳኺ ገንዘብ ክምድብ ጸኒሑ'ሎ።

በቲ ካልእ ሸነኽ ግና፡ ኣውሮጳ ኣብ ክንዲ ኣብ ምፍታሕ ጎንጽን ግብረሰናይን ዝተመርኮሰ ዝምድና፡ ነቲ ቻይና ምስ ኣፍሪቃ እትገብሮ ሽርክነት ንግዳዊ ምትእስሳርን ክትክተል ትጽዕር ኣላ።

"ዝምድናና ብዓይኒ ልምዓታዊ ሓገዝ ጥራይ ምርኣይ ከነቋርጽ ኣለና" ብምባል ጃንከር ይዛረብ።

ኣብዚ እዋን'ዚ እቲ ካብ ኣፍሪቃ ናብ ዞባ ኣውሮጳዊ ሕብረት ዝላኣኽ ሰደድ፡ ምስ ካብ ሃገረ ስዊዘርላንድ ናብቲ ሕብረት ዝኣቱ ማዕረ'ዩ።

እማመ ኣውሮጳዊ ሕብረት ነዞም ዝስዕቡ የጠቓልል፡

  • ኣፍሪቃውያን ተማሃሮ ኣብ ዩኒቭሪሲታት ኤውሮጳ ክማሃሩ ምትብባዕ
  • ኣፍሪቃ ናይ ንግዲ ሃዋህው ከተማሓይሽ ምድጋፍን ገንዘባዊ ሓገዝ ምግባርን
  • ካብ 2021 ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 7 ዓመት ዝዋሃብ ናይ 46 ቢልየን ዶላር (35 ቢልዮን ፓውንድ) ደገፍ ምሃብ።

እዚ ዘመልክቶ፡ ኣፍሪቃ ገዚፍ ናይ ቁጠባዊ ዕብየትን ናይ ስራሕ ዕድል ምፍጣርን ዓቕሚ ዘለዋ ኣህጉር ምዃና'ዩ። እዚ ድማ ነቲ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ብዝሒ ህዝቢ ኣፍሪቃ ኣገዳሲ'ዩ።

መንገዲ ስደት ብሊብያ

ፕረዚደንት ጃንከር፡ ኣብ ዓመተ 2051 ርብዒ ህዝቢ ዓለም ኣፍሪቃዊ ከም ዝኸውን ብምጥቃስ፡ እቲ መደብ ን10 ሚልዮን ኣፍሪቃውያን ናይ ስራሕ ዕድል ዝኸፍት ክኸውን'ዩ ይብል።

ንሱ፡ ዘለዎ ደገፍ ንምርኣይ፡ ንኣፍሪቃ "ማንታ" ኣውሮጳዊ ሕብረት ክብል ገሊጽዋ።

እቲ "ኣብ መንጎ ክልተ ማዕረ ዝግበር ሽርክነት" ክብል ዝገለጾ ዝምድና፡ ኣብ መወዳእታ ሓደ ዓቢ ዞባ ናጻ ዕዳጋ ክምስርት ከም ዝኽእል ይትንበ።

እተኾነ ግና፡ ዋላኳ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ዝሓለፈ መጋቢት ናይ ሓባር ናጻ ዕዳጋ ክምስርታ እንተ ተሰማምዓ፡ ማዕረ'ቲ ኣብ ኣውሮጳ ዘሎ ቁጠባዊ ውህደት ንምብጻሕ ግን ዓሰርተታት ዓመታት ክወስድ ይኽእል'ዩ።

ይኹን'ምበር፡ እቲ ኣብ ማዕረነት ዝተመርኮሰ ሓድሽ እማመ ሽርክነት፡ ኣብ ኣፍሪቃ ተቐባልነት ክረክብ ዝኽእል ኮይኑ፡ ኣብ ጽቡቕ ጊዜ ዝመጸ'ውን እዩ።

ቻይናውያን ኣብ ኬንያ መስመር ባቡር እናሰርሑ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ቻይና ኣብ ምህናጽ ትሕተ-ቅርጺ ኣፍሪቃ ትሳተፍ ኣላ

ኣብዚ ቐረባ እወናት፡ እቲ ቻይና ምስ ኣፍሪቃ ዘለዋ መግዛእታዊ (ኒዮኮሎኒያል) ተባሂሉ ዝግለጽ ኣካይዳ ክንቀፍ ጸኒሑ'ሎ።

ቻይና፡ ብኣምሳያ ሕሱር ልቓሕን ምህናጽ ዓበይቲ ትሕተ-ቅርጽታት ነተን ሃራት ኣብ ክወጻሉ ዘይክእላ ናይ ልቓሕ ዓዘቕቲ ዘእቱ ዝብል ስግኣት'ውን ኣሎ።

ኣበቲ ምስ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃ ዘለዋ ርክብ ዝረአ ብልሽውና'ውን ዓይና ዓሚታ ከም እትሓልፎ'ዩ ዝዝረብ።

ስለዚ ኣውሮጳ ንርእሳ ከም ኣማራጺ ብምውሳድ ነቲ ድሮ 36 ሚኢታዊት (305 ሚልዮን ዶላር) ንግዳዊ ንጥፈታት ኣፍሪቃ ምስ ኣውሮጳ ምዃኑ ኣብ ግምት ብምእታውን ነቲ ምስታ ኣህጉር ዘለዋ ጆኦግራፊካዊ ቅርበትን ክትምዝምዞ ትሰርሕ ኣላ።

ብኻልእ ወግን ድማ ነቲ ኣሰሓሓቢ ዝኾነ ዋሕዚ ስደተኛታት መፍትሒ ከተናዲ ሃሰው ካብ ምባል ዓዲ ኣይወዓለትን።

ልቓሕ ቻይና ንሃገራት ኣፍሪቃ ዘርእይ ገራፍ
መግለጺ ስእሊ, ልቓሕ ቻይና ንሃገራት ኣፍሪቃ ስግኣትዶ ይኸውን?

ኣስታት 16 ሚኢታዊት (188 ሚልየን ዶላር) ንግዳዊ ንጥፈታት ኣፍሪቃ ምስ ቻይና ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ 2015 ኣስታት 53 ቢልዮን ዶላር ዝትመን ንግዳዊ ንጥፈታት ምስ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ 36 ቢልዮን ዶላር ድማ ምስ ዓባይ ብሪጣንያ ኣካይዳ።