ስለምንታይ ጸለምቲ ኣሜሪካውያን ብኮሮናቫይረስ ዚያዳ ተጠቒዖም?

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣሜሪካውያን፡ እቲ ኣብ ሃገሮም ዘሎ ዓሌታዊ ኣፈላላይ፡ ምስ ኮሮናቫይረስ ዝተሓሓዝ ሞት እንተጋጥም'ውን ተስተውዒሉ።
ከተማታት ቺካጎ፣ ኒው ኦርሊንስ፣ ላስ ቬጋስ፣ ሜሪላንድን ደቡብ ካሮሊናን ካብተን ጸብጻብ ግዳያት ኮሮናቫይረስ ብዓሌት ፈልየን ዘቕረባ እየን።
ናይ ገሊአን በቲ ኣብ ኣሜሪካ ዝጸንሐ ጉዳይ ኣፈላላይ ብዝብገስ ክኸውን ይኽእል።
ናይ ገሊአን ምኽንያት ድማ ካልእ ትጽቢት ዘይተገብሮ ክኸውን ይኽእል።
ቅልውላው እዚ ለበዳ ብዝተፈላለየ መልክዑ ናይ ዘጥቅዖም ጸለምቲ ኣሜሪካውን ዛንታ ከምዚ ዝስዕብ ቐሪቡ'ሎ።
'ናተይ ማሕበረሰብ ይበርስ ኣሎ'
"ሮድሃ ሓፍተይ ኣደ ስድራና ነይራ፤ ካብ ስድራና ኮሌጅ ኣትያ ተማሂራ መምህር ክትኸውን ዝኸኣለት ናይ መጀመርታ ኣላይት ስድራ እያ" ይብል ሪቨረንድ ማርሻል ሃች።
ሃች ኣብ ቺካጎ እዩ ዝነብር። "ፍልይቲ ሰብ ነይራ፤ ሕያወይትን ጽቡቕ ስብእና ዝነበራን እያ" ክብል ይገልጻ።
ክልቲኦም ኣሕዋት ፍሉይ ዝምድና ነይሩዎም። ጓል 73 ዓመት ሮድሃ ሃች ግን ንሸሞንተ መዓልታት መሳርሒ መሐገዚመተንፈሲ [ሜካኒካል ቬንትሌተር] ኣቲዩዋ ኣብ ሆስፒታል ምስ ጸንሐት፡ ብ4 ሚያዚያ ሞይታ።

ምንጪ ስእሊ, Submitted photo
ቅድሚ ክልተ መዓልቲ፡ ወዲ 62 ዓመት ሙሩጽ ዓርኪ ሪቨረንድ ላሪ ሃሪስ ሞይቱ። ክልቲኦም ኮቪድ-19 ተጠቒዖም ነይሮም።
ሪቨረንድ፡ ናይ ቀራባይ ዝብሎም ኣርባዕተ ሰባት ብምኽንያት እዚ ቫይረስ ሞይቶም'ዮም። እዚ ቫይረስ ድማ ኣብቲ ንሱ ዝነብረሉ ከባቢ ዌስት ጋርፊልድ ፓርክ፡ ብዙሓት ጸለምቲ ኣሜሪካውን የብርስ ምህላው ኣምሪሩ ይዛረብ።
"ንሓፍተይ ዝኸውን ናይ መቓብር ቦታ ደሊና ንምርካብ ዝተጸገምናሉ እዋን እዩ። ግን ድማ ከምዚ ዓይት ለበዳ ክመጽእ እንከሎ፡ ነቶም ብቑጠባ ዝተጎድኡ ክፋል ሕብረተሰብ ዚያዳ ከጥቅዕ ከም ዝኽእል ክንግምት ነይሩና" ይብል።
ኣብ ዌስት ጋርፊልድ ፓርክ ዝርከቡ ሕብረተሰብ፡ ካብታ ከባቢ ሓሙሽተ ኪሎ ሜትሮ ኣብ ዘይመልእ ርሕቐት ካብ እትርከብ ጸዓዱ ዝነብሩላ ቺካጎ ብ16 ዓመት ዝተሓተ ዕምሪ ከም ዝነብሩ መረዳእታ ቖጸራ ህዝቢ እታ ሃገር የመልክት።
ማእከል ምቁጽጻር ሕማማት ቺካጎ፡ ኣብታ ከተማ ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ካብ ዘጋጠመ ሞት፡ እቶም 68 ሚኢታዊት ጸለምቲ ኣሜሪካውያን ከም ዝኾኑ ይሕብር። ኣፍሪቃ-ኣሜሪካውያን፡ 30 ሚኢታዊት ብዝሒ ህዝቢ ይሕዙ።
ሪቨረንድ ሃች ኣብ ዝነብረሉ ከባቢ ዘለው አህዛብ፡ መድሕን ጥዕና ናይ ምርካብ ኮነ ተረሓሒቕኻ ናይ ምንባር ዕድሎም ካብቲ ካልእ ኣንጻር ዝተሓተተ እዩ።
መናእሰይ ጸለምቲ ኣሜሪካውያን'ውን፡ ኣብ ድኳናት መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ገይሮም ዝረኸቡዎም ፖሊስ ከም ዘጥቅዑዎም ብማሕበራዊ ሚዲያ ገሊጾም።

ምንጪ ስእሊ, Submitted Photo
'ሓሚመ'ውን እየ ዝሰርሕ'
"ክግልገል ዝመጽእ ተጠቃሚ እንታይ ሒዙ ከም ዝመጽእ ኣይትፈልጦን" ትብል ነባሪት ኒው ኦርሊንስ ጓል 24 ዓመት ክላሪኖታ ጆነስ።
ኣብ ናይ ስራሕ ቦታ ኮይና በዚ ቫይረስ ከይትልከፍ እትሰግኦ ስግኣት ደረት ኣልቦ እዩ።
"ግደ ሓቂ፡ ሓሚመ'ውን ዝኾነ ነገር ወሲደ እየ ናብ ስራሕ ዝኸይድ። ክልተ ቖልዑ ኣለውኒ፤ ካብ ስራሕ ከቡክር ኣይደልን። ብሕታዊ እቶት ዝረኽበሉ ስርሐይ እዚ እዩ፡ ኪራይ ገዛ'ውን ክንከፍል ተነጊሩና እዩ። ስለዚ ንዓይ ምርጫ ኣይኮነን፤ ግዴታ'ዩ" ትብል።
ኣካያዲ ስራሕ እቲ እትሰርሐሉ ድኳን፡ ዓማዊል ኣብ ዘተኣንግድሉ እዋን ጓንቲ ኮነ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ክጥቀሙ ከም ዘየፍቅደሎም ነጊራትና።
ስርሓ ክትስእኖ ስለ ዘይትደሊ ድማ፡ በዚ ምሰኡ ክትጨቓጨቕ ኣይትደልን።
ኣብ ብዙሓት ሃገራት፡ ትሑት እቶት ዝረኽቡ ሰራሕተኛታት ዓውዲ ኣገልግሎት፡ ንኮቪድ-19 ዘለዎም ተቓላዕነት ልዑል ምዃኑ ይርኣ ኣሎ።
ኣብ ኣሜሪካ ድማ፡ "ትሑት እቶት ኣለዎ" ማለት "ጸሊም" ማለት እዩ።
ክላሪኖታ ግን ሓደ ትጽቢት ዘይገበርናሉ ነገር ኣውጊዓትና።
"መጀመርታ ጸለምቲ ብኮሮናቫይረስ ኣይትሓዙን ዝብል ይሰምዕ ነይረ። ማለት፡ ኣብ ቻይና ጸለምቲ ሰባት ስለ ዘየለው፡ እቲ ቫይረስ ናብ ኣሜሪካ ምስ ኣተው'ውን ካልኦት ዓሌት እዮም ዝጥቅዑ ነይሮም" ኢላ።
እዚ ኣብ ኦርሊንስ ጥራሕ ዝነበረ ግጉይ ሓበሬታ ዘይኮነ፡ ኣብ መላእ እታ ሃገር ዝተርኣየ ዝንባለ እዩ።
40 ሚኢታዊት ጸለምቲ ኣብ ዝነብሩላ ከተማ ሚልዋኪ እተገልግል ኮሚሽነር ጥዕና ዶክተር ጃኔት ኮዋልኪ፡ ከምዚ ዓይነት ዝንቡዕ ሓበሬታ ምኽንያት ምልባድ እቲ ቫይረስ ምዃኑ ትዛረብ።
"ኣብ መጀመርታ ሰሙናት፡ ኣብታ ከተማ 80 በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ተረኺቦም፤ ካብዚኦም እቶም 70 ሚኢታዊት ጸለምቲ ነይሮም" ትብል።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ጸለምቲ ኣሜሪካውያን ብቐንዱ ብኮሮናቫይረስ ዝጥቅዕሉ ዘለው ምኽንያት ከተብህ እንከላ ድማ፡ "ኣፍሪቃ-ኣሜሪካውያን መብዛሕትኦም ሕዱር ሕማም ዘለዎም እዮም። ናይ ልቢ ሕማማት፣ ሕማም ሽኮር፣ ኣስማ፣ ልዕሊ ዓቐን ርጉዲ ኣለዎም"።
ማእከል ምቁጽጻር ሕማማት ኣሜሪካ ከም ዝብሎ'ውን፡ 50 ሚኢታዊት ኣፍሪቃ-ኣሜሪካውያን ናይ ልቢ ሕማማት ኣለዎም።
ካልኦት 40 ሚኢታዊት ዕድሚኦም ገና እንከሎ እንትሞቱ፡ 19 ሚኢታዊት ሰባት ድማ ናይ ሕክምና ወጻኢኦም ክሽፍኑ ኣይኽእሉን።
ዶክተር ኮዋሊክ፡ ጸለምቲ ኣሜሪካውያን በዚ ለበዳ ኣዐርዮም ከም ዝተሃሰዩን፡ ዳግም ብምኽንያት ዓሌቶም ዕሽሽ ዝተብሃሉ ኮይኑ ከም ዝስምዖምን ብምግላጽ፡ "መሓውራዊ ምስ ዝኾነ ዓሌታዊ ኣረኣእያ ዝተኣሳሰሩ ነገራት ኣለው፤ ንነዊሕ እዋን ኣብዛ ሃገር እቲ ፖሊሲታትን ኣተገባብርኡን ተመሳሳሊ ኮይኑ መጺኡ'ዩ" ኢላ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







