"ዝሕቱል ግብረመልሲ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ኲናት ትግራይ እጃም ኣለዎ" - ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዓለምለኻዊ ትካል ሰብኣዊ መሰላት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ መራሕቲ ኣፍሪቃ ከምኡ’ውን ካልኦት ሃገራትን ትካላትን ዓለም ብዛዕባ’ቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላት ድምጾም ንኸስምዑ ጸዊዑ።
እቲ ትካል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣብቲ ሽድሽተ ወርሒ ዝመልኦ ኲናት ትግራይ ዓለምለኻዊ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ከምዝተፈጸሙ ሓቢሩ።
ኲናት ትግራይ ካብ ዝጅመር ክሳብ ሎሚ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ከምዝተቐተሉ፣ ብኣማኢት ኣሽሓት ኣብ ውሽጢ እቲ ክልል ከምዝተፈናቐሉን ከምኡ ድማ 63 ሽሕ ሰባት ናብ ሱዳን ከምዝተሰዱ እቲ መግለጺ ኣመልኪቱ።
ገበናት ኲናትን ሰብኣዊ ጥሕሰትን ከምዝተፈጸሙ ብምሕባር ወተሃደራት ኢትዮጵያን ኤርትራን ብሓባር ኮይኖም ንደቂኣንስትዮ ከምዝተጋሰሱን ቆልዑት ዝርከብአን ደቂኣንስትዮ ጾታዊ ጥቕዓታት ከምዘብጽሑን መረዳእታታት ኣለዉ ኢሉ።
ኤርትራ ነቲ ኣብ ልዕሊ ወተሃደራታ ክቐርብ ዝጸንሐ ክስታት ዓመጽን ቅትለትን "ስተሰንዐ" ብምባል ክትነጽጎ ምጽንሓ ይፍለጥ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድ ብወገኑ፡ ግህሰታት ከምዝተፈጸመ ብምእማን፡ ጾታዊ ዓመጽን ቅትለትን ዝፈጸሙ ወተሃደራት ክሕተቱ ምዃኖም ተዛሪቡ ነይሩ'ዩ።
“ኣብቲ ሽድሽተ ኣዋርሕ ዘቑጸረ ኲናት ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰልን ዓለምለኻዊ ሕግታትን ከምዝተፈጸሙ ዘረጋግጹ መረዳእታታት ብእኹል’ኳ እንተሃለዉ ካብ ሕብረት ኣፍሪቃን ሕቡራት ሃገራትን ግን እኹል ምላሽ ኣይተወሃበን” ክብል ሓላፊ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ምብራቕን ደቡብን ኣፍሪቃ ዲፕሮስ ሙቼና ኣረዲኡ ።
ወሲኹ ድማ “ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ድሕሪ ኣዋርሕ ጉዳይ ትግራይ ከምዘሻቐሎ ገሊጹ’ዩ፤ ሕብረት ኣፍሪቃን ኣብቲ ዞባ ዝርከባ ሃገራትን ግን ብኣንጻሩ ስቕታ መሪጸን ኣለዋ” ኢሉ።
ዝተፈጸሙ ጥሕሰታት
ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ናብ ትግራይ ንምእታው ፍቓድ ክረክብ ዘቕረቦ ሕቶ መልሲ ከምዘይተወሃቦ ዘዘኻኸረ እቲ ዓለማዊ ትካል ሰብኣዊ መሰላት፤ ኣብዚ እዋን ብሰንኪ ዘሎ ኣጸጋሚ ኩነታት ሜላታት መራኸቢ ንኹሎም ነቶም ተፈጺሞም ዝበሃሉ ሰብኣዊ ጥሕሰታታት ምጽራይ ከምዝኸብድ ኣረዲኡ።
እንተኾነ 'ኦፕን ሶርስ' ንዝተባሃለ ሜላ ምርመራ ከምኡ ድማ ብትንተና ምስልታት ሳተላይን መረዳእታታት ቪድዮ ከምዝኣከበ ኣብቲ መግለጺኡ ሓቢሩ።
ካብዚ ብተወሳኺ ካብቶም ዝተፈጸሙ መጥቃዕትታት ዝተረፉን ናብ ሱዳን ዝኣተዉ ስደተኛታትን ብኣካል ኮነ ብስልኪ ብምዝርራብ መረዳእታ ከምዝኣከበ ኣፍሊጡ'ሎ።
ኣምነስቲ፡ ኣብቲ 6 ኣዋርሕ ኣቑጺሩ ዘሎ ኲናት ዝሳተፉ ዘለዉ ሓይልታት ጃምላዊ ቅትለታት፡ ጾታዊ ዓመጻት፡ ዕንወትን ዝምታን ከምዝፈጸሙ ዝገልጹ ጸብጻባት ኣውጺኡ ምንባሩ ይዝከር።
መዝጊበዮም ኣለኹ ካብ ሞንጎ ዝበሎም ጥሕሰታት እቲ ምስ ህወሓት ርክብ ነይርዎም ብዝበሃሉ ሓይልታት ኣብ ማይካድራ ዝተፈጸመ ጃምላዊ ቕትለት ሓደ ከምዝኾነ ብምጥቃስ ነዚ ስዒቡ ከኣ ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ትግራይ ነበርቲ ማይካድራ ዓጸፋዊ መጥቃዕቲ፣ ንሕጊ ሽፋን ዝገብር ቕትለት፣ ዝምታን ጃምላዊ ማእሰርትን ከምዝተፈጸመ ገሊጹ።
ኣብ ወርሒ ለካቲት ናብ ትግራይ ክኣትዉ ዝተፈቐደሎም ማዕኸናት ዜና ብወገኖም ነቶም ኣምነስቲ ኢንርናሽናልን ካልኦት ትካላትን ኣብ ትግራይ ተፈጺሞም ክብሉ ዝገለጽዎም ጥሕሰታት ከምዘረጋገጹን ተወሰኽቲ ዘስካሕክሑ ጥሕሰታት ከምዘቃልዑን እቲ መግለጺ ኣዘኻኺሩ።
ካብ ሞንጎ'ቶም ገበናት ኣብ ምዕራብ ትግራይ ደገፍቲ መንግስቲ ብዝባሃሉ ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራ፣ ዕጡቓት ፋኖን ሚሊሻ ኣምሓራን ዝፈጸምዎ 'ምጽናት ዓሌት' ከምዝርከቦም ኣምነስቲ ጠቒሱ።
ብወገን ክልል ኣምሓራ ብዛዕባ'ዚ ናይ ኣምነስቲ ዝተዋህበ ግብረመልሲ የለን።
ብሰንኪ'ቲ ተፈጺሙ ዝበሎ ምጽናት ዓሌት ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ካብ መረበቶም ከምዝተመዛበሉ ብምሕባር ኣብቶም ኣብ ምዕራብ ትግራይ ተፈጺሞም ዝበሃሉ ጥሕሰታት ዝገብሮ ምጽራይ ከምዝቕጽለሉ ኣፍሊጡ።
ካብዚ ብተወሳኺ ኣዝዮም ዘስካሕክሑ ገበናት ጾታዊ ግህሰት ከምኡ'ውን ብጉጅለ ዝፍጸሙ ጾታዊ ጥቕዓታት ኣብ ልዕሊ ህጻናትን ዓበይትን ደቂኣንስትዮ ዝምልከቱ ጸብጻባት ይወጽኡ ምህላዎም ብምሕባር፡ ኣብ ቀረባ እዋን ወኪላት ሕቡራት ሃገራት ከምኡ ድማ ኣብቲ ክልል ዝንቀሳቐሱ ዘይመንግስታዊ ትካላትን ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ "እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ጾታዊ ግህሰት ኣብ ልዕሊ ህጻናት ዓበይትን ደቂኣንስትዮ" ከምዘሻቐሎም ነዚ ዝተወሃበ ምላሽ ከኣ እኹል ከምዘይኮነ ምግላጾም ኣረዲኡ።
ሆስፒታላትን ካልኦት ትካላት ጥዕናን መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸሞምን ከምዝተዘመቱን ዝተፈላለዩ ትካላት ረድኤት ምሕባሮም እቲ መግለጺ ኣዘኻኺሩ'ሎ።
ዲፕሮስ ሙቼና "ዓለም እናረኣየ ኣብ ልዕሊ ህጻናትን ዓበይትን ደቂኣንስትዮ ትግራይ ጾታዊ ግህሰት ምፍጻሙ ትኽክል ኣይኮነን። ረድኤት ዘቕርቡ ትካላትን ሆስፒታላትን ብሰንኪ እቲ ኲናት ስለዝተጎድኡ ሓገዝ ዝህቡሉ ዓቕሚ የብሎምን" ኢሉ።
ምዕጋት ሰብኣዊ ረድኤትን ስግኣት ጥምየትን
ኣምነተስቲ ኢንተርናሽናል ኩሎም ኣብ ኲናት ትግራይ ዝሳተፉ ዘለዉ ኣካላት ነቶም ርድኤት ዘቕርቡ ትካላት መገዲ ክኸፍቱ ክሓትት ምጽንሑ ሓቢሩ’ሎ።
ካብ 27 ሚያዝያ 2021 ጀሚሩ ምምሕያሽ ከምዘሎ ሕቡራት ሃገራት እንተሓበረ’ኳ “ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት ሎሚ’ውን ከምዘይተረጋግአን ረድኤት ብእዋኑ ክበጽሕ ከምዘይክኣለን” እቲ መግለጺ ኣዘኻኺሩ።
ጉጅለ ዶብ ኣልቦ ሓኻይም [ኤም ኤስ ኤፍ] ዝተበሃለ ዓለም ለኻዊ ትካል ግብረሰናይ ኣብ ወርሒ መጋቢት ጥራይ ኣብ መቐለ ዝነበሮም ዕማም ክልተ ጊዜ ከምዝተቛረጾም ኣምነስቲ ጠቒሱ።
እቲ ጉጅለ ወተሃደራት ብሽፋን ሕጊ ቕትለት ክፍጽሙ ከምዝረኣየ፤ ብኻልእ ኣጋጣሚ ከኣ ንመኪንኦም ደው ኣቢሎም ንኢትዮጵያዊ ዘዋሪኣ ከምዝወቕዕዎን ክቐትልዎ ምዃኖም ከምዘፈራርሕዎን እቲ ብኣምነስቲ ዝወጽአ መግለጺ የመልክት።
ኣብ ትግራይ ሓረስቶት ካብ መረበቶም ከምዝተፈናቐሉን ኮነ ተባሂሉ ዘራእቶም ከምዝዓነዉን ብምግላጽ፤ ካብ ሕጸረት መግቢ ሰጊሩ ሓደጋ ጥምየት ከጋጥም ከምዝኽእል ስግኣቱ ሕቡራት ሃገራትን ካልኦት ትካላትን ክፈልጡ ኣጠንቂቑ።
ኣብ ከም ኣምሓራ፣ ቤኒሻንጉልን ኦሮሚያን ዝበላ ክልላት ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝፍጸሙ ጥቕዓታት እናወሰኹ ምምጽኦም ዘተሓሳስብ ምዃኑ’ውን ኣብ መግለጺኡ ወሲኹ ሓቢሩ።
ሓላፊ ኣምንነስቲ ኢንተርኛሽናል ደቡብን ምብራቕን ኣፍሪቃ ዴፕሮስ ሙቼና "ዓለም ለኻውን ዘይሻራውን መርመርቲ ብኹሎም ወገናት ተፈጺሞም ንዝተበሃሉ ጥሕሰታታት ከጻርዩ ኣለዎም። ነቲ ጥፍኣት ዝፈጸሙ ከኣ ክቕጽዑ ይግባእ። ካብ ፍርዲ ዝሃድም ከምዘይህሉ መልእኽቲ ክበጽሕ አለዎ” ኢሉ።
ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ነቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኲናት ዝህቦ ምላሽ ዝዛሕተለ ኮይኑ እንተቐጺሉ ግን እቲ ሕዚ ዘሎ ኩነታት ካብ ቑጽጽር ወጻኢ ክኸውን ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







