መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ 'ኣብ ክልል ትግራይ ሓደጋ ጥምየት የለን' ኢሉ

ስደተኛታት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኮሚሽነር ብሄራዊ ኣመራርሓ ስራሕ ስግኣት ሓደጋ ኣይተ ምትኩ ካሳ፡ ኣብ ትግራይ ሓደጋ ጥምየት (ዓጸቦ) ኣሎ ዝብል ሓበሬታ ጌጋ ምዃኑ ትማሊ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ።

ንሱ፡ ምስ ሚንስተር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ፡ ብሓባር ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ገበርቲ ሰናይ ብምትሕብባር ሰብኣዊ ሓገዛት የቕርብ ከምዘሎ ተዛሪቡ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ቀረባ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፤ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ኣፍ ደገ ሓደጋ ጥምየት ከምዘለዉ ብምግላጽ እቲ ኣብ 1977 ዓ.ም [1984] ኣጋጢሙ ዝነበረ ከቢድ ጥምየት ክድገም ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ ነይሩ።

ኣብቲ ናይ ትማሊ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ‘ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ጥምየት ሰባት ይሞቱ ኣለዉ’ ንዝብል ሓበሬታ ትካል መግቢ ዓለም መሰረት ዝገበረ ሕቶ ካብ ጋዜጠኛታት ቀሪቡ ነይሩ።

ነዚ መልሲ ዝሃበ እቲ ኮምሽነር፤ ገለ ጸብጻባት ኣብ ኮረም ወረዳ ኦፍላ ሰባት ብጥምየት ሞይቶም ምባሎም “ሓሶት እዩ” ክብል ገሊጹ።

“እቲ ካባቢ ሰላማዊ እዩ ዘሎ” ብምባል ከኣ ኣብ ትግራይ ዝሰርሑ ገለ ትካላት ኮነ ኢሎም ዝገብርዎ ምዃኑ ሓቢሩ። ኣየኖት ትካላት ዝብል ግን ኣየነጸረን።

“መንግስቲ ኢትዮጵያ ንጥምየት ከም መሳርሒ ኲናት ይጥቀመሉ ኣሎ” ብዝብል ኣብ ማዕኸናት ዜና ኮነ ካልኦት ትካላት ዝዝርጋሕ ሓበሬታ ዝነጸገ ኮሚሽነር ምትኩ፡ መንግስቲ ፌደራል ኣብ ምዕራብ ትግራይ ከባብታት ሑመራ፣ ማይካድራን ካልኦትን ብበዝሒ ረድኤት የቕርብ ከምዘሎ ኣመልኪቱ።

ኣብ ትግራይ ጥምየት [‘ፋሚን’] ኣጋጢሙ ኢልካ ንምእዋጅ ሰለስተ ዓለምለኻዊ ረቛሕታት ክማልኡ ከምዘለዎም ብምሕባር ከኣ እቲ ኩነታት ግን ኣብ ትግራይ ከምዘይተኸሰተ ገሊጹ።

ኣብ ሓደ ከባቢ 20 ስድራ ሕጽረት መግቢ ከጋጥሞም ከሎ፤ ልዕሊ 30 ሚኢታዊት ህጻናት ብኸቢድ ሕጽረት መግቢ ክሳቐዩ ከለዉን ካብ 10 ሽሕ ነበርቲ መዓልታዊ ልዕሊ ክልተ ሰባት ብጥምየት ኣብ ዝሞቱሉን እዋን ጥምየት ኣጋጢሙ ከምዝበሃል ነቶም ረቋሕታት ብምጥቃስ ኣረዲኡ።

ሓላፊ ሰብኣዊ ረድኤት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ማርክ ሎውኮክ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃለ-መሕትት፡ ኣብ ትግራይ ኣብዚ እዋን ብኣማኢት ኣሽሓት ሰባት ንጥምየት ከምዝተቓልዑ ብምግላጽ ከቢድ ኩነታት ክኽሰት ከምዝኽእል ተዛሪቡ ነይሩ።

ምኽትል ጊዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ኣበበ ገብረሂወት ኣብ ቀረባ ኣብ ዝሃቦ ቃለ-መሕትት ሓረስቶት ማሕረስ ከየካይዱ ከምዝተኸልከሉ ምግላጹ ብምዝኽኻር ሕቶ ዘቕረቡ ጋዜጠኛታት “ሓሶት’ዩ፤ ኣብ ትግራይ 70 ሚኢታዊት ዝኸውን ናይ ሕርሻ ቦታ ተሓሪሱ’ሎ” ዝብል መልሲ ካብ ኣይተ ምትኩ ተዋሂብዎም።

ሰብኣዊ ረድኤት ብዝምልከት

ኮሚሽነር ብሄራዊ ኣመራርሓ ስራሕ ስግኣት ሓደጋ ኣይተ ምትኩ ካሳ፡ ኣብ ፈለማይ ዙር ን4.5 ሚልዮን ህዝቢ መግብን መግቢ ዘይኮኑ ነገራትን ከምኡ’ውን ኣብ ካልኣይን ሳልሳይን ዙር ን5.2 ሚልዮን ህዝቢ ረድኤት ከምዝቐረበ’ዩ ተዛሪቡ።

በዚ መሰረት 5.4 ቢልዮን ብር ዝግመት 170 ሽሕን 798 ሚትሪክ ቶን ስርናይ ናብ'ቲ ክልል ከምዝበጽሐ ዝሓበረ እቲ ኮሚሽነር ኣብቲ ካልኣይን ሳልሳይን ዙር ናይ ዝቐረበ መግቢ ወጻኢኡ መንግስቲ ነቲ 70 ሚኢታዊት መዳርግቲ ኣካላት ከኣ ነቲ 30 ሚኢታዊት ከምዝሸፈኑ ወሲኹ ኣረዲኡ።

ትካል መግቢ ዓለም፣ ወርልድ ቪዥን፣ ኬር ኢንተርናሽናል፥ ሪሊፍ ሶሳይቲ ኦፍ ትግራይ [ማረት]፥ ፉድ ፎር ሃንብሪ ርድኤት የቕርቡ ከምዘለዉ ብምጥቃስ፤ ን84.9 ወረዳታት ትግራይ ብምሽፋን 91.3 ኣብ ቀረብ መግብን ዝርግሐን ይሰርሑ ምህላዎም ኣመልኪቱ።

ዝተፈላለዩ ትካላት ረድኤት ኣብቲ ክልል 5.2 ሚልዮን ህዝቢ ወይ ድማ 90 ሚኢታዊት ህዝቢ እቲ ክልል ህጹጽ ሰብኣዊ ረድኤት ከምዘድልዮ’ኳ እንተገለጹ ኣይተ ምትኩ ግን ካብዚኦም እቶም ልዕሊ 1 ሚልዮንን 10 ሽሕን ተጠቀምቲ ፕሮግራም ሴፍቲ ኔት ከምኡ’ውን 40 ሽሕን 336 ኤርትራውያን ስደተኛታት ከምዝኾኑ ተዛሪቡ።

“ስለዝኾነ ድማ ነዚኦም ርእሱ ዝኸኣለ ሓገዝ ስለዘለዎም ምስቶም ሰብኣዊ ሓገዝ ዘድልዮም ተደሚሩ ክረኣይ የብሉን” ኢሉ።

ነቲ ሓገዝ ንምቕራብ ኣብ ዝስርሑ ስራሕቲ ዘጋጥሙ ብድሆታት ከምዘለዉ ዝጠቆመ እቲ ኮሚሽነር ብፍላይ ኣብ ገለ ከባቢታት ውግእን ተኹስን ብምህላዉ ኩነታት ጸጥታን ድሕነትን ኣብ ሓደጋ ስለዝወድቕ ብወተሃደራት ዓጀባ ክግበር ከምዘለዎ ገሊጹ።

ብኻልእ ገጽ ድማ ሕጽረት ህጹጽ መጽለሊ ተመዛበልቲ፣ መግቢ ተንከፍ ዘይኮኑ ናውትን ካልእን ከምዘሎ ኣዘኻኺሩ።

ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝተመዛበሉ ብዝምልከት ድማ ሰለስተ ኣማራጺታት ከምዝቐረበ ሓቢሩ’ሎ። በዚ መሰረት እቲ ቐዳማይ - ሰላም ካብ ዝተመለሰለን ከባብታት ዝመጽኡ ተፈናቐልቲ ብፍቓዶምን ንዓለምለኸ ሕግታት መሰረት ብዝገብርን ኩነታት ክምለሱ፤ ካልኣይ - ዝመጽኡሉ ከባቢ ዘይተረጋግአ እንተኾይኑ ምስ ኣዝማዶምን ቤተሰቦምን ክጸንሑ፤ ሳልሳይ - ንኽልቲኦም ኣማራጺታት ክገብሩ ዘይክእሉ እንተኾይኖም ኣብ ጊዚያዊ መጽለሊታት ከዕቁቡ ዝብሉ እዮም።

ካብ ምዕራብ ትግራይ ዝተመዛበሉ ተጋሩ ብዝምልከት ከኣ፤ 40 ኣባላት ዝሓዘ ኮሚቴ ከምዝቖመን ነዞም ተመዛበልቲ ክረምቲ ቅድሚ ምእታዉ ናብ ከባቢኦም ናይ ምምላስ ውጥን ከምዝተትሓዘን ኣብሪሁ።

ጉዳይ ጥዕና

ኣብ ትግራይ ስርዓት-ጥዕና ናብ ዝነበሮ ንምምላስ ሚንስትሪ ጥዕና ምስ ዝተፈላለዩ ትካላት ብምትሕብባር ይሰርሕ ከምዘሎን ነዚ ዘተሓባብር ሓይሊ ዕማም ከምዝተዋፈረን ዶክተር ሊያ ታደሰ ኣብቲ ናይ ትማሊ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢራ።

ካብ ሃገራዊ ትካላት ጥዕና ዝተኣኻኸቡ ሰብ ሞያ ጥዕና ናብቲ ክልል ወፊሮም ንቢሮ ጥዕና ትግራይ ይሕግዙ ምህላዎም ዝገለጸት እታ ሚንስተር፡ ኣብዚ እዋን 55 ሚኢታዊት ሆስፒታላት ከምኡ’ውን 52 ሚኢታዊት ካብ ትካላት ጥዕና ኣገልግሎት ምሃብ ከምዝጀመሩ ኣፍሊጣ።

ከም ኣልትራሳውንድ፣ ቬንትሌተር፣ ማይክሮስኮፕን ዝበሉ መሳርሒ ሕክምና ከምኡ’ውን ልዕሊ 310 ሚልዮን ብር ዝግመት መድሓኒታትን ካልእ እታወታትን ናብቲ ክልል ተላኢኹሎ ኢላ።

ዓለምለኻዊ ትካል ዶብ ኣልቦ ሓኻይም [ኤም ኤስ ኤፍ] ኣብ ወርሒ ግንቦት ኣውጺእዎ ኣብ ዝነበረ መግለጺ፤ ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ትካላት ጥዕና ኮነ ኢልካ ዘመተን መጥቃዕትን ከምዝተፈጸመ ሓቢሩ’ዩ።

ገሊኦም ዝምታ (ውራ) ብወተሃደራት ከምዝተፈጸሙ ዝጠቐሰ እቲ ትካል 13 ሚኢታዊት ካብ ትካላት ጥዕና ጥራይ ኣገልግሎት ኣብ ዝህባሉ ደረጃ ከምዝርከባ ምግላጹ ይዝከር።

ትካላት ጥዕና እቲ ክልል ኣግልግሎት ክጅምራ ምስ ምግባር ብዝተሓሓዝ ኣብ ዝሰርሑ ስራሕቲ ግን ብፍላይ ተንቀሳቓሲ ኣገልግሎት ሕክምና ክምለስ ኣብ ምግባር ክፍተት ከምዘሎ ዶክተር ሊያ ተዛሪባ።

ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ኣዋርሕ ልዕሊ 75 ሽሕ ትሕቲ 5 ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት ሕጽረት መግቢ ስለዘጋጠሞም ናብ ትካላት ጥዕናን ተንቀሳቐስቲ ማእኸላት ኣገልግሎት ሕክምናን ከምዝመጽኡ ዝሓበረት እታ ሚንስተር፡ ካብ ሞንጎኦም እቶም 4 ሚኢታዊት ንኸቢድ ሓደጋ ሕጽረት መግቢ ከምዝተቓልዑ ኣመልኪታ።

ህዝቢ እቲ ክልል ኣገልግሎት ዝረኽበለን ዝነበረ ኣምቡላንስ ብምስኣኑ ካብቲ ሚንስትርን ካልኦት ገበርቲ ሰናይን ብዝተረኸበ ሓገዝ 58 ኣምቡላንስ ኣገልግሎት ክህባ ከምዝተገበረን ካልኦት 65 ኣብ ጽገና ከምዘለዋን ወሲኻ ሓቢራ።

ተፈናቐልቲ ኣብ ዝርከቡሎም ቦታታት ከኣ ነጻ ኣገልግሎት ጥዕና ንህብ ኣለና ኢላ።

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብቲ ኲናት ጾታዊ ግህሰት ዝተፈጸመን ደቂኣነስትዮ ዘድሊ ሕክምና ንክረኽባ ብዝብል ኣብ ኣእምሮኣውን ካልኦት ደገፋት ጥዕናን ዝሰርሑ ሰብሞያ ኣብ ሽድሽተ ከተማታት ሓገዝ ይገብሩ ምህላዎም መግለጺ እታ ሚንስትር የመልክት።

ኣብቲ ክልል ውድብ ጥዕና ዓለም፣ ሚንስትሪ ጥዕናን ቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይን ምስ ካልኦት 28 ትካላት ግብረ ሰናይ ብምትሕብባር ይሰርሑ ምህላዎም’ኳ እንተተገለጸ፤ ከበድቲ ጸገማት ከምዘለዉ እታ ሚንስትር ተዛሪባ።