ኣብ ባሕሪ ንዘለው ስደተኛታት መን'ዩ ሓላፍነት ዝወስደሎም?

ስደተኛታት ኣብ ናይ ጎማ ጃልባ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መንግስቲ ጣልያን ንልዕሊ 600 ስደተኛታት ዘድሐነት መርከብ ኣኳርየስ ዘይምቅባሉ፡ ካብ ዝተፈላለዩ ግብረሰናይ ትካላት ነቐፌታታት በጺሕዎ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ማልታ ጆሰፍ ሞስካት ብወገኑ ጣልያን ዓለምለኻዊ ሕጊ ጥሒሳ ብምባሉ፡ ብኩነታት መርከብ ኣኳርየስ ኣብ ሞንጎ ጥልያንን ፈረንሳን ወጥሪ ተኸሲቱ ቀኒዩ'ዩ።

ካብ የማናዊ ክንፊ ዝኾነ ኢጣልያዊ ሚኒስተር ወሽጣዊ ጉዳያት ማተዮ ሳልቪኒ ብወገኑ "ዋላ'ኳ ህይወት ሰባት ምድሐን ግዴታና ይኹን'ምበር ንዓዲ ጣልያን መዓስከር ስደተኛታት ክንቕይራ ግደታ የብልናን" ኢሉ።

ኣብ መወዳእታ እታ ስደተኛታት ዝጸዓነት መርከብ ብመንግስቲ እስጳኛ ተቐባልነት ረኺባ።

ስለዚ ንሓንቲ ስደተኛታት ጺዒና ኣብ ማእከል ባሕሪ እተንሳፍፍ መርከብ መን'ዩ ሕጋዊ ሐላፍነት ዝወስደላ?

ኣብ ሞንጎ ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ምቁጽጻር ስደተኛታትን ሕጊ ኤውሮጳዊ ሕብረትን፡ ዝኾነ ስደተኛ ኣብታ መጀመርታ ዝኣተወላ ሃገር ዑቕባ ክሓትተ ኣለዎ ዝብል ንብዙሕት ዓመታት ኣካታዒ ኮይኑ ጸኒሑ'ዩ።

እዚ ከኣ ንመንግስታት እተን ዶባት ባሕረን ብስደተኛታት ዘዕለቕልቓ ዘለዋ ኣደራዕ ኮይኑወን ኣሎ።

ኣብ ሲሲሊ፡ ስደተኛታት ጉዳዮም ክጻረ እንከሎ

ምንጪ ስእሊ, EPA

ቢቢሲ፡ ብዛዕባ ሕጋዊ ሐላፍነት ኣባላት ሃገራት ኤውሮጳ፡ ንስደተኛታት ጺዒና ኣብ ባሕሪ እተንሳፍፍ መርከብ ብዝምልከት ንኮሚሽን ኤውሮጳዊ ሕብረት ዘቕረቦ ሕቶ፡ 'ኣቐዲሙ ንዝጸንሐ ዓለምለኻዊ ጉዕዞ ባሕሪ ተወከሱ!" ብምባል ብዙሕ ሓበሬታ ኣይሃበን።

እዚ ሓበሬታ ከኣ ኣብ ናይ 1974 ውዕል ንድሕነት ሕይወት ኣብ ባሕሪ ተጻሒፉ ይርከብ። እቲ ሓበሬታ፡ ዝኾነት መርከብ ህይወት ደቂ ሰባት ኣብ ሓደጋ ምውዳቑ ምስ እትፈልጥ፡ ተቐላጢፋ ኣብ ምድሓኖም ክትጓየ ኣለዋ ይብል።

ብተወሳኺ ኣብ ናይ 1982 ውዕል ሕቡራት መንግስታት ዘውጽኦ ናይ ባሕሪ ሕጊ፡ ዝኾነት ሃገር በተን ኣብ ባሕሪ ዝዝንብያ ሕጋውያን መራኽበን ጌረን ነተን ኣብ ከቢድ ጸገም ተሸሚመን ዝርከባ ከድሕና ከምዘለወን የመልክት።

ኣብ ናይ 1979 ውዕል ሕቡራት መንግስታት ዳህሳስ ባሕርን ምድሓን ሕይወትን ዝጸደቐ ሕጊ፡ ንኹለን ኣብቲ ውዕል ዝፈረማ ክተሓጋገዛን ናይ ምድሓን ህይወት ጻዕርታት ከካይዳን ይጽውዕ።

ብመሰረት እቲ ምስ ናይ ባሕሪ ሕይወት ኣድሕን ተወሳኺ መትከላት ዘበርከት ዓለምለኻዊ ማሕበር ባሕሪ፡ እተን ኣብ ኣባልነት ዝርከባ ሃገራት ኤውሮጳ ኣብ ናይ ባሕሪ ንጥፈታት ሕይወት ኣድሕን ሓላፍነት ከምዝወስዳን፡ ብቕልጡፍ ሕይወት ኣብ ምውሓስ ክሰርሓ ከምዘለውን ይሕብር።

እንተኾነ ግን ብዙሓት ኣዘራረብቲ ነገራት ኣለዉ። ሓደ ካብኣቶም ኣገላልጻ ናይ ጸበባ'ዩ።

ብመሰረት ናይ ኤውሮጳዊ ፍልሰት ሕጊ መርበብ ሓበሬታ ኣብ ልዕሊ ሓተትቲ ዑቕባን ስደተኛታትን ምኽሩ ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ኣስፊርዎ ይርከብ።

ኣኳርየስ ናብ ማያት ማልታን ጥልያንን ክትጽጋዕ እንከላ ዝኾነ ርኡይ መካኒካዊ ጸገም ኣይነበራን። ጥልያንን ማልታን ከኣ ኣኳርዩስ ነቲ ረቛሒታት ናይ ጸበባ ወይ ሽግር ኣየማልኣትን" ይብሉ።

ብተወሳኺ ሰበ ስልጣን ማልታ፡ ነቶም ኣብታ መርከብ ዝነበሩ መግብን ማይን ሂቦሞም ኢዮም።

እንተኾነ ግን ኣብ'ታ መርከብ ልዕሊ 120 ኣላዩ ዘይብሎም ሕጻናትን 7 ነብሰ-ጾራትን ከምዝነበሩ ተሓቢሩ።

ኣብ'ቲ ቦታ ዝነበረ ጋዜጠኛ ከም ዝሓበሮ፡ ብዙሓት ኣብ ደገ ደቂሶም ንዝተፈላለዩ ሓደጋታት ኣዝዮም ቅሉዓት ከምዝነበሩ ሓቢሩ።

ኣብታ መርከብ ዝሰርሑ ዘለዉ ዘይመንግስታውያን ትካላት፡ ነታ መርከብ ኣብ ዓዲ ጣልያን ክትዕሸግ ዘይምፍቃድን ንስጳኛ ክኸዱ ኣብ ባሕሪ ተወሳኺ መዓልታት ምግባርን ነቲ ጸገም መሊሱ ከም ዘብኣሶ ይማጎቱ።