መጠንቀቕታታት ጃምላዊ ቅትለትን ስግኣት ጥሜትን ኣብ ትግራይ [ምልከታ]
ብኣሌክስ ደ ዋል - ተንታኒ ኣፍሪቃ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፓትርያርክ ኦርቶዶክሳዊ ቤተ-ክርስትያን ኢትዮጵያ ኣቡነ ማትያስ፡ ኣብ ትግራይ ጃምላዊ ቅትለት ይፍጸም ከም ዘሎ ምስተዛረቡ ሓያል ሕቶታት ኣለዓዒሉ።
እቶም ተወላዲ ትግራይ ቅዱስ ኣቡነ ማትያስ፡ ኣብ ሕዳር [2020] ኣብ መንጎ ሰራዊት ኢትዮጵያን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ግጭት ካብ ዝውላዕ ኣትሒዙ ፡ " ብፍርሒ ኣፎም ተሓቲሙ፡ ምዝራብ ስኢኖም ከምዝነበሩ"ይግለጽ።
እቲ ኣቡነ ማትያስ እተዛረቡዎ ስምዒታዊ ዘረባ፡ ምስ ዘረባን ስምዒትን እቶም ብዓመጽን ዝተገፍዑ ኣብቲ ክልል ዝርከቡ ተወለድቲ ትግራይ ዝመሳሰል እዩ።
በቲ ግጭት ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ሰባት ካብ ቤት ንብረቶም ተመዛቢሎም ኣለዉ።
ኣብ ዳያስፖራ፡ ኣብ መላእ ዓለም ዝነብሩ ተጋሩ፡ ኣብ ርእሰ ከተማታት እተን ዝነብሩለን ሃገራት “እቲ ኣብ ትግራይ ዝረአ ዘሎ ግፍዒ ዓሌታዊ ጃምላዊ ቅትለት እዩ” ብምባል ብኣካልን ብማሕበራዊ መራኸቢታትን ጽዑቕ ጎስጓስን ሰላማዊ ሰልፍን የካይዱ ኣለው።
መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ነቲ ተቓውሞ “ብፖቲካዊ ድፍኢትን ኣጀንዳን ዝተጋነነ እዩ” ክብል ይነጽጎ። እቲ ናይ ኦርቶዶክስ ሲኖዶስ፡ ካብቲ ንቡር ባህላዊ ስርዓተ ምሕደራ ኣርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስትያን ኢትዮጵያ ነብሱ ብምግላል ንርእይቶ እቶም ፓትርያርክ ኣይረዓሞን።
ኣብ ብዙሕ መጻሕፍቲ ፡ ጃምላዊ ቅትለት፡ እቲ ዝኸፍአ ገበን ምዃኑ እዩ ዝጥቀስ ። ስለዝኾነ ከኣ እዩ ኣብ ሰልፈኛታት፡ ከቢድ ቁጠዐ ብምልዕዓል ማሕበረ ሰብ ዓለም ኣንጻር እቶም ጃምላዊ ህልቂት ዘካይዱ ሰባት፡ ብወተሃደራዊ ሓይሊ ጣልቃ ብምእታው፡ ፍሉይ ኣህጉራዊ ምላሽ ክህብን ደው ከብሎን ዝጽውዑ ዘለው ።
እቲ [ጃምላዊ ህልቂት] ዝብል ኣምር፡ ራፋኤል ለምኪን ዝስሙ ዘርኢ ኣይሁድ ዘለዎ ፖላንዳዊ ጠበቓ ፡ ነቲ ናዚ፡ ኣብ ልዕሊ መላእ ህዝብታት ዝፈጸሞ ኣዝዩ ዘስካሕክሕ ገበናት ንምግላጽ እተጠቕመላ ኣምር እያ ።
ብ1948፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ንኣምር “ጃምላዊ ቅትለት” ኣብ ወግዓዊ ኣኼባኡ ተቐቢሉ፡ ከም “ኣህጉራዊ ውዕል” ኣፍልጦ ምስሃቦ ኣብ ኣህጉራዊ መጻሕፍቲ ሕጊ፡ ፍሉይ ቦታ ሒዙ ይርከብ።
ናይ ጽልኢ ዘረባ
ኣብ ኑረምበርግ ጀርመን፡ ኣኽበርቲ ሕጊ፡ ንላዕለዎት ሰበ ስልጣን ናዚ፡ ብመንግስቲ ወይ ከም መንግስቲ ብዝቘመ ኣካል፡ ብረቂቕ ጥበብ ብዝፍጸም ሰፊሕን ስርዒታውን ጥሕሰት፡ ብገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ከሲሶምዎም ነይሮም።
ጃምላዊ ቅትለት ፍልይ ዝበለ ገበን ኮይኑ፡ እቶም ፈጸምቲ ገበን "ንሃገራዊ፡ ቀቢላዊ ፡ ዓሌታዊ ወይ ሃይማኖታዊ ጕጅለ፡ ምሉእ ብምሉእ ወይ ብኸፊል ንምጥፋእ" ዝዓለመ እዩ ክብል ይገልጾ እቲ ሰነድ።
ክሳዕ ሕጂ፡ ትካላት ሰብኣዊ መሰላት፡ ኣብ ትግራይ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ተፈጺሙ ክኸውን ከም ዝኽእል ገሊጸን ኣለዋ። እዚ ግን ክቕየር ይኽእል እዩ ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ገለ ናይ ኢትዮጵያ መራኸቢ ብዙሃን፡ በቲ ህወሓት፡ ኣብ ፈደራላዊ ስርዓት ንልዕሊ 25 ዓመታት ኣብ ስልጣን እንከለው ፈጺሞምዎ ዝበሃል ጌጋታት፡ ኣብ ብምልኡ ህዝቢ ትግራይ ብዘይ ኣፈላለይ፡ ዓሌታዊ ጽልኢ ይዘርኣ ኣለዋ። ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ 2018 ስልጣን ድሕሪ ምርካቡ፡ ከም "ኣዛብእ ቀትሪ" ን "ጸጒረ ልውጥ" ን [ኣጋይሽ ንሓዲሽ ቦታ] ዝኣመሰለ ናይ ጽልኢ ቃላት ስለዝተጠቕመ ነቲ ኩነታት ኣብኢሱዎ እዩ።
ትግራዎት ካብ ስራሕ መንግስትን ሰራዊትን ብመደብ ከምዝተኣልዩን ብናጽነት ንከይንቀሳቐሱን ንግዳዊ ንጥፈታቶምን ከየካይዱን፡ ኣብ ናይ ንግዲ ቦታኦምን መንበሪኦምን ቀይዲ ምንቅስቓስ ተገይሩሎም ኣሎ።
እቲ ግህሰታት ግን ከምቶም ኣብ ክልል ትግራይ ዝፍጸሙ ዘለው ቅትለት፡ ጾታዊ ዓመጽ - ምግሳስ ፡ ጥሜትን ዝኣመሰለ ኣረሜናዊ ተግባራት እኳ ዝዳረጉ እንተዘይኮኑ፡ ኣብቲ ጃምላዊ ቅትለት ዝበሃል ኣምር ግን ተራ ኣለዎ።
ኣብ ትግራይ ብዅሎም ሸነኻት ጃምላዊ ቅትለት ከም እተፈጸመ ዝገልጽ ሓያሎ ጸብጻባት ይቐርቡ ኣለው።
እቲ ተግባር “ጃምላዊ ቅትለት” ምዃኑን ዘይምዃኑን፡ ኣብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት (ICC) ፡ ላዕለዋይ ፈጻሚ ገበን ብይን ክህብ ይኽእል እዩ።
እቲ ጉዳይ፡ ብኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ICC ንክረአ፡ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ነቲ ክሲ ናብቲ ኣህጉራዊ ትካል ክመርሖ የድሊ። ይኹን እምበር፡ ንኣፍሪቃዊት ጥርጥርቲ ሃገር ናብቲ ቤት-ፍርዲ ንምቕራባ ቻይናን ሩስያን ክቃወማ ይኽእላ እየን።
ሰበ -ስልጣን ኢትዮጵያ ነበር ብጃምላዊ ቅትለት ተፈሪዶም እዮም
ካልእ ምኽንያት ከኣ፡ ንሓደ ድርብ ዜግነት ዘለዎ ኢትዮጵያዊ፡ ምናልባት ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ከም ምልዕዓል ጌርካ ክውሰድ ይከኣል እዩ። ምናልባት እውን ከም ፈረንሳ ወይ ቤልጁም ዝኣመሰላ ኣህጉራዊ ስልጣን ዘለወን ሃገራት ብጠበቓ ዝወሃብ ናይ ማእሰርቲ ትእዛዝ ክመሓላለፍ ይኽእል ።
ኢትዮጵያ ኣቐዲማ ብጃምላዊ ቅትለት ክሲ መስሪታ ነይራ። ብ1957 ዝወጽአ ገበናዊ ሕጊ፡ “ጃምላዊ ቅትለት” ንከይፍጸም ብፍሉይነት ይኽልክል እዩ። እዚ ከኣ ነቶም ዕቝባ ዘድልዮም "ፖለቲካውያን ጕጅለታት" እውን የጠቓልል’ዩ ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
እዚ ሕጋዊ ህንጡይነት፡ ሕብረት ሶቭየት፡ ንፖለቲካውያን ጉጅለታት ዝሓቁፍ ክኸውን የብሉን ክትብል ቅድሚ ምቅዋማ ኢትዮጵያ ነቲ ለምኪን፡ ኣብ ውዕል ው.ሕ.ሃ.ንክጸድቕ ዘውጸኦ ጽሑፍ ፈለማ ተቐቢላቶ ነይራ እያ።
ለምኪን ንባዕሉ፡ ምግቢ ምኽልካል፡ ከም መሳርሒ ጃምላዊ ቅትለት እዩ ዝርእዮ ነይሩ።
ኣብታ ኣክሲስ ሩል ዘርእስታ መጽሓፉ: ናዚ ልዕሊ እቲ ዝፍጽሞ ዝነበረ ናይ ጋዝ ቻምቨርን ጉጅለ ዓፈናን ቅንጸላን፡ ንሰባት ብጥሜትን ዓጻባን ዘህልቕ ዝነበረ ምኽልካል መግቢ ዝያዳ ከምዝብእስ ይገልጽ።
እቲ “ገበናት ጥሜት” ዝብል ኣምር ዳሕራይ ብብርጌት ኮንለይ ዝተራዕመ፡ ሰባት ንምጽቃጥን ንምቕጻዕን ንጥሜት ከም ኣጽዋር ኵናት ምጥቃም ዝብል ንቡር መግለጺ ኣህጉራዊ ኣምር ኮይኑ እዩ።
ው.ሕ.ሃ.፡ ኣመሪካን እንግሊዝን ኣብዚ ሰሙን እዚ ኣብ ትግራይ መጠነ ሰፊሕ ጥሜት ኣንጸላልዩ ከምዘሎ መጠንቀቕታ ሂበን ኣለዋ። እቲ ዝኸፍአ ብሰንኪ "ገበናት ጥሜት" ዝምታን ዘረፋን፡ ግዱድ ምምዝባል፡ ጾታዊ ዓመጽ፡ ምዕናው ምግብን ኣገልግሎት ማይን መደበራት ጥዕናን፡ እቶም ካብ ግፍዕታት ኵናት ዝደሓኑ ሰባት ንርእሶምን ንደቆምን ከይከናኸኑ፡ ከምኡውን ሰብኣዊ ረዲኤት ንኸይረኽቡ ዝኽልክል ኩነታት ከምዘሎ እዩ ዝሕበር።
ቅድሚ ሰላሳ ዓመት፡ ኢትዮጵያ ንሰበ-ስልጣን እቲ ዝተሳዕረ ወተሃደራዊ ስርዓት መንግስቱ ሃይለማሪያም ንምፍራድ፡ ፍሉይ ቤት-ጽሕፈት ምስ ኣቘመት፡ ብፖለቲካዊ ቅትለት ንዝፈጸሞ ጃምላዊ ቅትለት እያ ከሲሳቶ ነይራ።
እቲ ቀንዲ ኣትኵሮ ናይ 1977-78 "ቀይ ሽብር" [ብስም ቀይሕ ራዕዲ ብዙሕ ደም ዝፈሰሰሉ ፍጻሜ] እዩ ነይሩ። እቲ ስርዓት ብዓሰርተታት ኣሽሓት ንዝቝጸሩ መንእሰያት ጸግዒ ናይ ተቓወምቲ ፖለቲካዊ ውድባት ብምዃኖም ጥራይ ቀቲሉዎም።
ኣብ 2007 መንግስቱ ሃይለማርያም ድሕሪ 40 ዓመት እቲ ዝፈጸሞ ኣዝዩ ዜስካሕክሕ ገበን ኣብ ዘይወዓለሉ መጋባእያ ጃምላዊ ቅትለት ፈጺሙ ተባሂሉ ከም ገበነኛ ተፈሪዱ ።
እቶም ኣጓሳጎስቲ ፍትሒ፡ ደያኑ ፍርዲ ክሳዕ ዝህቡ ክጽበዩ ኣይደልዩን ዘለው። ጃምላዊ ቅትለት ከም እተፈጸመ ዝሕብር መርትዖ ደንጕዩ እንተቐሪቡ ትርጉም የብሉን። ነቲ ገበን ኣቐዲምካ ንምክልኻሉ ስጉምቲ ክውሰድ እዮም ዝሓቱ።
ነዚ ጸገም ንምፍታሕ፡ ዲፕሎማሰኛታትን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን፡ ነቲ ዓሌት ተኮር እተፈጸመ ግፍዒ ንምግላጽ፡ ሓድሽ ቃላት ኣዳልዮም ኣለዉ ።
ኣብ መጀመርታ 1990ታት ዩጎዝላቭያ ምስ ተበታተነት፡ እታ "ምጽናት ዓሌት" እትብል ቃል ገነነት።
እዚ ተግባር ኣብ ሕጊ እኳ እንተዘይተደንገገ፡ ከም ዓሌታዊ ቅትለትን፡ ጾታዊ ዓመጽን፡ ኣብ ዓሌት ዘተኮረ ጽንተትን ግዱድ ምምዝባል ዝኣመሰለ ተግባራት ካብ ጃምላዊ ቅትለት ዝፍለ ኣይኰነን ።
ጸብጻብ ክፍሊ ውሽጣዊ ጉዳያት ኣመሪካ፡ ኣብዚ ዓመት እዚ ኣብ ምዕራባዊ ትግራይ "ዓሌታዊ ጽንተት" ከም ዘጋጠመ እዩ ዝጠቅስ።
ድሕሪ ዓሰርተ ዓመት እቲ ኣብ ዩጎዝላቭያ እተገብረ ውግእ፡ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ነበር ዴቪድ ሼፈር ፡ ነቲ ከም ጃምላዊ ቅትለት እተቘጽረ ሕጋዊ ክትዕ ተጠቒሙ፡ ነቲ ግፍዒ “ጨካን ገበን” ዝብል ስያመ ሃቦ ።
"መንግስታትን ኣህጉራውያን ውድባትን... ጃምላዊ ቅትለት ከም እተፈጸመ ወይ ይፍጸም ከም ዘሎ ዝሕብር ሕጋዊ መርትዖ ብምቕራብ ክምጕቱ ይግባእ" ክብል ተማጐተ ።
ኣብቲ ምጕት፡ ኣብ ከባቢ ዝፍጸም ዓሌታዊ ተኮር መጥቃዕቲ ዝብል ኣካታዒ ዘረባ ኣሎ። ከምዚ ዓይነት ግጭት ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ኢትዮጵያ ዘጋጥም ዘሎ ዝተፈለላዩ ሕብረተሰባት ዝጋጨውሉ ዘለው ነገር እዩ።
ኣብ መንጎ እቲ ብልምዲ ዝጸንሐ ዶባትን ብምምሕዳር እተገልጸ ክልላትን ኣብ ውሁዳን ዓሌት [ማይኖሪቲ] ዘጋጥም ዘይምስምማዕን መጥቃዕትን ኣሎ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ብኻብዚ ዝተገልጸ ጸገማት ዝብገስ፡ ኣብ ብሄራት ኦሮሞ ፡ ኣምሓራ፡ ሶማልን ጉሙዝን ንሓድሕዶም ወገናት ዝካሰሰሰሉ ግጭትን ዓመጽን እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ ።
ኣፈኛታት እቶም ጕጅለታት መብዛሕትኡ ግዜ ነቲ ፍጻሜ ምስ ጃምላዊ ቅትለት እዮም ዘተኣሳስርዎ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
"ጃምላዊ ቅትለት" ዝብል ብኽያትን ጥርዓንን ብተደጋጋሚ እዩ ዝስማዕ። ግን ንዕኡ ዝገትእ ንጹር መጠንቀቕታን ስጕምትን ዝሕብር ግን ኣይኰነን ።
እቲ ብ2004 ኣብ ግፍዕታት ዳርፉር ብምትኳር እተገብረ ኣህጉራዊ ዘመተ፡ ኣብ "ጃምላዊ ቅትለት" ዘተኰረ ሓደገኛ ተግባር ከም እተፈጸመ ኣነጺሩ ኣሎ ።
ነቲ ግፍዒ “ጃምላዊ ቅትለት” ምዃኑ ኣብ ምቅላዕ ዝተዋስኡ ሰባት፡ መንግስታቶም ነቲ ተግባር ከም ጃምላዊ ቅትለት ምስ ረኣዮ፡ ብቐጥታ ወተሃደራቶም ዝልእኩ እዩ መሲሉዎም ነይሩ።
ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ፡ ሓደ ካብቲ ተቓዋሚ ሰልፈኛታት "ካብ ዒራቕ ወጺእኩም ናብ ዳርፉር እተው!" ዝብል ጽሑፍ ኣንቢቡ ። ግደ ሓቂ ከምኡ ዝኣመሰለ ግዴታ የለን ። እቲ ብመንግስቲ ኣመሪካ ዝተላእከ ጉጅለ መጽናዕቲ፡ ሰራዊት ሱዳንን ምስኡ እተተሓሓዙ ሚሊሻ ጃንጃዊድን ነቲ ጃምላዊ ቅትለት ከም ዝፈጸምዎ ገሊጹን ኣረዲኡን’ዩ።
ድሕሪኡ ፡ ጸሓፊ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኮሊን ፓወል ነቲ ጸብጻብ ተቐቢሉዎ። እንተኾነ እዚ ርኽበት እዚ፡ ነቲ ሰብኣዊ ረድኤት ምሃብን፡ ሰራዊት ዓቃብ ሰላም ምቕራብን፡ ከምኡ እውን ስምምዕ ሰላምን ምውዳድን ዝኣመለሰ ቀዳምነታት ፖሊሲ ኣመሪካ ከም ዘይቅይሮ ገሊጹ ።
ስምብራት ክትዕ ጃምላዊ ቅትለት
እቲ ኣብ ዳርፉር እተፈጸመ ግፍዒ፡ ከም ጃምላዊ ቅትለት ክጽብጸብ “ይኽእል እዩ ኣይክእልን እባ” ዝብል ዘረባ ነቲ ግፍዒ ደው ከብሎ ብዘይምኽኣሉ ኣቓልቦ ዝስሕብ ኰይኑ ጸኒሑ ኣሎ ።
እቲ ብኣመሪካ ዝቐረበ "ጃምላዊ ቅትለት" ዝብል ስያሜ፡ ኣዝዩ ምሳልያዊ ብምዃኑ፡ እቲ ው.ሕ.ሃ. ኣብ ዳርፉር ዘቘሞ ኣህጉራዊ መርማሪ ኮምሽን፡ ጃምላዊ ቅትለት ከም እተፈጸመ ስለዘይደምደመ፡ ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ነቲ "ገበናት ከም ጃምላዊ ቅትለት ኣዝዩ ከቢድ ዘይምዃኑ”ዝገልጽ ብጥንቃቐ እተቐርጸ ቃላት ብምቕራብ ከም ዝተዓወተ ኣምሲሉ ኣረድአ ።
ዓቃቢ ሕጊ ICC ጸኒሑ ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ዑመር ኣል-በሽር ጃምላዊ ቅትለት ከም እተፈጸመ ዘመልክት ናይ ማእሰርቲ ትእዛዝ ኣውጽአ። በሽር ቅድሚ ክልተ ዓመት ካብ ስልጣን ድሕሪ ምግልባጡ ብሰበስልጣን ሱዳን ተኣሲሩ እኳ እንተሎ ናብ ኣህጉራዊ መጋባእያ ቤት ፍርዲ ICC ግን ኣይተመሓላለፈን ።
መራሒ ሚሊሻ ነበር ዓሊ ዓብደል ራሕማን "ኩሻይብ" ብ24 ግንቦት ኣብ ICC ብ31 ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነትን ገበናት ውግእን ተኸሲሱ እኳ እንተ ነበረ፡ እቲ ኣኽባሪ ሕጊ ከምቲ ጠበቓታት ዝጥርጥሩዎ ጃምላዊ ቅትለት ከም ዝተፈጸመ ዘረጋግጽ እኹል መርትዖ ኣይተረኽበን ኢሉ።
በሽር ኣብ ICC ኣብ መጋባእያ ምስ ዝቐርብ: እቶም ኣኽበርቲ ሕጊ ነቲ ናይ ጃምላዊ ቅትለት ክስታት ክቕጽልን ዘይክቕጽልን ክውስኑ ኣለዎም ።
ሎሚ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ዝርከቡ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን፡ ነቲ ኣብ ዩጎዝላቭያን ዳርፉርን ዝተላዕለ ክትዕ ጃምላዊ ቅትለት ብኣካል ዝተሳተፉዎ ሰባት ይርከብዎም ።
ኣብቲ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ ዝተኻየደ ኮሚተ ርክባት ጕዳያት ወጻኢ ኣብ ባይቶ ኣመሪካ ኣብ ዘስምዖ መደረ: ትግራይ ምስ ዳርፉር ብምምስሳል ኣቕሪቡዋ።
ኣብ 'ቲ መጋባእያ ፡ ሓደ ናይ መንግስቲ ኣመሪካ ሰራሕተኛ፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ትግራይ ዝፍጸም ዘሎ ግፍዒ ጠጠው ዘይምባሉ፡ ኣመረካ፡ ኣብ ልዕሊ ናይ ኢትዮጵያ ሰበ-ስልጣን ገንዘባዊ ማዕቀብ ክግበር ይሓስቡ ከምዘለው ገሊጹ።
ብተወሳኺ፡ ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ፡ እቲ ኣብ ትግራይ ዝተፈጸመ ግፍዒ፡ ኣብ ልዕሊ ሰብኣውነት ተፈጺሙ እንተ ኰይኑ እትምርምር ሓንቲ ሕጋዊት ጉጅለ ከምዘላ ገሊጹ ።
እንተዀነ: እቲ ግፍዒ “ጃምላዊ ቅትለት” ምዃኑ እንተተገሊጹ፡ ኣብ ክንዲ ፍታሕ ዘምጽእ፡ ነቲ ዘሎ ኩነታት ከምበድብዶን ከነሃህሮን ስለዝኽእል በቲ ኣምር እቲ ንምግላጹ ሸውሃት ዝህሉ ኣይመስልን።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







