ዩኒሴፍ፡ ኣብ ትግራይ 33 ሽሕ ህጻናት ንሓደጋ ሞት ከምዝተሳጥሑ ገሊጹ

ኣደ ቖልዓ ህጻና ሓዚላ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ኣብ ትግራይ ኣስታት 33 ሽሕ ህጻናት ብሰንኪ ሕጽረት ምግቢ ንሓደጋ ሞት ተሳጢሖም ከምዝርከቡ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ትካል ጉዳያት ህጻናት [ዩኒሴፍ] ኣፍሊጡ።

ወሃቢ ቃል ዩኒሴፍ፡ ጄምስ ኤልደር፡ ኣስታት 33 ሽሕ ህጻናት ብሰንኪ ስእነት ምግቢ ንከቢድ ሕማም ዝተሳጥሑ ኾይኖም ‘ኣብ ድርኩኺት ሞት እዮም ዝርከቡ’ ክብል ስግኣቱ ገሊጹ።

ሕቡራት ሃገራት ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዘውጸኦ ሓድሽ ጸብጻብ፡ ልዕሊ 350 ሽሕ ዝኾኑ ነበርቲ ትግራይ ‘ኣብ ኣዝኡ ዘሻቕል ኩነታት ይርከቡ’ ክብል ገሊጹ ኣሎ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ፡ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ትግራይ ጥሜት ኣጓኒፉ ተባሂሉ ዝዝረብ ጌጋ ምዃኑ ብምንጻግ፡ እኹል ረድኤት ናብ ዝምልከቶም ከባብታት የብጽሕ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

ኣብ ትግራይ ኣብ 4 ሕዳር 2020 ኲናት ካብ ዝጅመር ንድሓር ልዕሊ 1.7 ሰባት ምምዝባሎም፡ ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ምማቶምን ኣብቲ ክልል ሓያል ማሕበራዊ ቅላውላው ስዒቡ ከምዘሎን ጸብጻባት ይሕብሩ።

እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ ዝወጽአን ኩነታት ትግራይ ዝገምገመን ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት ምግቢ ‘ኣዝዩ ዘሻቕል’ ከብል ዝገለጾ ኾይኑ ሓያል ጉድኣት ከስዕብ ከምዝኽእል ስግኣቱ ገሊጹ።

በዚ ጸብጻብን ገምጋመን መሰረት፡ ኣብ ትግራይ ኣብ ገለ ከባብታት ካብ ብሕዚኡ ሞት ዘስዕብ ጥሜት ከምዘሎን እዚ ኩነታት ብቐሊሉ ናብ ካልእ ከባብታት ክስፋፋሕ ምዃኑን ገሊጹ።

በቲ ሕዚ ዘሎ ገምጋም፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ክበጽሕ ዝኽእል ጉድኣት ንምትራፍ፡ ረድኤት ዘይበጽሖም ከባብታት ሓገዝ ዝረኽብሉ ኩነታት ብዕቱብ ክስረሐሉ ጻውዒት ኣቕሪቡ ኣሎ።

ወሃቢ ቃል ዩኒሴፍ፡ ጄምስ ኤልደር፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ፡ “ኣብዚ ሕዚ እዋን ዳህሳስ ካብ ዝተገብረሉ 20 ሚኢታዊት ከባብታት 350 ሽሕ ኣብ ልዑል ስእነት ምግቢ ምዃኑ መሊእኻ ‘ዓጸቦ ኣርኪቡ’ ኢልካ ንምእዋጅ ካብቲ ዝተቐመጠ ረቛሒ ንታሕቲ ክኸውን ይኽእል እዩ። ይኹን’ምበር ሰባት እናሞቱ፤ ብቓላት እንተዘይንጻወት ይሓይሽ” ኢሉ።

ምስ እዚ ተዛሚዱ፡ ኣስታት 33 ሽሕ ህጻናት ብሰንኪ ስእነት ምግቢ ‘ኣብ ድርኩኺት ሞት እዮም ዝርከቡ’ ክብል ወሲኹ ሓቢሩ።

ሚኒስተር ሓለዋ ጥዕና ኢትዮጵያ፡ ዶ/ር ሊያ ታደሰ፡ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ኣዋርሕ፡ ልዕሊ 75 ሽሕ፡ ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ዝኾኑ ሕጽረት ምግቢ ዘጋጠሞም ህጻናት ናብ ማእከላት ጥዕና ጣብያ ምምጸኦም ሓቢራ።

ካብ መንጎኦም እቶም 4 ሚኢታዊት ብሕሱም ሕጽረት ምግቢ ዝተሃሰዩ ኮይኖም፡ ኣድላይ ዝበሃል ሕክምናዊ ኣገልግሎትን ድጋፍን ከምዝረኸቡ ጠቒሳ።

ኣስታት ክልተ ሚልዮን ህዝቢ ትግራይ፡ ንዝለዓለ ቅልውላው ዝተሳጠሐ ምዃኑ ኣብቲ ናይ ሕቡራት ሃገራት ገምጋም ስዒቡ ዝወጽአ ጸብጻብ ይሕብር።

ኣመሪካን ኣውሮፓን ብሓባር፡ ኣብቲ ኲናት ዝሳተፍ ዘለዉ ኣካላት ኩሎም ተኹሲ ጠጠው ከብሉን ኣብ ሕማቕ ኩነታት ዝርከቡ ሚልዮናት ረድኤት ዝረኽብሉ ኩነታት ክፍጠርን ሓቲቶም።

ሓላፊ ሰብኣዊ ረድኤት ሕቡራት ሃገራት ማርክ ሎውኮክ፡ ‘ኣብ ትግራይ ዓጸቦ ኣሎ’ ኢሉ እንተተዛረበ’ኳ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዚ ሓሳብ ኣይቕበሎን። መንግስቲ፤ እኹል ረድኤት የብጽሕ ከምዘሎ እዩ ዝገልጽ።

ማርክ ሎውኮክ ግን፡ እቲ ዓጸቦ ኣብ ልዕሊ ሰባት ዝኸፍአ ሞትን ስቓይን ከይኣስዓበ እንከሎ ብኣግኡ፡ ‘ተኹሲ ጠጠው ናይ ምባል’ ጻውዒት ኣብ ግብሪ ከውዕል ከምዘለዎ ይዛረብ።

እዚ ከምዚ እንከሎ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ጎንጺ'ቲ ክልል ንኣዋርሕ ዝሳተፉ ዘለውን ብዝተፈላለዩ ገበናት ዝክሰሱን ወተሃደራት ኤርትራ ካብ ትግራይ ምውጻእ ምጅማሮም ምግላጹ ዝዝከር እዩ።